ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ ሞስዑል፥ ሕውነት ካብ ምቅትታል ኣሕዋት እዚዩ ዝበርትዔ እዩ

ብዙሕ እዋን ሰላምን ስኒትን ዝብል ክብሪ ረሲዕናን ሸለልተይና ምዃን መሪጽናን . . . ናይ ፍቕርን ሰላምን ዕርቅን ዝብል መደብ ከምዘወከፍካና ክንርዳእ ኣብቅዓና፥ ነዚ መደብ እዚ ኣብ እንነብረሉ ግዜን ኣብታ ሓጻር ዝኾነት ምድራዊት ሕይወትና ንኽንክውኖ ሓላፍነት ሃብካና”

እቲ ስነ ስርዓት ጸሎት ምእንቲ ሙታን ናይ ሞሱል ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ናጂብ ሚካኤል ንቕዱስነቶም ብዘስምዕዎ ቃል ሰላምታን ናይ ሓደ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስን ሓደ ሱናዊ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ቃል ምስክርነት ምስ ቀረበ ቅዱስነቶም ቅድሚ ኣቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ምእንቲ ሙታን ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥

ነቶም ዝዓረፉን ነቶም ምኽንያት ሞት ዝኾነኑ እትምልከት ጸሎት፥ “እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ ዘስዓቡ ክጣዓሱን ክልወጡን መታን ንጸልይ”

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ጸሎት ሰለስተ ሓሳብ ከካፍለኩም እደሊ፥ እግዚኣብሔር ናይ ሕይወት እግዚኣብሔር እተድኣ ኮይኑ - ብርግጽ ናይ ሕይወት ጐይታ እውን እዩ፡ ስለዚህ ብስሙ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ክንቐትል ዓቢይ ጌጋ እዩ። እግዚኣብሔር ናይ ሰላም እግዚኣብሔር እንተድኣ ኮይኑ፥ ከምኡ እውን እዩ፡ ስለዚህ ብስሙ ውግእ ክንካይድ ጌጋ እዩ። እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ እግዚኣብሔረ እንተድኣ ኮይኑ - ናይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እውን እዩ፥ ስለዚህ ብስሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጸልእ ጌጋ እዩ፥ ቢሎም ኵሎም ርሑቕን ቀረባን ዘለዉ ኣብቲ ምእንቲ ብውግእ ዝተቐትሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዝዓረግም ምእንቲ ናይ ሙታን ጸሎት ክሳተፉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ኵላትና ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ሃይማኖትን ዝመጻና እውን እንተኾንና ኣብ ቅድሚ የዕንቲ እግዚኣብሔር ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ብምስትውዓል ብስኒትን ሰላምን ንነብር”፡ ምስ በሉ፥

ክንየው እቲ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይን ሞትን ክነየው ኩሉ ዓመጽን ኢፍትሕውነትን ዘይቅኑዕ መኽሰባትን ንደቁ ብኣባታዊ ፍቕሩ የሰንይ፡

ብዙሕ እዋን ሰላምን ስኒትን ዝብል ክብሪ ረሲዕናን ሸለልተይና ምዃን መሪጽናን . . . ናይ ፍቕርን ሰላምን ዕርቅን ዝብል መደብ ከምዘወከፍካና ክንርዳእ ኣብቅዓና፥ ነዚ መደብ እዚ ኣብ እንነብረሉ ግዜን ኣብታ ሓጻር ዝኾነት ምድራዊት ሕይወትና ንኽንክውኖ ሓላፍነት ሃብካና”፡

ነቶም ዝዓረፉን ነቶም ምኽንያት ሞት ዝኾነኑ እትምልከት ጸሎት፥ “እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ ዘስዓቡ ክጣዓሱን ክልወጡን መታን ንጸልይ”

ዝብል ጸሎት ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ነቶም ዝዓረፉን ነቶም ምኽንያት ሞት ዝኾነኑ እትምልከት ጸሎት፥ “እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ ዘስዓቡ ክጣዓሱን ክልወጡን መታን ንጸልይ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲኣካን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝተኻየደሉ ስፍራ ሆሽ ዓል-ቢየያ ፥ ኣደባባይ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ዝጽዋ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኣርባዕተ ኣቢያተ ክርስቲያን ፍርስራስ ዝርከበሉ ከምዝኾነን፡ እተን ኣቢያተ ክርስቲያን በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ኣሸባሪ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ዳዒሽ ብዝፈጸሞ ግብረ ሸበራዊ መጥቓዕቲ ዝዓነዋ ከምዝኾናን፡ ኣብ ሞስዑል ካብ 30 ንላዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ከምዘለዋን ኩለን እውን በቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ከምዝዓነዋን ዳግም ሓንቲ’ኳ ከምዘይተሓንጸት እዩ ዝንገር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞስዑል

ሞስዑል

ካብ ሰነ 2014 ዓ.ም. ክሳብ ሓምለ 2017 ዓ.ም. በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ዳዒሽ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ተወሪራን 120 ሺሕ ማሕበረ ክርስቲያን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ፍረቓን ዝግመት ተቐማጦ መስዑል ከምእተሰዱን ሞስዑል ኣብ 2004 ዓ.ም. 1.846.500 ዝግመት ተቐማጢ ሕዝቢ ከምዝነበራን እታ ከተማ በቶም ኣሸበርቲ ኮነ ተባሂሉ ዓኒያን እቲ ናይ ነቢይ ዮናስ ናይ መቓብር ስፍራ ተባሂሉ ዝግለጽ - እውን ኣድ ዲን ናቢ ዩኒስ ታሪኻውን ናይ መላእ ዓለም ባህላዊ ቅርሲ የዕንዮምዎምን ክፋል መንደቕ ነነዌን ልዕሊ 100 ሺሕ ዝግመቱ ታሪኻውያን ጥንታውያን መጻሕፍትን ብራናን ኣብ ቤተ መዝገብ ሞሱል ዝተዓቀቡን ናይ ስነ ቅርሲ ታሪኻዊ ስፍራን ዝተፈላለዩ ኣብ ናይ ነነዌ ቤተ መዘክርን ዝርከቡ ጥንታውያን ሰነዳትን ከምዘባደመን እዚ እውን ጸረ ዒራቕን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕን ጥራሕ ዘይኮነ ጸረ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ።

ሓምለ 2017 ዓ.ም. እቶም ኣሸበርቲ ዕጡቓት ሓይሊ ብናይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ተኸቢቦም ኣብታ ከተማ ጥራሕ ምስ ተረፉ መስጊድ ሙር ኣድ - ዲን ከይተረፈ ኣዕንዮምን ድሕሪ ቑርብ መዓልቲ እቲ ቦታን እቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ታሪኻዊ ቦታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊ ምክልኻል መንግስቲ ከምዝኣተወን ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ብትኽክል ሓምለ 2017 ዓ.ም. ሞስዑል እውን ናጻ ከምዝወጸተ ዜን ቫቲካን የዘኻኽር።

ልዑል እግዚኣብሔር ጐይታ ኩሉ፥ ብፍቕርኻ ዓለም ዝፈጠርካ፡ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትካ በረኸትካ ኣብዚሕካ ካብ ምሃብ ዘይትቦክር፡ ክንየው ናይ ስቓይ ባሕርን ሞትን ክንየው ዝኾነ ይኹን ፈተና ዓመጽን ኢፍታሓውነትን ዘይቅኑዕ መኽሰባትን ንደቕኻ በቲ ለዋሕ ፍቕርኻ ተሰንይ።

ናይ ፍቕርን ሰላምን ዕርቅን መደብካ ንኸነስተውዕል መሃረና
ናይ ፍቕርን ሰላምን ዕርቅን መደብካ ንኸነስተውዕል መሃረና

ኮይኑ ኸኣ ንሕና ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ እተወሃበና ውህበት ነጺግና ብዓለማዊ ጉዳያት ተዋሒጥናን ነቲ ብዛዕባ ሰላምን ስኒትን ዝሃብክዮ ምኽሪ ረሲዕና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ ጸብቢ ረብሓታትና ጥራይ ንሓስብ ነርና፡ ንዓኻን ንኻልኦትን ስለ ዘይንግደስ ማዕጾና ንሰላም ዓጸና። ነቢይ ዮናስ ብዛዕባ ነነዌ ክበሃል ዝሰመዖ ዝነበረ ኵሉ ተደግመ፡ ናይ ሰባት ግብረ እከይ ናብ ሰማይ በጽሔ (ነቢይ ዮናስ ምዕ1,2 . . .  እከዮም ናብ ቅድመይ ደዮቡ እዩ እሞ፣ ኣንጻሮም ኣውጅ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ)፡ ንጽሓን ኣእዳው ናብ ሰማይ ሓፍ ኣየብልናን (1ጡሞ. 2,8)፥ እባ ደኣ ካብ ምድሪ ደም ንጹሓን ናብ ሰማይ ይጠርዕ ኣሎ (ዘፍ. 4,10)፡ ኣብ መጽሓፍ ዮናስ ተቐማጦ ነነዌ ንናይ ነቢኻ ቃል ሰሚዖምን ካብ ንስሓ ድሕነት ረኸቡ፡ ኦ ጐይታ ሕጂ እቶም ናይቲ ጽልዕን ዓመጽን ግዳያት ዝኾኑ ሕድሪ ንብለካ፡ ንሕና እውን ምሕረትካ ንምሕጸን፡ ናይ ምጥዓስ ጸጋ ንልምን፥ ኪርየ ኤለይሶን-መሓረና (ተሳህለነ)!

 እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብዛ ከተማ እዚኣ ናይቲ ነባሪ ዝኾነ ክልተ ናይ ፍጥረት ባህጊ፥ እታ መስጊድ ኣል-ኑሪን እታ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘሰዓትን ንልዕሊ ሓደ ዘመን ንዅሎም ብጥቓኣ ንዝሓልፉ ሕይወት ሓጻር ምዃናን ግዜ ክቡር ምዃኑ ዘዘኻኸረት እያ፡ ንዓና ኣብታ ሓጻር ምድራዊት ሕይወትና ንኽንክውኖ ብሕድሪ ዝሃብካና ናይ ፍቕርን ሰላምን ዕርቅን መደብካ ንኸነስተውዕል መሃረና፥ በዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ ብዝቐልጠፈ እዛ ከተማን እዛ ሃገርን ዳግም ክሕነጻን እቲ ብስቓይ ዝተሃስየ ልቢ ክፍወስ ዝኽእል፡ ግዜና ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ እነተኩረሉ ከይኸውን ደግፈና ብውልቅን ብጉጅለን ነቲ ናይ ሓልዮት መደባትካ ንኸነገልግል መሃረና፡ ኣብ እንጠፍኣሉ እዋን ብዕንወትን ሞትን ክይንሰዓር ናይቶም ሓቀናይ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ናይ ዝኾኑ ድምጺ ጽን ክንብልን ብግዚኡ ክንሳሕን ኣብቅዓና።

ናይቶም እታ ምድራዊ ሕይወቶም ብናይ ኣሕዋቶምን ኣሓታቶም ናይ ዓመጽ ኢድ ዝተሰናኸለቶም ንኣኻ ሕድሪ ንብል፡ ስለ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መጉዳእቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ናይ ሞት ምኽንያት ንዝኾኑ እውን ንጽሊ! ብምሕረትካ ተንኪፎም ክጠዓሱ መታን ስሌኦም ንጽሊ!

ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ሃቦም ኦ ጐይታ ኣብ ልዕሌኦም እታ ዘለዓለማዊት ብርሃንካ ክትኹላዕ ግብረ፥ ብሰላም የዕርፉ፡ ኣሜን!

08 March 2021, 15:17