ድለ

መበል 19 ናይ ኮምቦናውያን ምሉእ ዓውደ ኣኼባ መበል 19 ናይ ኮምቦናውያን ምሉእ ዓውደ ኣኼባ 

መበል 19 ናይ ኮምቦናውያን ምሉእ ዓውደ ኣኼባ

እቲ ኣኼባ ብዙሓት ባህልታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን ልምድታትን ዘስተንፍስን ዘተኣሳስርን እዩ . . .ብትብዓት ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒን ከምኡ እውን ከምቲ ገምሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ “ኣብዚ መዋእል እዚ ዝርአይ ዘሎ ለውጥታት” ምላሽ ንምሃብ ሓድሽ መገድታት ንምርካብ

ናይ ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ይካየድ ኣሎ፥ እቶም ካብ ኣርባዕተ ክፍለ ዓለም እተዋጽኡ ተጋባእያን ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ሎሚ ኣብ ዓለም ዝፍጽሞ ተልእኾ ይመያየጡ ከም ዘለዉን እዚ ምይይጥ እዚ እውን ኣብ መንጐ ሕልሚ ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒን ገምሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዝተማእከለ ምዃኑ ናይ ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ እተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም፥ ካብተን ብግጭትን ድኽነትን ምኽንያት ህዝበን ዝመዘበለንን ንስደት ዝዳረጉለን ሃገራትን ካብተን ነቶም ስደተይናታት ዘእንግዳን ካብተን ምሕድግ ዝበለ ሃገራት ካብተን እተገላ ገጠራትን ካብቲ ናይ ብዙሕ ሺሕ ዓመታት ዘቝጽር ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘለዎ ርሑቕ ምስራቕን ካብቲ ባህልን እምነት ክርስትናን ዝተበገሰሉ ምብራቕን ካብቲ ክርስቲያናዊ መበቆል ዘይብሉ ሎሚ ወንጌል ዝበጽሓሉ ከባብን ካብታ ክርቲያናዊ መበቆላ ተጥፍእ ዘላ እትመስል ኤውሮጳን ዝተዋጽኡ ናይ ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ወከልቲ ዓውደ ኣኼባ የካይዱ ከም ዘለዉ  ናይ ኮምቦናውያን ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምልክት ተስፋ ንምርካብ

ኣባላት ናይቲ ካብ ዝቐውም መበል 150 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ኮምቦናዊ ስድራ ቤት ልዕሊ ኵሉ ኣብዚ ኣገዳሲ ምዕራፍ እዚ ንምስታፍ ሰብዓ መላእ ኮምቦናውያን ዝውክሉ ልኡካን ኣብ ዘካይድዎ መበል 19 ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ሰላምን ፍትሕን ንምምሕያሽን ንምድንፋዕን ኣብ ዚሕግዝ ኣገልግሎትን ሕንጸትን ኣብ ክርስቲያናዊ ማሕበርሰባት ኣብ ሰበኻታትን ናይ ሕንጸት ማእከላትን ኣባይቲ ትምህርትን ኤቅለሳውያን ተቕዋማትን ኣብ ህንጸትን ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ንምድንፋዕ ዘገልግሉ እያቶም። ቅድሚ እዚ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ እዚ ኮምቦናውያን ኣብ ዘገልግልሉ ቦታት ነዊሕ ኣኼባታትን ኣስተንትኖን ብምግባር ምልክታት ተስፋ ንምልላይ ከምኡ እውን ህጹጽ ለውጢ ኽግበር ዘድልዮ ድኹም ጐድንታትን ጒድለታትን ንምልላይ ንእተወሰነ ግዜ ምድላዋት ኪገብሩ ከም ዝጸንሑን፥ ብዛዕባ ኣገልገልቲ ማለት ብዛዕባ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዝወሃብ ፍሉይ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምምስራት ሕንጸት ሓደስቲ ኣባላትን ሕጹያትን ቍጠባዊ ሃብትን ከምኡ እውን ሕዳሴ ቅዋም ማሕበርን ከም ዝመኸሩን እቶም ኣብቲ መበል 19 ዓውደ ኣኼባ ዚሳተፉ ነዚ ኵሉ ተመክሮታት ሒዞም ነዚ ዅሉ ንመንፈስ ቅዱስ ሕድሪ ዝህብሉ ኣጋጣሚ  ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ፥ እዚ ዓውደ ኣኼባ እዚ ሰንበት ዕለት 5 ሰነ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ናይ ማሕበር ኮምቦናውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ተስፋይ ታደሰ ብዚሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ከም እተበገሰ ኣፍሊጡ።

ወንጌል ማእከል ምግባር

ምስ ቅዱስ ኮምቦኒ ኣብ ክርስቶስ እተሰረቱ ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ክመያየጡን ነቲ ክልተ ኣዕኑድ ተልእኾ ኮምቦኒ ዘለዓዕል መወከሲ - እቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 15 ኣብ ወሳኒ ህሞት ህይወቱ ንደቀ መዛሙርቲ ወትሩ ምስኡ ዓሚቝ ርክብ ኪገብሩ ዚዕድሞም ኢየሱስ ናዝራዊ ከምኡ እውን እቲ ኣብ መፋርቕ 1800 ዓመታት ተልእኾኡ ኣብ ዓሚቝ መሬት ኣፍሪቃ ዝፈጸመ ቅዱስ ዳንኤል ኮምቦኒ ተባዕ ነብይነቱን ዘዕሙቑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ንህጹጽ ኵነታት ዓለም ምጥማት

 እቶም ተጋባእያን ብቐዳምነት ናይቲ ዓውደ ኣኼባ መምርሒ ኣጽዶቖም ብመሰርት እቲ ዘጽደቕዎ መምርሒ ድማ ኣኼባኦም ኣበጊሶም ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ጉዕዞ እተፈላለያ ሽማግለታት ከም ዝመረጹን ነቲ ዕዮ ዘወሃህድ ኣካል ናቲ ኣኼባ ስሩዕ ኪደት ዚከታተል ናይ ሓባር ጾሎት ዘወሃህድ ሽማግለ ናይ ባህልን ምዝንጋዕን ርክብን ህሞታት ዘለዎን ጽን ቢልካ ንምስማዕ ድልዉ ምዃን ዝብልን ኣብ ዓለም ንዘሎ እተፈላለየ ሓቅታትን ልብን የዕንት ንምኽፋት ዘኽእል ፍሉይ ኣጋጣሚ በቲ ብዛዕባ ብኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ዝፍጸም ተልእኾ ዚገልጽ ጸብጻባትን ከምኡ እውን ነቲ ናይ ሓባር ምስትውዓል ስጒምታታት ነቲ ቐዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምርጫታትን ልኡካነ ወንጌል ዝወስድዎ ኣገባብን እዚ ዅሉ ነቲ ዘርእዮ ህይወት ኣብ ግምት ብምእታው ድኻምነት ንዕቤትን ንወሳኒ ለውጥታት ኣጋጣሚ ገርካ ንምጥቃምን መገዲ ዝሕብር ዓውደ ኣኼባ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ማሕበር ኮምቦኒ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ምላሽ ንምሃብ

እቲ ኣኼባ ብዙሓት ባህልታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን ልምድታትን ዘስተንፍስን ዘተኣሳስርን እዩ . . .ብትብዓት ቅዱስ ዳኒኤል ኮምቦኒን ከምኡ እውን ከምቲ ገምሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ “ኣብዚ መዋእል እዚ ዝርአይ ዘሎ ለውጥታት” ምላሽ ንምሃብ ሓድሽ መገድታት ንምርካብ ዘለዎም ባህግን ትጽቢትን ጭቡጥ ተመክሮ ልኡካነ ወንጌልን ዘጋጥሞም ማሕበራዊ ኣካባብያዊ ቅልውላው ዓመጽ ዓለም ለኻዊ ግጭታት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነት ድሕሪ እቲ ለብዒ ዝብእስ ዘሎ ድኽነት ንዝምልከቱ ብድሆታት ንምግጣም ኣብዚ ኵነት እዚ ተልእኾ ኢየሱስ ናብ ኣነባብራ ዝትርጒሞ ኣድላዪ መገድታት - ዘይንጽል ማሓድሮ ኵላዊ ሕውነት ናይ ምግባር ልምዲ ከምኡ እውን ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ናይ ሰላምን ፍትሕን ዓለም ዝዀነ መግንስቲ ኣምላኽ ንምስጓም እትገብሮ ጉዕዞ ሲኖዶሳውነት ዝምልከት፡ እዚ ኸኣ ወትሩ ኣብ ኢየሱስን ኣብ ቅዱስ ኮምቦኒን ብጽንዓት ተሰሪትካ ዝፍጸም ምዃኑ ዘነጽር ዓውደ ኣኼባ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይ ኮምቦናውያን ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

13 June 2022, 15:54