ድለ

ኣሲዚ፡ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ጥቡቕ ርክብ ምስ ኣፍጋናውያን ኣሲዚ፡ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ጥቡቕ ርክብ ምስ ኣፍጋናውያን 

ኣሲዚ፡ ውድብ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ጥቡቕ ርክብ ምስ ኣፍጋናውያን

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንኣብነት . . . ኣብ ብዙሓት ተሪር ስርዓታት ኣብ ዘለወን ሃገራት - ኣብ ኣፍጋኒስታን እውን ከምኡ። ምኽንያት ርክብን ምይይጥን ከም ራእይ ህይወት ገርና ክንጥምቶ ምሂሩና እዩ። ተገሊልካ ምንባር ምእንቲ ከይህሉ፡ ስለዚ ኣብ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ

ዕጡቓት ሓይሊ ጣሊባን ብሓይሊ ስልጣን ካብ ዝመንዝዓሉ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣፍጋኒስታን ውጥረት ይውስኽ ኣሎ። ዕለት 18 መስከረም ኣብ ጃላላባድ ናይቲ ምብራቓዊ ዞባ  ኣገዳሲት ከተማ ኣብ ዝኾነት ናንግሃር ብዝተፈጸመ ዘለስተ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ዝግመቱ ሰባት ከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ክንገር እንከሎ፡ እቲ ኣብ ከተማ ኣሲዚ ኣብቲ ዕለት 17 መስከረም ተበጊሱ ክሳዕ ዕለት 19 መስከረም 2021 ዓ.ም. “ዋዕላ ኣጸድ ፍራንቸስኮ” ኣብ “መገድታት ተስፋን” ከምኡ እውን ኣብ “ካቡል - ኣፍጋኒስታን” ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዓሚይቕ ፍጻሜታት ኣጠቓሊሉ ከምእተኻየደን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበር ሳን ማሪኖን ሃገራት ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ሽማግለ ልኡኽቲ ኢጣሊያዊት ክያራ ካርዶለቲ ኣብ ዘስምዐኦ መደረ፥ ህልው ኵነታት ኣፍጋኒስታን ብሰፊሕ ኣብሪሀን፥ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘይርጉእ ኵነት ከምዘሎን ኣብታ ክፍሊ ምብራቓዊት ኣውራጃ ናንጋርሃር ኣብ ዝኾነት ኣገዳሲት ከተማ ጃላላባድ ብመሰረት ተዓዘብቲ ግብረ ሽበራውያን ናይቲ መጥቓዕቲ ተሓታቲ ናይቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ ጣሊባን ወደረይና ኣሸባሪ ዳዒሽ ክኸውን ይኽእል እንክብሉ ርእቶ ዝሃብሉ ብዝተፈጸመ ሰለስተ መጥቓዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝቖሰሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፓኪስታንን ታጂኪስታንን ምስ መንግስቲ ካቡል ርክብ ከምዝጀመራን እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ካቡል ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዘቑሞ ወሳኒ ኣካል ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኵለን ዓሌታዊ ሓቅታት ዚሓቍፍ ክኸውም ብዝብል ዕላማ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ኣፍጋኒስታን

ኣብ ማእከል ናይቲ “ኣጸድ ፍራንቸስኮ” ዘርእስቱ ኣብ ኣሲዚ ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ “ተስፋ” ዘርእስቱ ዓውደ ጉባኤ፥ ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ስደተይንታትን ተመዛበልትን ኣብ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበር ሳን ማሪኖም ወኪል ኢጣሊያዊት ኪያራ ኮርዶለቲ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ዘሰክፍ ሰብኣዊ ኵነታት እናገደደ ምእንቲ ከይኸይድ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብታ ሃገር ኵነታት ክሳብ ዝፈቐደ ክጸንሕ ከምዝወሰነ ድሕሪ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢርን።

ኣብ ኣፍጋኒስታ ብመንጽር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ኣሲዚ ዘቕረብክንኦ መደረ? ካብ ንጥፈታትና ኣትሒዝና ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር እነሳልጦ ዕዮ ምስቲ ቅድም ዝነበረ መንግስቲ ወግዓዊ ርክባትና እቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ከስዕበልና ዝኽእል ብድሆታት ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓብዪ ብድሆ ዝኾነ ናይ ግብረ ሰናይ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ምዃኑ ኣገዳሲ ምዃኑን ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ጣሊባን እውን ዝርርክብ ከምዘድሊ ብንጹር ዘመላኸተ መድርኽ እውን እዩ ኢለን።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ብልክዕ ምስቲ ሓድሽ መንግስቲ ክትመያየጥ ዝከኣል ድዩ? “ብናተይ ኣርኣእያ እቲ ሕቶ ዚከኣል ዲዩ? ዘይኮነስ እንታይ ትጽቢታት እዩ ዘሎና . . . “ ዝብል እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ናብቶም ህዝቢ ኽንኣቱ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ክንግዕዝ ኣባላትና ደቀንስትዮ ክዓያ እንተ ደሊና ነቲ ቕድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ካቡል እናካይዶ ተልእኾ ክቕጽል እንተድኣ ንደሊ ኰይና ምስ መሪሕነት ጣሊባን ንጹር ምይይጥ ካብ ምግባር ካልኣ ኣማራጺ የብልናን። ሕጊ ሻሪዓ ኣብ መንጐ ኣንስትን ሰብኡትን ቀጥታዊ ርክብ ከም ዝህሉ ስለ ዘይገብር ደቂ ኣንስትዮ መሳርሕትና ኣፍጋናውያን ኣባላትና ኣብኡ ምእንቲ ክዓያ ክካየድ ዝግብኦ ርክብ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ንኽንሰርሕ ዘኽእለና ዝርርብ ምቛን ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ። ብእተኻእለና መጠን ናብተን ዞባታት ኣፍጋኒስታን ብዘይ ገለ ጒድኣት ክንኣቱ ክሳዕ ዝኸኣልና ኣንስትን ቈልዑን መሰራታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኵሉ ክረኽቡ መታን እቲ ምይይጥ ክቕጽል ኣለዎ። ድሕሪኡ እቲ ርክብ ናብ ውጽኢት ዚመርሕ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ዜርእየና ይኸውን።

ንፖለቲካውን ሰብኣዊ ጸገም ፍታሕ ግድን እዩ፡ ክልቲኡ ጒዳያት ዝተኣሳሰረ ድዩ? ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንኣብነት . . . ኣብ ብዙሓት ተሪር ስርዓታት ኣብ ዘለወን ሃገራት - ኣብ ኣፍጋኒስታን እውን ከምኡ። ምኽንያት ርክብን ምይይጥን ከም ራእይ ህይወት ገርና ክንጥምቶ ምሂሩና እዩ። ተገሊልካ ምንባር ምእንቲ ከይህሉ፡ ስለዚ ኣብ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ኣብቲ ኣብ መብዛሕቲአን እተን ሃገራት እቲኣተን እዚዩ መሰረታዊ ዝመስል ሰብኣዊ ዕዮ  በቢ ቕሩብ ምምሕያሽ ምግባር ኣድላዪ እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

22 September 2021, 08:17