ድለ

ፍራንቸስኮ ካብ ዒራቕ ሮማ ኣትዮም፥ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ ፍራንቸስኮ ካብ ዒራቕ ሮማ ኣትዮም፥ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ 

ፍራንቸስኮ ካብ ዒራቕ ሮማ ኣትዮም፥ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ

ቅድስነቶም ነዚ ሓዋርያዊ መገሻኦም`ዚ ብዓቢይ ሰብኣውነትን መንፈሳውነትን ከምዘዘወድዎ እቲ ኣብ ባቕዳድን ዔርብልን ቃራቖስን ሞሱልን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘካየድዎ ርክብ ዝተነብረ ኩነት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምቃሎምን ምምላሶምን ዝፍጽምዎ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዓባይ ንግደ ፈጺሞምን ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ  ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከምዘቕርቡን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ካብ ባቕዳድ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ቅድሚ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምምላሶም ኣብ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ባዚሊካ መንፈስዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ባቕዳድ ናብ ሮማ ኣብ እተብጽሖም ነፋርቲ ኣብቲ መበል 33 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ምስ ዘሰንይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን ቅድስነቶም ነዚ ሓዋርያዊ መገሻኦም`ዚ ብዓቢይ ሰብኣውነትን መንፈሳውነትን ከምዘዘወድዎ እቲ ኣብ ባቕዳድን ዔርብልን ቃራቖስን ሞሱዑልን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ምስ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘካየድዎ ርክብ ዝተነብረ ኩነት ዘረጋግጾ እዩ።

ቅዱስነቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብቐጥታ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያን ዓባይ ብምኻድ ካብ ዒራቅ ሒዞምዎ ዝመጹ ቑኑን ዕንባብ ኣብ ትርጋጽ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ኣንብሮም ናይ ግሊ ጸሎት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥   

ቅዱስነቶም እቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዒራቓዊ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዓቢይ ቆላሕታ ክረክብን ናይታ ሃገር ታሪኻዊ ኵነት ኣካል ከምዝኾነ ዘመስከረን እቲ ኣብታ ኣሸበርቲ ብዝፈጠርዎ ጅሃዳዊ ጭካኔ ክሕረጉ ተገይሮም ከምዝጸንሑን  እነሆ እዚ ኩነት ክቕንጠጥን ከይህሉ ዘተባበዔን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ መሰረት ሰላም ምዃኑ ዘተሓሳሰበን ምስ ናይ ሺዕውያን ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ ኣያቶላሕ ኣል ሲስታኒን ምስ ናይታ ሃገራት ዓበይቲ ኣካላትን ኣብ ከለዳዊ  ዑር ኣብታ ኣብራሃም ናብ ተስፋ መሬት ዝተበገሰላ ዘካየድዎ ርክብን እዚ እውን ሰላም ኣብ ዒራቅን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ኣብ ዒራቅ ናይ ከለዳውያን ኣብ ባቢሎን  ንኣይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ራፋኤል ቀዳማዊ  ሳኮ ዕለት 8 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም “እቲ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ንክርስትያንን ማሕበረሰብ ምስልምናን ዓቢይ ኵነት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ የመላኽት።

08 March 2021, 17:57