ድለ

2022.06.20 Vescovi del Brasile in Visita ad Limina Apostolorum 2022.06.20 Vescovi del Brasile in Visita ad Limina Apostolorum  (Vatican Media)

ብዓቢይ ትብዓት ኣብ ተልእኮኹም ጽንዑ! ር.ሊ.ጳ ንጳጳሳት ኣማዞንያ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ቪዚታ ኣድ ሊሚና ዝገብሩ ንዘለው ጳጳሳት ኣማዞንያ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ርክቦም ብሓቂ ልቢ ዝትንክፍ ከምዝነበረን ኣብ ተልእኮኦም ንክጸንዑ ከምዝተባብዕዎምን ንረድዮ ቫቲክን ሓበሬታ ካብ ዝሃቡ ኣብቲ ቦታ ካብ ዘገልግሉ ልኡካን ኣባ ሉችዮ ኒኮለቶ ዘለውዎ ቦታ ብስደተኛታትን ረዳኢ ዘይብሎም ድኻታት መበቆላውያን ተወለድቲ ናይቲ ከባብን ኮይኖም ብመግዛእትን ክብሪ መሬት ዘይሕሉ ናይ ምዝመዛ ፖሎቲካን ዝድሃኽ ዘሎ እኳ እንተኾነ ተስፋ ከምዘይቆርጹ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ኣባ ሉችዮ ኒኮለቶ ነቲ ርክብ እንክገልጹ ‘ኣእዳው ዘርጊሑ ንደቁ ዝቅበልን ብዝተሃደሰ መንፈስ ተልእኮኦም ንክቅጽሉ ዘተባብዕን ተቅባል ኣቦ ነበረ’ ይብሉ። ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እንክትራኸብ ቀዳማይ ስምዒት እዚ ምዃኑን ኩሎም ጳጳሳት ኣማዞንያ ዝመስከርዎ እውን እዚ ነበረ።

ኣባ ሉችዮ ኒኮለቶ ካብ ካህናት ፓዶቫ ሃገረ ጣልያን ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብት ቦታ እቲ ዝርከቡ ኰይኖም ናይ ሰበኻ ሮራይማ እትብሃል ምስ ቨንዝወላ ኣብ ዝዳወብ ክፍሊ ብራዚል ሓዋያርያዊ ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልግሉ ምስ ጳጳሳት ኣማዞንያ ኣብቲ ርክብ ተሳቲፎም ነበሩ። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ናይቲ ከባቢ ንረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ብሕጽር ዝበለ ቃላት ‘ዕብለላዊ መግዛእቲ ማለት ኮሎንያኒዝምን ተጻይ ኣደና ዝኾነት መሬት ዝግበር ዓመጽን ቅጥዒ የብሉን’ ኢሎም።

ኣባ ኒኮለቶ ኣብቲ ርክብ ዝተዓዘብዎ ኣብ ገጽ ነፍስወከፍ ኣቡን ዝረኤ ዝነበረ ታሕጓስ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ር.ሊ.ጳ ኮይኖም ዝረኸብዎም እቶም ቀደም ናይ ብወነስ ኣየርስ ሊቀ ጳጳስ እንከለው ኣብ ጉባኤ ኣፓረሲዳ ንክሊማዊ ለውጢ ንምብዳህ ምስክርነት ናይቶም ጳጳሳት ብምእካብ ንገዓር መሬትን ሕዝብን ኣማዞንያ ኣብ ምቅራብ ዝሓገዙሉ ሁመት ዳግም ኣበራቢሩ፣ እቲ ሽዑ ዝዝረበሉ ዝነበረ ሎሚ እውን ገና መዛረቢ ኮይኑ ነዚ ሳንቡእ ዓለምና እናበልካ ዝዝረበሉ ከባቢ ኣማዞንያ ይዓኑ ከምዘሎ ተመልኪቶም። ከም ሓቁ ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ ንነብሮ ዘሎ ከባቢ ኣማዞንያ እንተወሓደ እቲ መበቆላውያን ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዘለዎም ኣፍልጦን ስክፍታን እኳ ኣየጥረናን። ኣማዞንያ ዘጓንፎ ዘሎ ግድላትን መቊሰልትንከስ እቲ ካብ ጥንቲ ዘሳቂ ዘሎ ዕብለላዊ መግዛእቲ ኮሎንያኒዝም ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ዕብለላዊ መግዛእቲ እዚ ገና ኣየብቅዔን ይቅጽል ኣሎ ኢሎም።

ካብ ሰነድ ኣፓረሲዳ ከማኡ እውን ሲኖዶስ ኣማዞንያ ጀሚርካ ቤተክርስትያን ነዛ ሓባራዊት ገዛና ቢላ ዝገለጸታ መሬት ንምክልኻል እትገብሮ ጻዕሪ ኣብቲ ከባቢኦም ገለ ጽልዋ እንተለዎ ምስ ተሓተቱ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ‘ርግጽ ኩሎም ጳጳሳት ኣማዞንያ ቅዱስነቶም ብዘርኣይዎ ቅርበትን ተኣማንነቶምን ብጣዕሚ ሕጉሳት እዮም የመስግኑ ኸኣ፣ እንተኾነ ከምቲ ቅዱስነቶም ዝገለጽዎ ኣማዞንያ ገና ኣብ ትሕቲ ተጻይ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ተጻይ ወንጌል እውን ዝኾነ ስነሞጎት ፖሎቲካን ቊጠባን እያ ተጐቢኣ ዘላ። እንተኾነ ሓደ ኣዎንታዊ ጉዳይ ከኣ ድሕሪ እታ ር.ሊ.ጳ ዝጸሓፍዋ ከሪዳ ኣማዞንያ እትብል ድህረ ሲኖዶሳዊት ቃለ ምዕዳን ነተን እቲ ሲኖዶስ ዝተንከፈን ነጥብታት ማሕበራውን ምምሕዳራውን ሕቶታት ብሲኖዶሳዊ ኣገባብ ንምፍተሐን ናይ ኩሉ ሱታፌ ኣብ ምድንፋዕስ ይኹን ነቲ ንሓባራዊ ገዛና ንምክንኻን ዝተኣትወ መብጽዓ ንቅድሚት ንምስጓም ይጸዓር ምህላው እዩ። ቤተክርስትያን ኣማዞንያ ነቂሓ እያ ትብዓት ሰኒቃ ኸኣ ንቅድሚት ትግስግስ ኣላ። ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት ብሳንታረም ዝፍለጥ ሰነድ ዝኣቶናዮ ኪዳን ሓለዋ ከባብን ባህልን ከም መጋበሪ ሓራ ዘውጽእ ስብከተወንጌል ንኽተሎ ኣሎና። ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝገበርናዮ ርክብ እውን ኩሎም ጳጳሳት ኣማዞንያ ነዚ ኪዳን እዚ ኣሓዲሶም ቅዱስነቶም ከኣ ንሕይወት ብኩሉ ኩሉ ክከናኸኑ ተልእኮኦም ብተኣማንነት ክፍጽሙ ከምብሓዲስ ኣጽኒዖሞም’ ኢሎም።

ካልእ ኣብ ማዞንያ ዝረኤ ጸገም ጉዳይ ስደተኛታት ብምዃኑ እዚ እውን ኣብቲ ርክብ ቅዱስነቶም ኣጽኒዖም ሓደራ ዝበልዎ ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ ኒኮለቶ ኣብ ኣማዞንያ እትርከብ ቤተክርስትያን ዳርጋ ከም መንፈሳዊ ማሕጸን ቤተክርስትያን ኮይኑ ነቲ ብድኽነት ዝደሃኽ ነበርትስ ይኹን ንስደተኛታት ብእተበርክቶ ኣገልግሎት ናይ ምሕረት ሥራሕ ሓደስቲ ጐዳናታት ትኸፍት ምስ በሉ፣ ብኡ ንብኡ ነባ ኒኮለቶ ብዛዕባ ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ስደተኛታት ቨነዝወላ ከምዝሓተትዎም ገሊጾም። እዚ ከኣ ኣተና ቅዱስነቶም ኣብ ስቃይ እቲ ሕዝቢ ኰይኑ ነዚ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ኣገልግሎትና ክነበርክተሉ ሓደራ ኢሎምና እንክብሉ ናይቲ ርክብ ፍረ ምስ ገለጹ፣ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ነቲ ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣገልግሎት ናብ ነባሪ ፍታሕ ንምቅያሩ ከም ዕድል ተጠቂምና ብትብዓት ኣብ ተልእኮና ክንጽመድን ንቅድሚት ክንግስግስን ኣብ ልባትና ሠሠናዩ ብምዝራእ ተኣማንነት ከምእንሕድር ገሮምና ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 June 2022, 12:21