ድለ

ኣብ ካመሩን ናይ ማነንዳ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነእንድረው ፉኣንያ ንክኣ ኣብ ሃቨረ ቫቲካን ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ 22 - 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ካመሩን ናይ ማነንዳ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነእንድረው ፉኣንያ ንክኣ ኣብ ሃቨረ ቫቲካን ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ 22 - 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. 

ቃለ መሕትት ምስ ብጹዕ ኣቡነ ንከኣ ዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ

እዚ ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ መንበሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝገበረ ዓውደ ኣኼባ ኣባይቲ ስድራ፥ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ እዩ፥ እዚ ኸኣ እዘን ኵለን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ሲኖዳውነት መስርሕ ብንጥፈት ይሳተፋ ኣለዋ

ኣብቲ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ካመሩን ናይ ባመንዳ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤንድሪዩ ፏንያ ንከኣ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እዚ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዓለም መላእ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራ ከከም ሓቅታት ዅነታት ሃገራቶም ብሰበኻን ቁምስናታትን ደረጃ ዘሳትፍ እዩ ኢሎም+

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 120 ዝኾና ሃገራት ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ተጋባእያን ኣብቲ ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 22 – 26 ሰነ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ይሳተፉ ከም ዘለዉን እቲ ንጽባቔ ሓዳርን ስድራ ቤትን ዘጒልሕ ፍጻሜ “ፍቕሪ ስድራ ቤት ጸዋዕታን ናብ ቅድስና ዝመርሕ መገድን” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ኣብ ሮማ ቀንዲ መንበሩ ገይሩ ኣብ ማላእ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ሰበኻታትን ቍምስናታትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ካመሩን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ባመንዳ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤንድሪዉ ፏንያ ንከኣ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ - ሲኖዳውነት

ብመሰረት እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሲኖዳውነት “ናይ ስነ መጽናዕቲ ኣምር ኣይኰነ” ኣብ ክንዱኡስ “ህያው ህይወት እዩ” ስለዚህ ምስ ኣባይቲ ስድራ ምርኻብን እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ኣባይቲ ስድራ ንገዛእ ርእሱ ሲኖዳውነት እዩ። እዚ ንሓሙሽተ መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ መንበሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝገበረ ዓውደ ኣኼባ ኣባይቲ ስድራ፥ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ እዩ፥ እዚ ኸኣ እዘን ኵለን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ሲኖዳውነት መስርሕ ብንጥፈት ይሳተፋ ኣለዋ። ስለዚ ንዅለን ዘሕብር ኣጋጣሚ እዩ።” ቅዱስ ኣቦና ሲኖዳውነት ዘማእከለ ሲኖዶስ ካብ ዘበግሱ ኣትሒዙ እዚ ሲኖዳውነት እዚ ኣብ ኵሉ ፍጻሜታት ኣቢያተ ክርስቲያን የሰንይ ኣሎ።

ሳዕሪ እንተድኣ ዘይንትክፍ ኴይና ሲኖዳውነት ሓሳብ ጥራሕ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ስለዚህ ንሳዕሪ እንተድኣ ዘይተንኪፍናዮ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ሲኖዳውነት ክህልወና ኣይክእልን እዩ!

ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን እያ

ናይ ሰበኻ ባመንዳ ጳጳስ ኣስዒቦም ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ሲኖዳውነት ቅድሚ ምጅማራ ፈለማ ንገዛእ ርእሳ ከም ቤተ ክርስቲያን ገይራ ክትቕበላ ኣለዋ፥ ኣብዚ መዳይ እዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ውሉድን ነዚ ንምምዕባል ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ብነፍሲ ወከፍ ናይ ተልእኾ ወንጌል ኑቕጣታት ቍምስናታትን ሰበኻታትን ኣቢላ ነዚ ንምምዕባል ክትዓዪ ኣለዋ፡ ስድራ ቤት ከም ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን ኣካል ናይታ እትጓዓዝን ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእን ቤተ ክርስቲያን ንምዃን ድማ ሱታፌ ቤተ ክርስቲያን ግድን ይኸውን፡ ስድራ ቤት ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን እያ ሱታፌ ዝጐድላ እንተድኣ ኰይኑ ግን ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ኣብ ሕቶ እያ እተእትው” ኢሎም።

ሓድሽ ኣንፈት

ብጹዕነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም እውን እቲ ናይ ሲኖዳውነት መስርሕ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ መርሕነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓድሽ መምርሒ ንኽህቡና ከም ዝመጹን እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን  ንመራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ካህናትን ጥራሕ እትውክል ናይ ቀሳውስት ውድብ ዘይኮነት ንዅሉ ከከም ጸዋዕታኡ እትሓቁፍ ኵሉ ዝዋስኣላ ንዅሉ እዚ ክፍሊ ቤተ ክርስቲያን እትውክል እያ፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን፥

ንገዛእ ርእስና ሓደ ንገብር፡ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን የደልድል ቤተ ክርስቲያን ከም ማሕበር ቀሳውስት ገይራ ገዛኣ ርእሳ ኣይትረኣይን እያ የገዳስ መዓልታዊ ናብ ሓንቲ መንግስቲ ዝጓዓዝ ሓድነት ዘለዎ ህዝቢ እያ!

እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

25 June 2022, 16:42