ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም  (AFP or licensors)

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም

ቱቱ ኣብ 1984 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ንምዃን ዝበቕዑ ኣብ 1994 ዓ.ም. ነልሶን ማንደላ ናይታ ሓዳስ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብታ ሃገር ዝሓለፈ ታሪኽ ምልስ ቢሉ ዝድህስስ እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ምኽንያት ንቀጻሊ ጽልእን ዓመጽን ከይኸውን ሓቅን ፍትሕን ዕርቅን ንኽረጋገጽ ዝዓዪ ዝተመዘ ናይ ሓቅን ዕርቅን ሽማግለ ኣቦ መንበር

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ደል ካፖ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ደዝሞንድ ቱቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዕለት 26 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ከም ዝዓረፉን ናይ ቀብሮም ስነ ስርዓት ዕለት 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ከምእተፈጸመን ብዛዕባ እዞም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ማዕርነት ዓሌትን ተሓላቒ ናይ ኖበል ስልማት ተሰላሚ ‘ፍትሕን ማዕርነትን ክረጋገጽ ዓመጻ ክውገድ” ከይተሓለሉ ብዙሕ ዝጸዓሩን ማሕበራዊ ዕርቂ ዘተባብዑን እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ዱርባን ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፒየር ይገልጽዎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ከም ድላይ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ቱቱ መሰረት ተራ ብዝኾነ ኣገባብ ናይ ቀብሮም ስነ ስርዓት ኣብታ ዘፍቅርዋ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ከም እተፈጸመን፥

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ “ስነ ምግባራዊ ቡሶላ”

እዞም ሊቀ ጳጳሳት ቱቱ ኣብ መላእ ዓለም ከም “ናይ ስነ ምግባር ቦሶላ” ዝግለጹ ዝነኣዱ ዕለት 26 ታሓሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኦም ከምዝዓረፉን ሊቀ ጳጳሳት ከፕ ታውን ኮይኖም ንዓሰርተ ዓመታት ዘገልገሉ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍልያ ብዓሌት ዘስዓቦ ዜስካሕክሕ ኵለ መደያዊ ቅልውላው ተኣልዩ ኣብ መንጐ ህዝቢ እታ ሃገር ሰላምን ዕርቅን ክሰፍን ዝዓዪ ናይ ሓቅን ዕርቅን ሽማግለ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም
ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም

ኣብ 1984 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ

ቱቱ ኣብ 1984 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ንምዃን ዝበቕዑ ኣብ 1994 ዓ.ም. ነልሶን ማንደላ ናይታ ሓዳስ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብታ ሃገር ዝሓለፈ ታሪኽ ምልስ ቢሉ ዝድህስስ እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ምኽንያት ንቀጻሊ ጽልእን ዓመጽን ከይኸውን ሓቅን ፍትሕን ዕርቅን ንኽረጋገጽ ዝዓዪ ዝተመዘ ናይ ሓቅን ዕርቅን ሽማግለ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተሓርዩን ነዚ ዘደንቅ ሰላማዊ መስርሕ መሪሖም ዝተፈጸመ ዓመጽ ብምጉላሕ ነቶም በቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ተሓተቲ ዝኾኑ ብምሉኦም ክንስሑን ነቶም ዝበደልዎም ይቕረታ ክሓቱን ዝሓነጹን እዚ ኸኣ ንኣባይቲ ስድራ ግዳያት እውን ስነ ምግባራዊ ካሕሳ ምዃኑ ዘመላኸቱ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም
ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም

ተቓላሳይ ጸረ ዘርኣዊ-ፍልያ ብዘይጐነጻዊ ቃልሲ

ደዝሞንድ ቱቱ ሃገሮም ቀስተ ደመና ክትከውን ከም እትኽእል ዓቢይ እምነት ዝነበሮም ምስ ነልሶን ማንደላ ሓቢሮም ወትሩ ዓመጽን ሕነ ምፍዳይን ብምንጻግ ብቐሊሉ ምስቶም እተገለሉ ምቅርራብ ሕውነት ክህሉ ከም ዝክእልን ሕነ ምፍዳይ ዘምጽኦ ሓባራዊ ናብራ ምርግጋእን ሰላምን ከምዘየሎ ኣሚኖምን ኣእሚኖምን ኣብ ሓቂ ዝጸንዐ ዕርቂ ክረጋገጽ ደኺመ ከይብሉ ንህዝቦምን ሃገሮምን ዘገልገሉ ምዃኖም የመላኽት።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቶም ዝጠቐስዎም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጀግና ተቓላሳይ ጸረ ጽልእ ብዓሌትን ዘርኣዊ ፍልልያትን ማሕበራዊ ዕርቂ ብቓልን ተግባርን ዝመስከሩ ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዶዝሞንድ ቱቱ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከም እተፈልዩ ምስ ተሓበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መገልጺ መልእኽቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐተር ወልስ ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቶም፥ “ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታዊ ማዕርነትን ዕርቅን ብምድንፋዕ ንወንጌል ዘገልገሉ! እንክብሉ ዘኪሮም ብምኽንያት ብሞት ምፍላይ ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደዝሞንድ ቱቱ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ንስድራ ቤት ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ቱቱ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተመንዮም ነፍሲ ቱቱ ናብ ፍቕራዊ ምሕረት ኣምላኽ ሕድሪ እብል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም
ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ብሓባር ኣብ ቃልሲ ጸረ ፍልያ ብዓሌት

ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ሰብኣውን መዳያት ሓቢሮም ምስ ቱቱ ዝዓየዩን ነዊሕ ዕርክነት ዘለዎም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ደርባን ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ሓደ ካብቶም ብሓባር ምስ ሊቀ ጳጳሳት ቱቱ ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ጸረ ፍልያ ብዓሌት ዝነጠፉ ብጹዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፒየር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ቱቱ ንጡፍ ምቕሉል ሕዉስ ብቐሊሉ ምስ ኵሉ ዝራኸቡ

ንቱቱ፥ ሕዉስ ንጡፍ ምቕሉል ብቐሊሉ ዝርከቡን ምስ ኵሉ ዝራኸቡን መስተውዓሊ” እንክብሉ ገሊጾም ኣብ ሓቅን ፍትሕን ይቕረ ምብህሃልን ዝጸንዔ ብሩህን ምዕቡልን ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ደኺመ ከይበሉ ዘገልገሉ፡ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ሓቢሮም ብቐረባ ከም ዘገልገሉን ናይ ነዊሕ ዓመታት ዕርክነት ዘለዎም ምዃኖም ይሕብሩ።

ሓድነት ኵሉ ምንቅስቓሳት ሓርነት ኪህሉ ጻውዒት ዘቕረቡ

ንእተፈላለያ ጒጅለታት ምንቅስቓስ ሓርነት ብሓደ ክጥርነፋ “እቲ ምስ መንግስቲ ዝግበር ውዕላት” ናይ ሓቂ ለውጢ ዘምጽእ ክኸውን ካብ ተፈላሊኻ ሓይልኻን ዓቕምኻን ኣብ ሓደ ጠርኒፍካ እተቕርቦ ሕቶ ብርቱዕን ብዘይ መልሲ እውን ዘይተርፍ ምዃኑ ብምግላጽ ብሓባር ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዝጸንዔ ማሕበራዊ ናብራ ክረጋገጽ ጻውዒት ዘቕረቡን ኵሉ ብዘተ ጥራሕ ከም ዝፍታሕ እውን ብምዝኽኻር እተን ናይ ሓርነት ውድባት “ምእንቲ ጥቕሚ ህዝብን ሃገርን” ኣብ ሓደ ክጥርነፋን ሓደ ድምጺ ክዀናን ጻውዒት ብምቕራብ ኣብ ሕንጸት ህዝብን ሃገርን ቀንደይና ተዋሳኢ ዝነበሩ እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዝክርዎም።

ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም
ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር፥ ንሊቀ ጳጳሳት ቱቱ፥ “ንጡፍ ሓው ጓሳ” እንክብሉ ይዝክርዎም

ሓው ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ኣሓትን

ብኻልእ መዳይ እውን ቱቱ ንምንቅስቓስ ስነ ምግባር ዝነበሮም ዓሚቝ ቆራጽነት ዝጠቐሱ ብጹዕ ካርዲናል ናፒየር ኣስዒቦም፥ “ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓው ዝነበሩ” ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕትን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብምርኻብን ወትሩ ምእንቲ ሰላም ኵሉ ክሓባር ዝጸዓሩ እንክብሉ ይገልጽዎም።

ግደ ቤተ ክርስቲያን ፍትሒ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ

መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዝነበሮም ግደ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ደዝሞንድ ቱቱ እውን ሓደ ካብቶም ኣብዚ መስርሕ እዚ ዓመጽ ዘየንጸባርቑ ሓያላት ሰባት ከም ዝነበሩን ኵለን ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብዚ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ምእንቲ ዕርቅን ፍትሕን ዓቢይ ግደ ኣለወን እዚ ኸኣ እቶም ጐነጻዊ ቃልሲ ዚኣምኑ ናብ ዘይጐነጻዊ ባህሊ ንኸብሉ ዝደረኸ ምትሕብባር እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

04 January 2022, 16:30