ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ ቃራቆሽ፥ ይቕረ ናይ ምባል ብቕዓትን ንቕድሚት ናይ ምባልን ትብዓትን ይሃልዅም

ይቕረ ምባልን ምምሓርን! እዚ እዩ እቲ ኣገዳሲ ቃል፡ ይቕረ ምባል ኣብ ፍቕሪ ንክትጸንዕን ክርስቲያን ኣብ ምዃን ኣገዳሲ እዩ፡ ናይ ምሉእ ሕውነት መገዲ ነዊሕ ክኸውን ዝክእል እዩ፡ ሓደራ ተስፋ ኣይትቑረጹ እብል፡ ይቕረ ናይ ምባል ብቕዓት ኣገዳሲ እዩ

ናይታ ሰማዕት ናይ ዝኾነት ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌ ማሕበረ ክርስቲያን ንቕዱስነቶም ሓንጓፋይ ቢሎም እንክቕበልዎም፡ ቅዱስነቶም እውን ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ተባዓት ክኾኑን ፈጺሞም ኢዶም ከይህቡን ተስፋ ከይቖርጹን ሓደራ እንክብሉ ከምዘተባብዖውምን ኣብታ ካቴድራል ንጽሕቲ ድንግልማርያም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እውን ደጊሞም ናይ መጸናንዒ ቃል እንከስምዑ፥ ኣብ ቅድሚ ዕንወት ናይ እምነት ዓይኒ ዓወት ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት የርአየና ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫታካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን፥

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም - ቃራቆሽ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ግብረ ሽበራን ሞትን ናይ መደምደምታ ቃል ኮቶ ኣይኮኑን ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቃራቆሽ ኣብታ ኣብ ዒራቕ ቅድሚ እቲ ገዛእ ራሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ዕለት 7 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኢድ ምውዳቓ እቲ ዝበዘሔ ማሕበረ ክርስቲያን ዝነብረላ ከተማ እያ ዝነበረት፡ እቶም ኣሸበርቲ ኣባይትን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣዕንዮምን ካብታ ከተማ 120 ሺሕ ክርስቲያን ንስደት ዳሪጎምን መብዛሕቲኦም ከኣ ኣብ ዒራቓዊ ኩርድስታን ተዓቑይቦም ከምዝርከቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ዳግም ዝተሓንጸት እውን እንተኾነ ናይቲ በቲ እስላማዊ መንግስቲ ዝተፈጸመ ዓመጽን ዝወረደ ውድመትን ዝምስክር ምልክታ ዘለዋ እያ፡ ቅዱስነቶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ሰዓሪ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከምዘዘኻሩ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም - ቃራቆሽ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም - ቃራቆሽ

እዚ ጉባኤና’ዚ ግብረ ሽበራን ሞትን ናይ መወዳእታ ቃል ከምዘይኮነ ዘርኢ እዩ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ቃል ናይ እግዚኣብሔርን ናይቲ ንሓጢኣትን ሞትን ዝሰዓረ ወዱን እዩ፡ ኣብ ማእከል ግብረ ሽበራን ውግእን ኣብ ዘስዓቦ ዕንወት እውን ንሃልው ብዓይኒ እምነት ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ተዓዋቲ ክንርእይ ንእኽል፡

እንሓንጸሉ ግዜ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ንኽርስቲይን ቀረባ እያ

. . . ብዙሕ ዓንዩ እዩ፡ ክሕነጽ ከኣ ኣለዎ፡ ሕዝቢ ነቶም ኣብዚ ቦታ ዝሓለፉ ቀዳሞት እግዚኣብሔር ዘምለኹን ዝወደሱን ብጽኑዕ ተስፋ ኣብ ምድራዊ ጉዕዞ ዝጸንዑን ዓቢይ መንፈሳዊ ውርሻ ሓዲጎምልና ናይ ዝሓለፉ ኣብነት ንኽስዕብ እንክላበዉ . . .

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም - ቃራቆሽ

ነዚ ውርሻ’ዚ ሕቖፍዎ! እዚ ውርሻ’ዚ ሓይልኽውም እዩ! ሕጂ ነቲ ጽሕፍቶ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረትን ናይ ሕዝብን ንዝመርሕ ንናይ እግዚኣብሔር ጸጋ እምነት ብምንባር ናይ ዳግማይ ሕንጸትን ዳግማይ ጅማሮን ህሞት እዩ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብጸሎትን ብጭቡጥ ግብረ ሰናይን ቀረባኹም እያ፡ ኣብ እዋን ጸገምኩም ብዙሕ መዓጹ ተኸፊቱልኩም እዩ።

ምሕላም ኣይተቋርጹ እምነትን ተስፋን ኣይተጥፍኡ

እዚ ግዜ እዚ ሕንጻታት ዳግም እንሓጸሉን እቲ ሓደ ዝገብረና ምትእስሳርን ዝፍወሰሉን እዩ፥ ምኽንያቱ ብውርሻ መሬትን ባህልን ያታን ብፍላይ ከኣ እምነትን ነቲ መጻኢ ዝዕቅብ ኣብ መንጐ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዘሎ ሓድነት ምዕቃብ ከምዘድሊ ቅዱስነቶም እንክምዕዱ፥

መን ምዃንኩም ካበይ ከምዝመጻእኩም ንኸይትርስዑ አተባብዓኩም፥ ጥሙራት ዝገብረኩም እቲ ኣብ መንጐዅም ዘሎ ምትእስሳርን ኣናስሩኩምን ዓቅቡ! እምነት ዝደኽመሉ እዋን ብርግጽ ክህሉ ይኽእል እግዚኣብሔር ዘይርእን ዘይዋሳእን ዝመስለሉ ህሞት፥ እዚ ነኣኻትኵሙ ኣብቲ ናይ ውግእ ጸላም እዋን ሓቂ እዩ . . . ኣብዚ ከምዚ ዓይነት እዋንን ኣብዚ እዋን’ዚን ኢየሱስ ኣብ ጐድንኹም ምዃኑ ዘክሩ፡ ምሕላም ኣይተቋርጹ! ምሩኻት ኣይትዅኑ ተስፋ ኣይተጥፍኡ፡

ንሽበራን ሃይማኖት ከም መጋርያ ክፋእ ምጥቃም ኣይፋል በሉ

ዒራቕ ናይ ብዙሓት ኣሰብኡትን ኣንስትን ቅዱሳት መሬት እያ፥ ናብ ብሉጽ መጻኢ ክመርሕኹም ዝኽእሉ ቀረባና ናይ ዝኾኑ ቅዱሳት መሬት፡ ቢሎም ናይ ዶሓ ሳባሕ ኣብዳላህ ሰዓቢ ሃይማኖት ክርስትና ብዛዕባ ናይቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መግንስቲ ቢሉ ናይ ዝሰመየ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፈጸሞ መቕተልትን ግፍዕን ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ሓይሊ ኣብ ይቕረ ምባልን ምምሓርን ምዃኑ ኣይተረስዑ፥

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም - ቃራቆሽ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም - ቃራቆሽ

ይቕረ ምባልን ምምሓርን! እዚ እዩ እቲ ኣገዳሲ ቃል፡ ይቕረ ምባል ኣብ ፍቕሪ ንክትጸንዕን ክርስቲያን ኣብ ምዃን ኣገዳሲ እዩ፡ ናይ ምሉእ ሕውነት መገዲ ነዊሕ ክኸውን ዝክእል እዩ፡ ሓደራ ተስፋ ኣይትቑረጹ እብል፡ ይቕረ ናይ ምባል ብቕዓት ኣገዳሲ እዩ ማዕረ ማዕረ እውን ናይ ምቅላስ ትብዓት ወሳኒ እዩ፡ እዚ ምፍጻም ከቢድ እዩ፡ እግዚኣብሔር ግና ናብዛ መሬት እዚኣ ሰላም ከምዘውርድ ንኣምን፡ ኣብኡ ንእመን ብሓባር ምስ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ንግብረ ሽበራን ሃይማኖት ንክፋእ መጠቀሚ ምግባር ኣይፋል ንበል!

ኣኽብሮት ንደቀንስትዮ፥ እቲ ኵሉ ኣቑሳል ብዘየገድስ ሕይወት ዝህባ

ናይ እግዚኣብሔር ህያባትን መብጽዓታትን ክርሳዕ የብሉን፡ ምኽንያቱ ሞሳ እቲ ህልው ኩነት ካብ ዝቕርጽን ናብ መጻኢ ካብ ዘሰንን ተዘክሮ እዩ ዝውለድ፡ 

ንናይ ኣልባባት ምልዋጥን ናይ ሕይወት ባህልን ናይ ይቕረ ምብህሃልን ሕውነታዊ ፍቕርን ብዙሕነት ምኽባርን ብዙሕነት ባህልን ያታን ሃይማኖትን ምእንቲ ክዕወት ብሓባር ምስ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሓድነትን ምትሕብባርን ንኽህሉ መታን ኣብ ምጽላይ ኣይንድከም፡

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዓይነ ልቦም ናብ ኣዴታትን ደቀንስትዮ ዒራቓውያንን ገይሮም ስለ ትብዓተን እንክመስግኑ፥

ዋላ`ኳ እቲ ዝሓለፈ ኣቑሳልን መግሃስት ሎሚ እውን ሕይወት ኣብ ምሃብ ተባዓት ዝኾና ኣዴታትን ደቀንስትዮ እዛ ሃገር ከመስግን እፈትው፡ ደቀንስትዮ ክኽበራን ክዕቀባን ሓደራ! ዕድልን ኣቃልቦን ክወሃበን ሓደራ!

ኣዴታን ይምዕዳን የጸናንዓን ሕይወት ይህባን፡ ቅድስተ ማርያምእውን ከምኡ እያ ዝገበረት ቢሎም፡ ነታ ሰማዕት መሬት ክርስቲያን ንማርያም አማሕጽን ዝብል ሓሳብ ኣብ ናይ ቃራቖስ ናይ ክብሪ መዝገብ ኣንቢሮምን ከቲሞም ዘካየድዎ ርክብ ከምዘጠቓለሉ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

08 March 2021, 15:23