ድለ

ሃይቲ ኣብ ጽንኵር ኵነት - ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይንጽል ሕንጸት ግንባር ሃይቲ ኣብ ጽንኵር ኵነት - ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይንጽል ሕንጸት ግንባር 

ሃይቲ ኣብ ጽንኵር ኵነት - ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይንጽል ሕንጸት ግንባር

እታ ካብ ዓለም ካብተን ኣዚየ ድኻታት ካብ ዝበሃላ ብቐዳምነት ኣብ እትጥቀስ ግዝኣት ካሪቢያን ልዕሊ 11 ሚሊዮም ከምዝኾኑ ካብ ጠቕላላ እቲ ሕዝቢ እቲ 25 ሚእታዊ ዝሽፍን ዕለታዊ መነባብርኡ ካብ ክልተ ዶላር ንታሕቲ ብዝኾነ ኣታዊ ዝመርሕን ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ብጒድለት ኣመጋግባ ዝተጠቕዔን ሞት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ኣዚዩ ልዑል

ኣብቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብክሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ግብረ ሰናይን ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ዝጥርንፍ ካቲርታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፥ ቤተ ክርስቲያን “ከቢድ ኵነታት ናይታ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ሃገር” ዘማእከለ ብመረብታዊ ኣገባብ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ከምእተኻየደን ኣብቲ ዓውደ ርክብ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ዕለት 14 ነሓሰ ድሕሪ ዝተኸስተን ቅድሚኡ እውን ነቲ ናይታ ሃገር ጽንኵር ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ግብረ ሰናይ ተጸሚዳ ተገልግል ከምዘላ እቲ ዓውደ ኣኼባ ከምዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ንሃይቲ ዘዕነዋ ርእደ መሬት ንልዕሊ 2,200 ሰባት ናይ ሞት ምኽንያት ከምዝኾነን ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን ጽፍሕታት እታ ደሴት ብርቱዕ ጸቕጢ ዝገበረ ናይ ቀረባ እዋን ቍስሊ፥ ተቐማጦ እታ ካብ ዓለም ካብተን ኣዚየ ድኻታት ካብ ዝበሃላ ብቐዳምነት ኣብ እትጥቀስ ግዝኣት ካሪቢያን ልዕሊ 11 ሚሊዮም ከምዝኾኑ ካብ ጠቕላላ እቲ ሕዝቢ እቲ 25 ሚእታዊ ዝሽፍን ዕለታዊ መነባብርኡ ካብ ክልተ ዶላር ንታሕቲ ብዝኾነ ኣታዊ ዝመርሕን ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ብጒድለት ኣመጋግባ ዝተጠቕዔን ሞት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እውን ኣዚዩ ልዑል ኣብ ዝኽዕነላ ሃገር እትነብሮ ድኽነት ካብ ዝስካሕክሕ ደረጃ ይድርኾ። ኣብ መዓልቲ ካብ ሺሕ ሕጻናት  እቶም 72 ገና ኣብ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመኦም ከምዝሞቱን እቲ ድሮ ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እናገደደ ብዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ኣጸቢቝ እተተንከፈ ቝጠባ ሃይቲ ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ 14 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ዘጋጠመ ርእደ መሬት ብዝያዳ ኣብ ጽንኵር ሰብኣዊ ኵነታት እትርከብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም. መቕተልቲ ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይሰ ዝተፍጸመላ ሃይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ግብረ ሰናይ ብቐዳምነት ተገልግል ከምዘላ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከምእተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቐዩ ሰባት

ኣብቲ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ሰበኻ ለስ ካየስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቺብልይ ላንግሎይስ፥ ሃይቲ ብድኽነትን ብዓመጽን እትናወጽ ዘላ ሃገር ምዃና ገሊጾም ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ትሳቐን ረድኤትን ምጽንናዕን ኣብ ምቕራብ ግንባር ቀደም ኰይና ትዓዪ ኣላ። እቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ በቲ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ጨንፈር ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ደገፍ ከምዝረኽቡን ሓቢሮም፡ ካህናትን ተራ ዜጋታትን ከምዝጭወዩን ዝገለጹ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ነቶም ኣብ ጽንኵር ኵነታት ዝርከቡ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ምሕጋዞም ክነጥፉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቲ ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዜጋታት ካብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ መከራ ንኽላቐቝ ብቐሊሉ ንኽስደዱ ዝተገዱ ኮይኖም ይርከቡ። ምእንቲ’ዚ ነቲ ህዝቢ ንመጻኢ ተስፋ ንኽገብሩ ዝሕግዞም ኵለ መደያዊ ሓገዝ ከነቕርበሎም ይግባእ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዳግማይ ሕንጸት ሃይቲ

ኣብ ሃይቲ ናይ ካሪታስ ጭንፈር ኣመሓዳሪ ኣባ ዣን ሃርቭ ፍራንስዋ እቲ ብሰንኪ ርእደ መሬት ዘጋጠመ መጉዳእቲ ንሃይቲ ኣብ ሕሱም ኵነታት ከምዘውደቓ ገሊጾም ማሕበራዊ ኵነታት እናተሓላለኸ ይኸይድ ከምዘሎን ልዕሊ 300 ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ በቲ ዘጋጠመ ዕንወት ኣብ ጐደናታት ከምዝርከቡን ስለዚ ናይዞም ዜጋታት እዚኣቶም ኣባይቲ ንምሕናጽ ወይ ንምጽጋን ዜድሊ ዓቕሚ የብሎምን። እቲ ርእደ መሬት ንመሰራታዊ ሕንጻታት እውን ብዙሕ መጒዳእቲ ኣስዒቡ እዩ። ንኣብነት እቲ ኣገልግሎት መውሃቢ ጽሩይ ማይን ኣመና ተጐዲኡን ናይ ገበን ጉጅለታት ብቐሊሉ ክንቀሳቐሱ ከምዝኸኣሉን ነዚ ዅሉ ተኸሲቱ ዘሎ ጸገም ርኢኻ ሃይቲ ኣብ ከመይ ኵነት ከም እትርከብ ንኽትርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ካሪታስ ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ተስፋ ክህብ ዝኽእል ዳግመ ሕንጸትን ነባሪ ዳግመ ሕንጸት ተነቓቕሕ፡ ኣብዚ መዳይ እውን ይዋሳእ ኣሎ ከምዝበሉን፡ ኣብ ጨንፈር ካሪታስ ሃይቲ ዝሰርሑ ዊንተር ሉማርከ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ መደብ ሓገዝ ቀዳምነት ዚወሃቦ ነገራት ኣባይቲ ስድራ መንበሪ ገዛውቲ ክረኽቡን ደቃቶም እውን ትምህርቲ ክረኽቡ ኣባይቲ ትምህርቲ ምሕናጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመለኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ብድሆታትን ወሳኒ ጒዳያትን ተስፋታትን ዘሎ መጻኢ

ዋና ጸሓፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣኦይሲዩስ ጆን ንህዝቢ ሃይቲ ዜድልዮም ነገራት ኣዚዩ ብዙሕ ምዃኑ ኣጒሊሖም ቀድም ቀዳድም እቲ ህዝቢ ድሕንነት ክህልዎን ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ንህዝቢ ሃይቲ ብዝበለጸን ብዝቐልጠፈን መገዲ ምሕጋዝ እዩ፡ ተስፋ ዝህብ ደገፍ የድልዮ። ህዝቢ ሃይቲ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዙሕ ጸገማት ከምዘጓነፎ ዝዝከር እዩ። ቤተ ክርስቲያን መብጽዓኣ ድኻታት ምእላይን ናይ ትምህርቲ ዕድል ምፍጣርን ህዝቢ ገዛእ ርእሱ ክኢሉ ከንብሮ ዘኽእሎ መደብ ሓገዝ ምስላጥ ዝብል ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብሰፊሕ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 September 2021, 08:58