ድለ

ክርስቲያንን ኣስላምን፥ ስደት ንሕልና ኩሉ ሰብ ብድሆ እዩ! ክርስቲያንን ኣስላምን፥ ስደት ንሕልና ኩሉ ሰብ ብድሆ እዩ! 

ክርስቲያንን ኣስላምን፥ ስደት ንሕልና ኩሉ ሰብ ብድሆ እዩ!

እቲ ናይ ስደት ተርእዮ ከምኡ እውን “ንፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊን ከባብያውን ረቛሒታት ናይተን ዝምልከተን ሃገራት ኣብ ግምት ዘእትው ፍታሕ ክግበረሉን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንሕልና ኩሉ ሰብ ኣብ ሕቶ ዘእትው ሰብኣዊ ሓቂ እዩ”

ድሕሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካላብርያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሞት ስደተይናታት፡ ክርስቲያንን ኣስላምን ነቶም ካብ ሃገሮም ክወጹ ዝውስኑ ንምድጋፍ ሓባራዊ ስጒምቲ ክውሰድ ጻውዒት የቕርቡ፡ ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ እዚ “ኵሉ ሰብ ሓላፍነት ክወስድ ዝጠልብ ሰብኣዊ ክውንነት” ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ክርስቲያንን ኣስላምን፥ እቲ ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዘጋጠመን ዘጋጥምን ዘሎ ዘሕዝን ሞት ብፍላይ እቲ ዕለት 26 ለካቲት ዘጋጠመ ህልቂት ኵሉ ሰብ ሓላፍነት ክወስድ ዝጽውዕ ክውንነት ከም ዝኾነ ክርስቲያንን ኣስላምን ብሓባር “ንክውንነት ስደተይናታት ብሓባር ንግጠም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ጻውዒት ሰነድ የመላኽቱ።

እቲ ናይ ስደት ተርእዮ ከምኡ እውን “ንፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊን ከባብያውን ረቛሒታት ናይተን ዝምልከተን ሃገራት ኣብ ግምት ዘእትው ፍታሕ ክግበረሉን ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንሕልና ኩሉ ሰብ ኣብ ሕቶ ዘእትው ሰብኣዊ ሓቂ እዩ” ዝብል ሰነድ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተይናታት ኣመንቲ ናይዘን ክልተ ሃይማኖታት ከም ዝኾኑን እተን ዝሰግርወን ሃገራት “ዓቢይ ክርስቲያናዊ ወይ ኣስላማዊ ባህሊ ዘለወን ከም ዝኾናን እተን ዝብገሱለን ሃገራት እውን መብዛሕቲአን ኣስላም ዝበዙሑለን ሃግራት እያተን። እዚ ናይ ሓባር ሰነድ እዚ ዝወጸ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሞት 66 ስደተይናታት ከም ዝኾነን ከምዚ ዓይነት ዘሕዝን ሞትን ጥፍኣትን ዘጋጥም ዘሎ ከም ልሙድ ናይ ምቕባል ተግባር ክውገድ ዝሕግዝ ምዃኑ የመላኽት።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንስደተይናታት ይጥምት

እቲ ኣብዚ ሰሙን ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ሓባር ሰነድ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ክርስቲያንን ኣስላምን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ “ኣብ ከም ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ፡ ማዕረ ዜግነት ከምኡ እውን ምክልኻል ሃይማኖታዊ ዓመጽ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዘተኮረ ምዃኑ ርዱእ እዩ፡” ስደት ምስ ኩሉ ጾርን መከራኡን እውን ተመሳሳሊ ቆላሕታ ይግብኦ። ድሮ ብውልቀ ሰባትን ትካላትን ዝተወስዱ ብዙሓት ተበግሶታት ከም ዘለዎ ኮይኑ “ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ዕርክነት ኣብ ምዕማቕ ኣበርክቶ ዝገብር ሓባራዊ ስጒምቲ” ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ሰነድ “ስደተይናታት ንዘጋጥሞም ብድሆታት ግብርኣዊ ፍታሕ ሓሳብ ምቕራብ ናይ ሃይማኖታውያን ሰበ - ስልጣንን ምእመናን እምነት ክርስቲያንን ምስልምናን ህጹጽ ዕማም ኣይኮነን” ዝብል እውን ይኹን “ኣብ ግብረ ሰናይን ባህላውን ደረጃ ብምእታው ነቲ ኣብ ትውፊታቶም እተሰረተ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ኣብ ዝካየዱ ክትዓትን ዘተን ኣበርክቶ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።”

እቲ ጥቕሲ ካብቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር “ሰብኣዊ ሕውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ካብ ዝገበርዎ ሰነድን ከምኡ እውን ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተወስደ “ኣመንቲ ሰብኣዊ ሕውነት ክገልጹ እተጸውዑ እያቶም” ዝብል ኣሞርኩይዙ እዚ እውን ምኽንያት ስደት ካብ ስሩ ንምምሓው ዝሕግዝ ተመክሮ ምዃኑን ሰባት ኣብ ሃገሮም ብሰላም ኪነብሩ መሰል ከም ዘለዎም ዘዘኻኽርን ከምእ ኡ እውን ሰባት ብውግእን ኣሳዶን ብባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ዘጋጥም ብርቱዕ ጸገም ወይ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶምን ናይ ኣባይቲ ስድራኦምን መነባብሮ ንንምሕያሽን ንዝሓሸ መጻእን ኣሚቶም ዝገብርዎ ጉዕዞ ዝነበረን ዘሎን ምዃኑን ነዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ቀረባ ምዃን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ዘቕርቦ መብርሂ መሰረት ገይሩ ጻውዒት ንድሕነት ኵሉ ዝዕድም ሰነድ እዩ።

ኣንጻር ኢፍትሓውነትን ጸቕጥን ብሓባር

እቲ ጻውዒት እምበኣር ስደት ንምምሕዳር “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ፥ ዝለዓለን ዝተሓተን ብሓንሳብ ምንቅስቓስ ኣድላዪ እዩ። ነቶም ስደት ዘመንጭዉ ጠንቅታት ንምእላይ በዚ ድማ ስፍሓቱ ንምድራት ከምኡ እውን በተመሳሳሊ መገዲ ንምእላይ ምስራሕ የድሊ፡” ዝብል ሓሳብ የቕርብ፡ ካብ ሃገሮም ንኽወጹ ክወጹ ንዝወሰኑ ሰባት ውሑስ ናይ መሰጋገሪ መስመር ብምፍጣር ኣቀባብላ ክግበረሎምን ምስ ዘአንግዶም ሃገር ተላልዮምን ገዛእ ርእሶም ንኸላልዩ ዕድል ረኺቦ ተወሃሂዶምን ንኽነብሩ ዕድል ምፍጣር” ኣገዳሲ ምዃኑ እውን የመላኽት።

ክርስቲያን ይዅን ኣስላም እምበኣር “ኣንጻር እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንስደት ዝድርኽ ዓመጽን በደላትን ጭቆናን ካብ ሱር ኣብ ምምሓው ክዋፈሩ፡ ነቲ እንግዶትን ተቕባልን ዝዓግታ ሃገራትን ቀጥዒ ኣልቦ ርእሰ ፍትወት ዘንቅሎ ናይ ምዕጻው ተግባር ብምቅዋም፡ ነቲ ዘይስነ ምግባራዊ ንግድ ደቂ ሰባት ብምኹናን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶ ኪግበሩ” ከም ዘለዎምን ከምኡ እውን ስደተይናታት ከም መሀብተሚ ዝጥቀሙ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ክቃወሙ እቲ ሰነድ ጻውዒት የቕርብ።

እቲ ሰነድ “ኣበርክቶ ካልእ ሃይማኖታዊ ትውፊትን ካልእ እምነት ዘለዎም” ብዘይ ምኽሓድን ዕሽሽ ብዘይ ምባልን “እስላማዊ-ክርስቲያናዊ” ብሓባር ዝካፈልዎ መንፈሳውን ግብረ ገባውን ውርሻ ከቕርቡ ሓደራ ብምባል፥ እዚ እውን ነገልግሎት ሰናይ ሕይወት ናይ ኩሉ ዝዓለመ ምዃኑ ብዘብርህ ሓሳብ ከም ዝዛዘም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ክርስቲያንን ኣስላምን፥ ስደት ንሕልና ኩሉ ሰብ ብድሆ እዩ!
04 March 2023, 15:48