ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ፊሊፐ ኡወድራኦጎ ብጹዕ ካርዲናል ፊሊፐ ኡወድራኦጎ  

ኣፍሪቃ፥ ዝያዳ ቅርበት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝሳቐዩ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ህዝቢ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝያዳ ኣፍልጦ ከሕድርን ኣብ ኣፍሪቃ ንሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ክጣበቕ” እተተባብዕን እትሓንጽ ክትከውን

ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኡወድራኦጎ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሽማግለ ነቶም ካብ ሕብረተሰብ እተገሉን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዝያዳ ቀረባ ክኸውን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እዞም ናይ ቡርኪናፋሶ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ሜጥሮጶሊታ ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ነቶም ዝሳቐዩ ብዝያዳ ቀረባ ክትከውን ኣለዋ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ፊሊፕ ኦኤድራኦጎ ናኬለንቱባ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ናይ ሰበኻታትን ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ግብረ ሰናይን ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸሉ ስኡናት ብጠቕላላ ኣብ ሕሱም ድኽነትን ሰብኣውን መፍነሳውን ጸገም ንዝርከቡ ቀረባ ብምዃን ወንጌል ክምስክሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ሓለፋ ንግብረ ሰናይን ሓልዮት

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ህዝቢ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝያዳ ኣፍልጦ ከሕድርን ኣብ ኣፍሪቃ ንሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ክጣበቕ” እተተባብዕን እትሓንጽ ክትከውን ተማሕጺኖም 2022 ዓ.ም. ንመላእ ኣፍሪቃ ዓመት ጥዕናን ሓጐስን ምዕባለን ካብ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክትላቐቕ ዘኽእላ መገዲ እተረጋግጸሉን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ባህሊ ዝምዕበሉ ዓመት ክኸውን ከም እተመነዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ናይ ሓባር ጻዕሪ ውጽኢት እዩ

ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም ለብዒ ኮቪድ - 19 ከምኡ እውን ድኽነትን ቅላውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ቁጠባን ዓመጽን ስደትን ምዝብልናን ዝኣመሰሉ ውግእን ግብረ ሽበራን ዘስዕቦ መሪር ስቓይ ኵሉ ዘርዚሮም፡ እቲ ናይ ሰላም ንጉስ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር መጋበርያ ሰላም ክገብረና እጽልይ ቢሎም፥ “ሰላም ካብ ላዕሊ እተወሃበ ውህበትን ፍረ ሓባራዊ ጻዕርን እዩ፡” ስለዚ ኵሎም ማሕበረ ክርስቲያን ኣፍሪቃ መራኽቦ ድልድል ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም “እዚ እውን ሓውን ሓብትን ናይ ምዃን ባህሊ ዘህልው እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ምትሕልላይ ምትሕብባርን ባህሊ እተተባብዕ ቤተ ክርስቲያን

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ “ሲኖዳውነት” ኣገባብን ናይ ሓባር ጉዕዞን ማለት እዩ። እዚ ጐይታ ካብታ ቤተ ክርስቲያን ሳልሳይ ሺሓዊ ዓመት ዝጽበዩ ኣገባብ ሕይወት እዩ።” እቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝተጸውዐ መበል 16 ተራ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ድሮ ዕለት 9-10 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ኣብ ሰበኻታትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከም እተበገሰ ኣዘኻኺሮም፡ ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዳውነት ብዙሕ መደባት ይካየድ ምህላዉ ጠቒሶም ኣብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን እቲ መስርሕ ሲኖዳውነት ክተባባዕን ኣብ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተበገሰ መደባት ኵሉ ክሳለጥ ሓደራ ቢሎም “ብርሃነ ክርስቶስ ነቲ ጸልማትን ምጥርጣርናን የወግዶ፡ ናብታ ንድኻታትን ንማሕበርሰብን እተገሉን ሓለፋ እትብል ስድራ ቤት ኣምላኽ ዝኾነት ቤተ ክርስትን ንምዃን ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ብርሃኑ የንብረልና” ብዝብል ጸሎት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

06 January 2022, 10:43