ድለ

ተስፋ ኣብ ማእከል “ኣጸድ ፍራንቸስኮ” ተስፋ ኣብ ማእከል “ኣጸድ ፍራንቸስኮ” 

ተስፋ ኣብ ማእከል “ኣጸድ ፍራንቸስኮ”

ብጹዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፥ “መኽሰብ ክርክቦ ዘይብል ቁጠባ ፈጺሙ የሎን ቍጠባን መኽሰብን ዘይፈላለዩ እያቶም፡ የግዳስ ክንዮኡን ብተስፋን ዝጥመት ቍጠባ ኣሎ - ቍጠባ እትዓይሉ፡ ተስፋ ድማ እትምግበሉ መገዲ እዩ”

እቲ ኣብ ከተማ ኣሲዚ ክሳዕ ሰንበት ዕለት 19 መስከረም ዝቕጽል “ዋዕላ ኣጸድ ፍራንቸስኮ” ዕለት 17 መስከረም ከምእተበገሰን እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ “መገድታት ተስፋን” ከምኡ እውን ኣብ “ካቡል - ኣፍጋኒስታን” ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዓሚይቕ ፍጻሜታት ዘጠቓለለ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 19 መስከረም ዝዛዘም “ኣጸድ ፍራንቸስኮ” ዝነበሮ መደባት ርኢኻ ክሳዕ ክንደይ ሃብታም ዓውደ ጒባኤ ምንባሩ ተስተውዕል። ኣዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ዞባ ኡምብሪያ ምምሕዳርን ኣብ ኣሲዚ ማሕበር ፍራንቸስካውያንን ብምትሕብባር ዝተዳለወን ኣስተምህሮን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መንጽር ዝገበረ መድርኽ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መገድታት ተስፋ

ናይቲ ናይ ለምዘበን ሻብዓይ ሕታም ዓውደ ርክብ ማእከል “ተስፋ” ኣብ ታሪኻዊ ህሞት ዝብል ምዃኑ ናይ ፍራንቸስካውን ኣሃው ኣብ ኣሲዚ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ኤንዞ ፎርንቶም ሓቢሮም፡ እቲ ኣጸድ ክልተ ምይይጥ ዝግበረሉ መዳያት ዝሓዘ ኪኸውን እንከሎ፡ እቲ ቐዳማይ “መገድታት ተስፋ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዎን እዚ ኸኣ ካብ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ኣትሒዙ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ዘቕረብዎ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ዘጠቓልለን፥ ብጹዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፥ “መኽሰብ ክርክቦ ዘይብል ቁጠባ ፈጺሙ የሎን ቍጠባን መኽሰብን ዘይፈላለዩ እያቶም፡ የግዳስ ክንዮኡን ብተስፋን ዝጥመት ቍጠባ ኣሎ - ቍጠባ እትዓይሉ፡ ተስፋ ድማ እትምግበሉ መገዲ እዩ” ስለዚ ብጹዕነቶም ቍጠባ “ክነየው ዝጥምት” ናብ ሓደ “ስነ ግምባር ምትሕልላይን ምድግጋፍን ሓድነት ዓለምን ምዝርጋሕ ኣቑሑን ተኻፊልካ ምንባርን ምዑቋብ ክብሪ ድኹማት ነቲ ህልው እግዚኣብሔር ዝሓቶ ፍትሒ ምርግጋጽ ዝብል ሕርኵት ጻዕሪ ዝጥምት ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍርሂ ብዛዕባ መጻኢ ኣፍጋኒስታን

ናይ ፍልስፍና ሊቅ ፕሮፈሰር ካቻሪን ከምኡ እውን ደራሲት ዳቻ ማራኢኒን በቢ ወገኖም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፥ ተስፋ ዝብል ቃል ብዕምቆት ከምዘንተኑን ናይ ኢጣልያ ብሔራዊ ናይ ሰራሕተይናታት ማሕበር ጠቕላል ዋና ጸሓፊ ዳንዲኒ ብዛዕባ ስራሕን ቍጠባን ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ሊቀ ክረፐት እውን ቍጠባ ብመንጽር ስነ ኣእምሮ ከምዘብርሁን። ስዒቡ እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ፍርሂ ማእከል ዝገበረ ሓሳብ እውን ከምዝቐረበን ብፍላይ ዓለም ንኣፍጋኒስታን ዘለዎ ሻቕሎትን “ካቡል - ኣፍጋኒስታን” ዝምልከት ካልኣይን ሰፊሕ ምይይጥን ምክያዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጒዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝከታተል ላዕለዋይ መጋባእያን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውድብ ሓልዮ ሕጻናትን ዝወከሉን ናይ ስደተይናታት ውድባት ልኡካንን ንሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራት ቃል ኪዳን ንጒዳይ ኣፍጋኒስታን ዝምልከት ጨንፈር ሓላፊ ስተፋኖ ፖንተኮርቮን መደረ ከምዘስምዑን ኣብ መወዳእታ ነቶም ዕለት 13 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ዝዓረፉ “ኤመርጀንሲ” ናይ እተሰምየ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መሰራቲ ጂኖ ስትራዳ ከምእተዘከሩን ጓሎም እውን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ተረኺበን መደረ ከምዘስምዓን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣሲዚ ጒዕዞ “ቍጠባ ፍራንቸስኮ” ይቕጽል ከምዘሎን ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ኣብ መላእ ኢጣሊያ ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ኣፍጋኒስታን ኵነታት ዘብርህን መጠንቀቕታ ንምሃብ ዝግበር ወፈራታት ኣሎ።    

20 September 2021, 08:46