ድለ

ክብረ በዓል ቅዱስ ዮውሓንስ መጥመቕ ኣብ ስደት ምስ ኑንስዮ

ምእመናን ካርቱም ስርዓት ግዕዝ፡ ቀዳም ዕለት 11 መስከረም 2021፡ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮውሓንስ መጥመቕ ኣብዒልና። ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ ብሰሙኑ ሰስራሖም ተኸፋፊሎም ንመደብ በዓል ስለዝስዓብዎ፡ ንኹሉ’ቲ ኪደት ናይ’ቲ በዓል ብጽቡቕ ተቖጻጺሮምዎ ወዓሉ። ሱፊፌ ወኪል ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ብፁዕ አቡነ ልዊ ሙገልን መሳርሕቶምን ከኣ ድምቀት ኣብ ር እሲ ድምቀት ሂብዎ ወዓለ።

ኣባ ክፍለኢየሱስ ካብ ሱዳን!

ብድሮኡ ስርዓተ ዋዜማ ዕለቱን፡ ስርዓት ምቅጻል ዳሜራን፡ ኣብ ቤተ ጸሎት ጂረፍ፡ ስባሔ ዘሌሊት ከኣ ኣብ ቊምስና ዓማራት ተገብረ።

ኣብ መደብ በዓልና፡ ብጹዕ ኣቡነ ሉዊስ ሙጌልን፡ እንደራሴ ሱዳንን ኤርትራን፡ ሓዲስ ተመዚዞም ቅድሚ ሰሙን ናብ ሱዳን ዝመጹ፡ ዶን ደሞኒኮ፡ ዋና ጸሓፍን ኣካያዲ ስራሕን ተጸንቢሮም ውዓሉ። ንግሆ ሰዓት 7፡45 ያሬዳውያንን መዘምራንን፡ ንምቕባሎም ናብ ጎደና ቅድሚ ቤ/ያን ወጺኦም፡ ብክትገልጾ ቃላት ትስእነሉ ኣገባብ ገይሮም ነጋይሽ ተቐቢሎም፡ ብማእከል ማዕጾ ቤ/ያን ኣእትዮም፡ ናብ እንዳ መላብሶ ኣእተውዎም። ክልቲኦም ምስ ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴን ኣባ ሚካኤል ሰሎሞን (ብመገሻ ኣብ ካርቱም ዘሎዉ) ሓቢሮም መስዋዕቲ ቅዳሴ ኣዕረጉ።

ቃለ እግዚኣብሔር ዕለቱ፡ ብጹዕ ጳጳስ ብቋንቋ ጣልያን ኣስምዑ። ብኣባ ክፍለኢየሱስ  ተተርጊሙ ከኣ ቀረበ።

ሓደ ሓደ ንሶም ካብ ዝበልዎ፡

-ሎሚ መዓልቲ ኣብ መንጎ ገና ፈጺማ መንእሰይን ጎበዝን ዘላ ቤ/ያን ብምውዓለይ፡ ብዙሕ ይሕጎስ ብሩኽ በዓልን፡ ሰላምን ቅሳነትን ዝዓዘዞ ሓዲስ ዓመት ይግበረልኩም፡፡

- ነዛ ሎሚ ትጅምርዋ ዘሎኹም ሓዳስ ዓመትኩም፡ ከም ንኻልኣይ ጊዜ ዘይትረኽብዋ ዕድል ገቢርኩም ተቐቢልኩም ተጎዓዝዋ

- ነዛ ሓዳስ ዓመት፡ ብምስጋና፡ ብልመና ምሕረት ዝሓለፈ ዝጎደልኩምዎ፡ ብልመና ጥበብ፡ ነዛ ትጅመር ዘላ ዓመት ምእንቲ ክትጎዓዝዋ ሃየ ኣጆኹም ተቐበልዋ፡

- ኣብ ናብራ ስደትኩም ሓልዮት ሓድሓድ እናተገላለጽኩም ተናበሩ

- ብዙሓት ካባኻትኩም ሕልሚ ምኻድ ካናዳ ኢዩ ዘሎኩም። እንተኾነ ሕልሚ ምኻድ ናብ መንግስተ ሰማይ ደኣ ገበርዎ . . . ዚብል ነበረ።

ዶን ደሞኒኮውን፡ ብወገኖም ከምዚ በሉ።

ኣብዚ ኣብ ሱዳን ንፈለማ ጊዜ፡ ናብዚ ከምዚ ዝበለ ድሙቕ ስርዓት ቅዳሴኹም ተሳቲፈ። ተገሪመን ተደኒቐን። ብሓቂ ሕይወት ዘሎዎ ምእመናን ቊምስና ኮንኩም ረኺበኩም። ተወሊደ ዝዓበኹሉ ቁምስና ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቕ ኢዩ። ሎሚ እምበኣር ንዓይ ድርብ በዓል ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ‘. . . ንሱ ክልዕል ኣነ ክትሕት . . . ዝብል ሓረግ ቅዱስ ዮውሓንስ፡ ሓደ ነዚ ትጅምርዎ ዘሎኹም ዓመት ብዙሕ ዝሕግዘኩም መንፈስ ትሕትና ኮይኑ እስምዓኒ። ሃየ በሉ በዚ መንፈስ’ዚ ነዚ ሓዲሽ ዓመት ተቐበሉ።

ኣብ መዕጸዊ ቅዳሴ ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ጽቡቕ ቃል ትምኒ ዕለቱ፡ ብሞት ንዝሓለፉ፡ ኣብ ሓዘን ንዘሎዉ፡ ብሕማምን ስንክልናን ኣብ ገዛ ተደሪቶም ዝነብሩ፡ ብሓፈሻ ንኹሉ ገለጹ። ቀጺሎም ከኣ ንመዘምራንን ያሬዳውያንን፡ ሕልፊ ኩሉ ግን ዕዙዝ ምስጋናን ጸሎትን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ክግበር ኣተሓሳሰቡ። ከመይ ሎሚ ዓመት፡ ካብ ዝኾነ ካልእ እዋን ንላዕሊ፡ ንጸጥታን ራብሻን መንእሰያት ጎደናታት ካርቱም፡ ፍጹም ተቐጻጺሮምዎ ስለዝወዓሉ።

ብፁዕ አቡነ ልዊ  ሚገል ምስ ቆሞሳት
ብፁዕ አቡነ ልዊ ሚገል ምስ ቆሞሳት

ድሕሪ ቅዳሴ ኣጋይሽ ምስ ያሬዳውያን ሓቢሮም ንነዊሕ ሳዕስዑን ተወዛወዙን። ድሕሪኡ መደብ ጥዑም ምሳሕን ቡንን ተኻፊልና ነናብ ገዛና ገድና።

ክብሪ ንልዑል ፈጣሪ ይኹን።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 September 2021, 13:37