ድለ

2022.07.01 ናይጀሪያ፥ ስግኣት ደሕንነትን ውሕስነትን ካህናት 2022.07.01 ናይጀሪያ፥ ስግኣት ደሕንነትን ውሕስነትን ካህናት 

ናይጀሪያ፥ ስግኣት ደሕንነትን ውሕስነትን ካህናት

ኣብቲ ናይቶም ዕለት 25 ሰነ ዝተቐትሉ ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ዝፍጸም ዓመጽን መቕተልትን ደው ክብል ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሰበኻ ካዱና ከም ዘካየዱ

ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 25 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ናይ ግዝኣት ካዱና ናይ ዝርከብ ተቕዋም ተግባረ እድ ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓብቲ ተመሃሮ ቆሞስ ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ ከም እተቐትሉን ናይ ቀብሮም ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ናይጀሪያ ዝርከቡ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ብምቅዋም ኣብ ሰበኻታቶም ድምጾም የስምዑ ዘለዎም ስግኣት ደህንነትን ውሕስነትን ገሊጾም መንግስቲ ህጹጽ ስጒምቲ ክወስድ ጻውዒት የቕርቡ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀሪያ 700 ካህናት ሓሙስ ዕለት 30 ሰነ ኣብቲ ናይቶም ዕለት 25 ሰነ ዝተቐትሉ ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ዝፍጸም ዓመጽን መቕተልትን ደው ክብል ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሰበኻ ካዱና ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሓው እዞም ዝተቐትሉ ካህን እውን ከም እተጨውዩ ክንገር እንከሎ፡ ድሕሪ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ኣባ ቦሮጎ መረረኦም ንምግላጽን ሰበ ስልጣን ስጒምቲ ኪወስዱን ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ዘለዎም ስግኣት ውሕስነትን ደሕንነት ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ናይጀሪያ፥ ስግኣት ደሕንነትን ውሕስነትን ካህናት
ናይጀሪያ፥ ስግኣት ደሕንነትን ውሕስነትን ካህናት

ዕለት 19 ሰነ ኣብ ግዝኣት ካዱና እትርከብ ከተማ ሮቡህ ኣብ ዘሎ ቁምስና ቅዱስ ሙሴ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት ኣርባዕተ እውን ከም እተጨውዩን ናይጀሪያ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቓዕቲ ትናወጽ ከም ዘላን ሰንበት ዕለት 5 ሰነ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይጀሪያ እትርከብ ግዝኣት እንዶ ከተማ ኦዎ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካቪየር ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣርባዕተ ምእመናን ከም እተቐትሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

Photogallery

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣባ ቪቱስ ቦሮጎ
02 July 2022, 15:40