ድለ

ዓመጽ ኣብ ናይጀሪያ፡ መቕተልቲ ሓደ ካህን ዓመጽ ኣብ ናይጀሪያ፡ መቕተልቲ ሓደ ካህን 

ዓመጽ ኣብ ናይጀሪያ፡ መቕተልቲ ሓደ ካህን

ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ካዱና ናይ ዝርከብ ተቕዋም ተግባረ እድ ናይ ዝመሃሩ ካቶሊካውያን ኣበ ነፍስን ቆሞስን ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ

ጳጳሳዊ ማሕበር ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ፥ ኣብ ናይጀሪያ ናይ ግዝኣት ካዱና ናይ ዝርከብ ተቕዋም ተግባረ እድ ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓብቲ ተመሃሮ ቆሞስ ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ ከም እተቐትሉ ኣብ ዘውጽኦ መገለጺ እንክሕብር፥

ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ ዕለት 25 ሰነ ኣብቲ ካዱናን ካቺያ ዘራኽብ መገዲ ኣጽዋር ብዝተዓጥቁ ሰባት ተቐቲሎም
ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ ዕለት 25 ሰነ ኣብቲ ካዱናን ካቺያ ዘራኽብ መገዲ ኣጽዋር ብዝተዓጥቁ ሰባት ተቐቲሎም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፥ ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ካዱና ናይ ዝርከብ ተቕዋም ተግባረ እድ ናይ ዝመሃሩ ካቶሊካውያን ኣበ ነፍስን ቆሞስን ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ ዕለት 25 ሰነ ኣብቲ ካዱናን ካቺያ ዘራኽብ መገዲ ኣጽዋር ብዝተዓጥቁ ሰባት ከም እተቐትሉን እዚ መቕተልቲ ኣባ ቦሮጎ ካብ 1 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝተፈጸመ ራብዓይ ቅትለት ምዃኑ ሓቢሩ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዕለት 19 ሰነ ኣብ ግዝኣት ካዱና እትርከብ ከተማ ሮቡህ ኣብ ዘሎ ቁምስና ቅዱስ ሙሴ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት ኣርባዕተ እውን ከም እተጨውዩን ናይጀሪያ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቓዕቲ ትናወጽ ከም ዘላን ሰንበት ዕለት 5 ሰነ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀሪያ እትርከብ ግዝኣት እንዶ ከተማ ኦዎ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካቪየር ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣርባዕተ ምእመናን ከም እተቐትሉ የዘኻኽር።

27 June 2022, 16:20