ካብ ግጭትን ኣሳዶን ዘምልጡ ስደተይናታት ሕጻናት ካብ ግጭትን ኣሳዶን ዘምልጡ ስደተይናታት ሕጻናት 

ካብ ግጭትን ኣሳዶን ዘምልጡ ስደተይናታት ሕጻናት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳዶ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ስድራ ቤትን ኣብዚ ስደት እዚ ትብዓት ቅዱስ ዮሴፍን ኣብ ቤተ ልሄል ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለትን ንምድሓን ቅድስቲ ስድራ ቤት ቅዱስ ዮሴፍ ዝመስከሮ ትብዓት

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስደት ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ እትዝክረሉ ዕለት 29 ታህሳስ 2021 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ናይ 2021 ዓ.ም. መበል 43 ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት ስደትን ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ትብዓትንን ኣማእኪሎም ነዚ ኵነት እዚ ቅድስቲ ስድራ ቤት ምስ እዋናዊ ኵነት ስደተይናታት ዘጣመረ ከም ዝነበረን ነዚ ጒዳይ እዚ ኣማእኺሎም ናይ ካቶሊካዊ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ስደተይናታት ዝከታተል ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ሮበርት ቪቲሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተምህሮ ሎሚ ነቶም ካብ ዓመጻ ውግእ ጥምየት ኪሃድሙ እተገዱ ቈልዑን ስድራ ቤቶምን ምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ ኢሎም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳዶ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ስድራ ቤትን ኣብዚ ስደት እዚ ትብዓት ቅዱስ ዮሴፍን ኣብ ቤተ ልሄል ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለትን ንምድሓን ቅድስቲ ስድራ ቤት ቅዱስ ዮሴፍ ዝመስከሮ ትብዓትን ብሰፊሕ ከም ዘብርሁን ሎሚ እውን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ዓመጻ ውግእ ጥምየት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዓዶምን ቤቶም ዛሕዚሖ ዝስደዱን ኣብዚ ስደት እዚ እውን ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ግዳያት ከም ዝኾኑን፡ ቅድስቲ ስድራ ቤት ካብ ቍጥዐ ሄሮድስ ኣምሊጣን ኣብ ምስሪ ተሰዲዳ እያ። እዚ እውን ርሑቕ ከይከድና ወይ ዝሓለፈ ታሪክ እዩ ቢልና የደምደምና ሎሚ እውን ካብ ቍጥዐ እዋናውያን ሄሮድስ ዓመጻን ውግእን ጥምየትን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ኣብ ዝስደዱ ዘለዉ ታሪኽ ዝርአ ምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ሓልዮ ስደተይናታት ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ቪቲሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

30 December 2021, 17:27