ድለ

መልእኽቲ ሊቀ ጳጳሳት ዘበአሥመራ ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ንሓዲስ ዓመት 2014!

እምነት ብዘይግብሪ ምውቲ እያ! ርእሰ ዓመት፣ ዘመነ ማርቆስ ፩ መስከረም ፳፻፲፬፣ 11 መስከረም 2021
ብድምጺ ንምክትታል!

ክቡር ሕዝበ እግዚኣብሔር፣

ቅድሚ ኲሉ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ሓዋርያት ኮይነ፣“በቲ ቀዳሲ ዝኾነ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝኃረየኩም ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛኅ”(1ጴጥ 1:2) እናበልኩ ልባዊ ናይ ሓዲስ ዓመት ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ምንዮተይ እገልጸልኩም። እግዚኣብሔር ዝሃቦ እዩ ‘ዓመት ንዓመት የድግመና’! እናበለ ነዚ ጸጋ እዚ ዝቕበሎ እሞ፣ ሎምዘመን ከኣ እቲ ነዚ ዕድል’ዚ ዝሃበና ኲሉ ዝኽእል ጉይታ ዝተመስገነ ይኹን።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሕዝቢ ኣነጺሩ፣ “እምበኣርከስ ብፍሬኦም ክትፈልጡዎም ኢኹም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፣ ጐይታይ ጐይታይ ዝብለኒ ኩሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ” (ማቴ 7:20-21) በሎም። እዚ ማለት ከኣ ተኣምኖተ-ሃይማኖት፣ ብተኣዝዞተ-ሃይማኖት ዘይተሰነየን ዘይተደገፈን እንተኮይኑ ትርጉም የብሉን። ተኣምኖተ-ሃይማኖት ማለት ብኣፍካ እምነትካ ምግላጽ፣ ምምስካር የስምዕ። ተኣዝዞተ-ሃይማኖት ከኣ ነቲ እትኣምኖ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት እዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስውን፣ ሓደ ምሁር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ ኢሉ ምስ ሓተቶ፣ ኢየሱስ ብወገኑ፣ “ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ? ኢሉ ብካልእ ሕቶ ይቕበሎ እሞ፣ እቲ ምሁር ከኣ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ፣ ብኲሉ ነፍስኻን ብኲሉ ኃይልኻን ብኲሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ፣ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር፣’ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ‘ጽቡቕ መሊስካ፣ ከምኡ ግበር እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ’ በሎ”(ሉቃ 10:26-28)። “ንሱ ግና ንርእሱ ከመጻድቕ ደልዩ፣ ብጻየይከ መን እዩ?” (ሉቃ 10:29) ኢሉ ምስ ሓተቶ፣ ኢየሱስ፣ ዛንታ ናይ’ቲ ሰረቕቲ ኣብ መገዲ ዝኸተርዎ እሞ ከትኪቶም ዝኃደግዎ ሰብኣይ ይትርኸሉ። እቲ ካህን ኮነ እቲ ሌዋዊ ደጋዊ ንጽሕና ምእንቲ ክሕልዉ ኢሎም ካብ ምሕጋዙ ክቚጠቡ ከለው፣ እቲ ጓናን ሕያዋይን ሳምራዊ ግን ደንጊጹ ብርኅራኄ ከምዝሓገዞ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኢየሱስ እንደገና ነቲ ምሁር፣ “ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሠለስተ ብጻይ ዝኾኖ ኣየናዮም ይመስለካ?” (ሉቃ 10:36) ኢሉ ይሓቶ፣ ንሱ ከኣ “እቲ ሠናይ ዝገበረሉ” ኢሉ መለሰ። “ኢየሱስ ከኣ ‘እምበኣር ኪድ ንስኻውን ከምኡ ግበር’ በሎ” (ሉቃ 10:37)። ካብዚ ዝንጽር ትምህርቲ የልቦን።

ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያውን ኣብ መልእኽቱ፣ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ንጹር ትምህርቲ ኢየሱስ ተመርኲሱ እዩ፣“ኣኅዋተይ፣ ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ፣ ምግባር ግና ካብ ዘይትህልዎ እንታይ ትጠቕሞ? እዛ እምነት እዚኣዶ ከተድኅኖ ትኽእል እያ? ኃው ወይ ኃውቲ እንተ ዓረቑ፣ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፣ እሞ ሓደ ካባኻትኩም ንሥጋኦም ዘድሊ ከይሃበ፣ ‘ብሰላም ኪዱ፣ ሙቑ፣ ጽገቡ’ እንተበሎም፣ እንታይ ይጠቅም? ከምኡ ከኣ እምነት ምግባር እንተ ዘይብላ፣ ንርእሳ ምውቲ እያ” (ያዕ 2:1417) ዝበለ። ብሓቂ ከኣ እምነትና ምስ ዕለታዊ ተግባርና እንተዘይተጋጠመት ሓቀይና እምነት ኣላትና ክንብል እይንኽእልን ኢና። ቅዱስ ያዕቆብ ቀጺሉ፣ “ሓደ ግና ‘ንስኻ እምነት ኣላትካ፣ ኣነ ከኣ ግብሪ ኣሎኒ’ ይብል ይኸውን። እምበኣር እምነትካ ብዘይግብሪ ኣርእየኒ፣ ኣነውን ብግብረይ ገቢረ እምነተይ ከርእየካ” (ያዕ 2:18) ብምባል ነቲ ብኣፉ ጥራይ ኣማኒ እየ ዝብል ግን ብተግባር ዘይፍጽሞ ሰብ ክብድሆ ንረኽቦ። ብሓቂ ከኣ፣ “ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምውቲ ከምዝኾነት፣ እምነትውን ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ” (ያዕ 2:26)። እኖና ቅድስቲ ቤተክርስትያን እውን ኣብቲ ብርሃን ኣሕዛብ ዝተባህለ ዓብይ ሰነዳ፣ ነዚ ወንጌላዊ ማዕዳ እያ እትደግመልና። ስለዝተጠመቕና ብቃል ጥራይ ክርስትያን እየ እናበልና እንተተጀሃርና ሓንቲ ጠቕሚ የብሉን። ብሓቂ ከኣ፣ “ሓደ ሰብ ኣባል ናይዛ ቤተክርስትያን ኮይኑ እንከብቅዕ፣ ኣብ ፍቕሪ እንተዘይጸኒዑ ክድኅን ኣይክእልን እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሕጽኒ ቤተክርስትያን ደኣ ይሃሉ እምበር፣ ብልቢ እንተዘይኮይኑ፣ ብኣፍኣዊ ህላዌ ብኣካል ጥራይ እዩ ዝነብር ዘሎ ማለት እዩ። ኣብዚ ኩላቶም ደቂ ቤተክርስትያን ክዝክርዎ ዝግባእ ጉዳይ እንተሎ፣ እዚ ሓለፋ ኣባልነት እዚ ብሞያኦም ዘይኮነስ ብጸጋ ክርስቶስ ዝረኸብዎ ምዃኑ እዩ። ነዚ ጸጋ’ዚ ድማ ብሓሳቦምን፣ ብቃሎምን፣ ብግብሮምን ሞሳ እንተዘይመሊሶም ኣይክድኅኑን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብቚጥዓ እኳ ክፍረዱ እዮም” (ብርሃን ኣሕዛብ ቊ.14)።

ቅዱስ ያዕቆብ ብሕጽር ዝበለ፣ ግን ከኣ ኣዝዩ ንጹር ኣገባብ፣ “ሃይማኖት እንበለ ግብር ምውቲ ይእቲ” ሃይማኖት (እምነት) ብዘይግብሪ ምውቲ እያ እናበለ ዓብይ መዘኻኸርን መጠንቀቕታን ይህበና ኣሎ። ስለዚ ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ሓዲስ ዓመት ዘመነ ማርቆስ እምነትና ከመይ ከምዘላ ክንፍትሽ ንጽዋዕ ኣሎና። ገለ ጽቡቕ እንተገበርና እውን ምናልባት ከምቲ፣“ኦ ኣምላኽ ፣ ከምቶም ካልኦት ሰባት ከተርቲ፣ ዓመጽቲ፣ ዘመውቲ፣ ወይ ከምዚ ተቐባል ቀረጽ እዚ ስለዘይኮንኩ ኣመስግነካ ኣሎኹ። ኣብ ሰሙን ክለተ መዓልቲ እጸውም፣ ካብ ኩሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር አውጽእ” ሉቃ 18:11-12) እናበለ ዝጸለየ ፈሪሳዊ፣ ከይንከውን ክንጥንቀቕ የድሊ። ዝኾነ እንገብሮ ጽቡቕ ስራሕ እውን ምእንቲ ሰብ ክርእየልናን ክሰምዓልናን ኢልና ዘይኮነ፣ ምእንቲ ጐይታ ኢልና፣ ብቅንዕናን ብትሕትናን ክንፍጽሞ ከሎና እዩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ፍረ ዘለዎ ዝኸውን። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ እውን ዝብሎ እውነተይና እምነት ክርስትና ብግብሪ እዩ ዝግለጽ። “ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ኃዉ ተሸጊሩ ከሎ እናረኣዮ እንተዘይደንገጸሉ፣ ከመይ ኢሉ ደኣ ንኣምላኽ ኣፍቅሮ እየ ኪብል ይኽእል?”(1ዮሓ 3:17)። ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኮይኖም፣“ብግብርን ብሓቅን እምበር፣ ብቃልን ብልሳንን ኣይንፋቐር”(1ዮሓ 3:18) እናበሉ እዮም ንእምነቶም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ። እዚ ከኣ ቀሊል እዩ ማለት ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ጳውሎስ እውን፣“መንግሥቲ ኣምላኽ ብኃይሊ እምበር ብዘረባ ኣይኮነትን”(1ቆሮ 4: 20) ዝብለና። ሓቀይና ናይ ምሕረት ኮነ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ከኣ፣ ኩሉ ጊዜ ኣብ ገዛና ክጅምር ኣለዎ። ዝኾነ ሠናይ ግብሪ ወይ ናይ ምሕረት ስራሕ፣ ከምቲ ባዕሉ እግዚኣብሔር ዝበሎ፣ ካብቶም ምሳና ዝነብሩን ዝጐዓዙን ክብገስ ከሎ ሓቅነት ፍቕርናን ልግስናን ይርአ ማለት እዩ። በዚ እዩ እግዚኣብሔር፣ ቀደም ንደቂ እስራኤል፣ ሎሚ ድማ ንኣና፣ “ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፣ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ እስራኤላዊ ኅዉኹምን ሽጉርኩምን ብልግሲ ሃብዎ፣ ኢለ እእዝዘኩም ኣሎኹ”(ዘዳ 15:11) ዝብለና።

ኣብቲ ዘገርም መጽሓፍ ጦቢት እውን ብዛዕባ ኣወሃህባ ምጽዋት ንጹር መምርሒ ንረክብ። “ክትምጽውት ከሎኻ ድማ ብንፍገት ኣይትሃብ። እግዚኣብሔር ገጹ ከይከልኣካ ንድኻ ገጽ ኣይትኽልኣዮ። ወደየ ክትምጽውት ከሎኻ፣ ከም ብዝኂ ሀብትኻ ሃብ። ብዙኅ ሃብቲ እንተ ኣሎካ፣ ክትምጽውት ከሎኻ ኣብዚኅካ መጽውት። ሀብትኻ ቊሩብ እንተ ኮይኑ ከኣ ካብቲ ዘሎካ ሃብ። ካብ ምምጽዋት ግና ዓዲ ኣይትውዓል። እዚ ከም ዝተዓቚረ ገንዘብ ኮይኑ ክጠቕመካ እዩ። ብጊዜ ጸበባ ከኣ ዓስቢ ክትረክብ ኢኻ። ንድኻታት ምጽዋት ምሃብ፣ ካብቲ ጸልማት ዝኾነ ዓዲ ምውታት የድኅነካ። እቶም ምጽዋት ዚህቡ፣ ንልዑል እግዚኣብሔር ዜሓጐስ ብቚዕ መባእ የቕርቡ” (ጦቢ 4:7-11)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ብግልጺ፣ “ጥሪትኩም ሸጥኩም ምጽዋት ሃቡ። ሠራቒ ኣብ ዘይረኽቦ, ነቐዝ ኣብ ዘየበላሽዎ፣ ዘይበሊ ማህፉዳን ዘይጐድል ሀብትን ኣብ ሰማይ ዕቖሩ”(ሉቃ 12:33) ይብለና። ነዚ ትምህርቲ ጐይታ ብምሉእ ልባ ዝተቐበለት ኣብ ከተማ ኢዮጴ እትነብር ዝነበረት ጣቢታ እትበሃል ኣማኒት ወትሩ “ሠናይ ምግባርን፣ ምጽዋት ምሃብን እተዘውትር ነበረት” (ግ.ሓ 9:36)። እዚ ኩሉ ከኣ ኣብቲ ኢየሱስ ብቃሉ ዝመሃሮ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣውራ እኳ ኣብቲ ብግብሪ ኣብ ሕይወቱ ዘርኣየና ኣብነት ዝተመስረተ እዩ። “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ክትህብትሙ፣ ሀብታም ከሎ ምእንታኻትኩም ደኸየ”(2ቆሮ 8:9)። “ክርስቶስ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለዘኅለፈ፣ ንፍቕሪ በዚ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣኅዋትና ሕይወትና ከነኅልፍ ይግብኣና እዩ” (1ዮሓ 2:16)። ተኣምኖተ-ሃይማኖትን ተኣዝዞተ-እምነትን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሓቀይና ክርስትያናዊት ሕይወት እየን ክኾና ዝግባእ። ኣጸላልያና ንእምነትና ክገልጽ፣ ሕይወትና ድማ ንእምነትና ብተግባር ከርኢ ኣለዎ። በዚ እዮም እቶ ቀዳሞት ኣበው ቤተክርስትያን “ሕጊ ጸሎት ሕጊ እምነት እዩ፣ ሕጊ ሕይወት ከኣ እዩ”፣ እናበሉ ዝምህሩን ዝጽሕፉን ዝነበሩ።  

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ፣ ብሓቂ “ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ እንተ ደኣ ኣሊና፣ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር ግዝረት ኮነ ዘይግዝረት ጥቕሚ የብሉን”(ገላ 5:6)። ንኣና ንኣመንቲ ኣኅዋት ዝገብረና፣ ወይ ኅብረት ዝህበና፣ “ሓደ ጐይታ፣ ሓንቲ እምነት፣ ሓንቲ ጥምቀት” (ኤፈ 4:5) ደኣ እምበር፣ ካልእ ዝኾነ ዓለማዊ ዕርክነት፣ ሥጋዊ ዝምድና ወይ ጊዚያዊ ጠቕሚ ኣይኮነን። “እምበኣርሲ ጊዜ ከሎና ንኩሉ ሰብ ምናዳ ነቶም ብእምነት ኣኅዋትና ዝኾኑ፣ ሠናይ ንግበረሎም”(ገላ 6:10)። ከመይ ንሕና “ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፣ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፣ ናይ ድኅነት ተስፋ ከኣ ከም ቊራዕ ርእሲ ደፊእና ገዛእ ርእስና ብምግታእ” (1ተሰ 5:8)፣ በቲ ኃይሊ ዝህበና መድኃኒና ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ጉዕዞና ክንዕወት ንኽእል ኢና። ስለዚ ነፍስ ወከፍና ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይኑ “በቲ ኃይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ ንኲሉ እኽእሎ እየ” (ፊል 4:13) ክብል ይደፍር።  ብፍላይ እቶም ንሕዝበ እግዚኣብሔር እንጓስን እንመርሕን ከኣ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፣ “ነዚ ብምሕሳብ ኣምላኽና ንጽዋዓኡ ብቑዓት ምእንቲ ኪገብረኩም፣ ብኃይሉ ከኣ ነቲ ሠናይ ቊርጺ ፍቓድን ናይ እምነትኩም ተግባርን ኩሉ ምእንቲ ክፍጽመልኩም ከየብኰርና ምእንታኹም ንጽሊ ኣሎና”(2ተሰ 1:11) እናበልና ንምእመናንና ነተባብዓዮም። “ነቶም ኣመንቲ ብቃል በካይዳ፣ ብፍቕሪ ብእምነት ብንጽሕናውን ኣርኣያ ኩኖም” (1ጢሞ 4:12) ከምዝተባህለ ንሕና ከኣ ነዚ ክንገብር በቲ ሊቀ ካህናትን ሕያዋይ ጓሳን ዝኾነ ክርስቶስ መዝነት ተቐቢልና ኢና እሞ ቅድሚ ብቃል ምስባኽና ብግብርና ንሕዝብና ኣብነት ክንኮኖም ከምዝተለኣኽና ወትሩ ክንዝክር ኣገዳሲ እዩ። መዓልቲ መጸ “ብሠናይ ግብሪ ዘበለ ኩሉ ፍረ እናፈረኹም፣ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹም፣ ንእኡ ዝበቅዕ ሕይወት እናነበርኩም፣ ንጐይታ ብኩሉ ምእንቲ ከተሓጉስዎ ንጽሊ ኣሎና”(ቆላ 1:10) እናበልና ንዓበይትን ንናእሽቱን ኣብ እምነቶም ክድልድሉ ንሓግዞም።

ኣብዚ እንጅምሮ ዘሎና ሓዲስ ዓመት እምበኣር ኣብ ዕለታዊ ጉዕዞና ንምኽሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ጽን ኢልና ምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ በብሓደ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ እውን ንተዓጠቕ።“ስለዚ ብኩሉ ትግሃት እናተጋደልኩም ኣብ እምነትኩም ሕያውነት ወስኹ፣ ኣብ ሕያውነትውን ፍልጠት፣ ኣብ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፣ ኣብ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፣ ኣብ ዓቕሊውን መንፈሳውነት፣ ኣብ መንፈሳውነት ከኣ ኅውነት፣ ኣብ ኅውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ። እዚ ነገር እዚ እንተ ኣሎኩም፣ እናማዕበለውን እንተ ከደ፣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጠኩም እዩ። ሃካያትን ዘየፍርዩንውን ኣይክትኮኑን ኢኹም” (2ጴጥ 1:5-8)። እዚ ይጽንሓለይ ዘይበሃል ኣገዳሲ ተግባራዊ መምርሒ ክኾነና ይግባእ። እምነት ብዘይግብሪ ምውቲ ስለዝኾነት፣ ነዚ ግሩም ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስውን ብምስትውዓል ተረዲእና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ንጽዓር።“ብዘተረፈ ኣኅዋተይ ሓቂ ዘበለ፣ ርዝነት ዘለዎ ኩሉ፣ ቅኑዕ ዘበለ፣ ንጹሕ ዘበለ፣ ተፈታዊ ዘበለ፣ ሠናይ ዜና ዘለዎ ኩሉ፣ ብሉጽ ወይ ምስጉን ነገር እንተ ኣልዩ፣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ሕሰቡ። ነቲ ካባይ ዝተመሃርኩምዎን፣ ዝተቐበልኩምዎን፣ ዝሰማዕኩምዎን፣ ኣባይ እውን ዝረኣኹምዎን ነገር ኩሉ ግበርዎ፣ ኣምላኽ ሰላም ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” (ፊል 4:8-9)። ኣብ መወዳእታኡ ከኣ፣ ናይቲ ንሕያዋንን ንሙታንን ክፈርድ ብክብሪ ዝመጽእ መዽኃኔ ዓለም ጥዑም ድምጺ ክንሰምዕ ኢና። እታ ናይ መጨረስታ መምዘኒ ክርስትያናዊ ሕይወትና ግብራዊት እምነትና እያ ክትከውን እሞ፣ ዕለት ዕለት ብዝከኣለና መጠን፣ ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ሓዲስ ትእዛዝ፣-ብፍቕሪ እግዚኣብሔርን፣ ብፍቕሪ ብጻይን-ንነብር እንተኮይንና፣ “ሽዑ እቲ ንጉሥ በየማኑ ንዘለው፣ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት’ እቲ ዓለም ክፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ክትወርሱ ንዑ። ምኽንያቱ ከኣ ጠምየ ኣብላዕኩምኒ፣ ጸሚአ ኣስተኹምኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺአ ተቐበልኩምኒ፣ ዓሪቐ ከደንኩምኒ፣ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፣ ተኣሲረ ኣጽናናዕኩምኒ----እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ ኣኃዋተይ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከምዝገበርኩምዎ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ”(ማቴ 25:34-36) ክብለና ከሎ ዓብይ ሓጐስ ክስምዓና እዩ።

ንኩልና ብሩኽ ሓንሰ-መስቀለ ይግበረልና። ነዚ ሓዲስ ዓመት ከኣ፣ ዓመት ራህዋን ጽጋብን፣ ዓመት ፍትሕን ሰላምን፣ ይግበረልና።

 

 

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ

10 September 2021, 16:37