ነቶም ዝተጐስዩ ጽጉማት ወገናትና ብዘይም ምንም ኣጽድቆ ርእስ ምግልጋል የድሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ላቲናዊ ሥር ዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ን ዕለቱ ዘቅረበቶ ቃል ወንጌል ማር 9.30-37 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንነቱ ንማንም ከይነግሩ ንሓዋርያቱ ምስ ኣጠንቀቀ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ማለት ‘ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይወሃብ አሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ’ እናበለ ይምህሮም ነበረ፡ እንተንሶም ነዚ ምንም የስተው ዕሉሉ ኣይነበሩን ዝገደደ ከኣ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ካብ መን ከምዚዓቢ ኣነ እባ ኣነ እባ እናበሉ ይከራኸሩ ነበሩ። ንሱ ግን ምንም ከምዘየስተው ዓለ ምሳኦም ትጒ ዕዝ ምስ ወዓለ ኣብ ገዛ ምስ እንታይ እንታይ ይበሃሃሉ ከምዝነበሩ ሓተቶም ንሶም ግን ግብሮም ፈሊጦም ሱቊ፤ ሽ ዑ ሓደ ሕጻን ኣብ ማእከሎም ኣቊሙ ከም ሕጻናት እንተዘይኮይኖም ትሕትና እንተዘይለቢሶም ኣብ ኣገልግሎት ካል ኦት እንተዘይወፊሮም ከምቲ ንሱ ንከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ንሶም ከገልግሉ ከምዘለዎም ከመይ ቀዳሞት ዳሕሮት ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም፤ እንክብል ንድሕነት ቀንዲ መጋበሪ ኣገልግሎት ምዃኑ ሓቢርዎም።
ቅዱስነቶም እታ ኣብ መንጎ ሓዋርያት ዝነበረት ክርክር ኣባና እውን ስለዘይትተርፍ ኣሕጽር ኣቢሎም ቀዳሞት ዶ ክትኮኑ ትደልዩ! ቀዳማይዶ ክትከውን ትደሊ! ኣገልግሎ! ዓቢዶ ክትከውን ትደሊ! ከም ሕጻናት ንእሽቶ ኩን! ወትሩ ክትቅበል ዶ ትደሊ! ቅድም ለግስ ዓድል ሃብ! እንክብሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጽን ኢሎም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ ሕዝቢ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ኣንጐድጐዱ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም መዓቀኒ እግዚኣብሔር ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ብጣዕሚ ርሑቅ እዩ እኳ ደኣ ናቱ ተገላቢጦሽ እዩ! ሡር ነቀል ለውጢ ክንገብር ይጽው ዕ! ዓቢ ክትከውን እንተደሊኻ ቀዳማይ ክትከውን እንተደሊኻ ድሕሪ ኩሉ ተሠራዕ ኣገልጋሊ ኩሎም ኩን! ዝብል መምዘኒ ይጥቀም።
መምዘኒ እግዚኣብሔር!
እታ ጐይታ ንሓዋርያት ዝሃባ መልሲ ብሓቂ ድቃስ እትኸልእ ኣብ ርእሲ ምዃና ነቲ ዝሓስብዎን ዝሓልምዎን ዝምነይዎን ዝነበሩ ነገራት ማለት ዕብየትን ቀዳሞት ምዃኑን ፈጺሙ ዝገማጥል ሓሳብ ምስ ኣቅረበሎም ኩሉ ሕውስውስ ይብሎም።
ዕብየትን ክብርን ሓደ ሰብ ካብቲ ዝዓሞ እጃም ሥራሕ ኣይኮነን ዝምዘን! ማለት ዘለዎ ደረጃ ዓወት ኣብ ባንክ ብዘለዎ ብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነን ዝምዘን! እዚ ፈጺሙ መምዘኒ ክኸውን ኣይክ እልን! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓወትን ዕቤትን ካልእ ፍሉይ መምዘኒ ኣለዎም! በቲ ዝውፈ ኣገልግሎት እዮም ዝምዘኑን ዝዕቀኑን! በቲ ዘሎካ እትውንኖ ኣይኮነን ዝምዘን እንታይ ደኣ በቲ እትህቦ! ስለዚ ቀዳማይዶ ክትከውን ትደሊ ኣገልግል! እታ መንገዲ እዚኣ እያ! መስቀል እንታይ ምዃኑ እትፈልጥ መሃሪት መንገዲ ከኣ እዚኣ እያ ኢሎም።
መስቀል እንታይ ምዃኑ እትፈልጥ መሃሪት መንገዲ!
ንኩሉ መልሲ እትኸውን ንኩሉ እተጠቃልል ቃል እንክብሉ ዝገልጽዋ ኣገልግሎት እንክትኸውን እዛ ኣገልግሎት እትብል ቃል ትማልን ሎምን ንዝመጽ እን ንክርስትያን እትኩሕኩሕን እተነቃቅሕን ንመንግሥተ ሰማይ ገጽካ ንምጒዓዝ መንገዲ መስቀል እትምህርን እያ ኢሎም፤ ዝሓለፈ ሓሙስ ንምንቅስቃሳትን ማሕበራትን ም እመናን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ መለለዪኦም ኣገልግሎት ምዃኑ ዝገለጸሉ ናይ ኣጋጣሚ ጒዳይ ዘይኮነ ትርጉም ተል እኮ ኦም ንሱ ስለዝኾነ ኮነ ኢሎም ከምዝበልዎ ብሩህ እዩ። ከምዝዝከር ደጋጊሞም ዝበልዎም ኣብ ቤተክርስትያን ሓላፍነት ምምሕዳር ክበሃል ከሎ ማለት ሓላፊኩኰይኑ ኣመሓዳሪ ኰይኑ እንክበሃል ብቀዳምነት ኣገልጋሊ ናይ ኩሎም ብምዃን ምስክርነት ክህብ ነዚ ከኣ ካብ ሥልጣን ናብ ሥልጣን ክድይብ ሒዂ ከይበለ ናይ መወዳእታ ቦታ ብምምራጽ ክገብሮ! ተል እኮ ስብከተወንጌል ከኣ በዚ ከምዝረጋገጽ ኣብሪሆምሎም ነበሩ።
ኣገልግሎት ክንብል እንከሎና ንቃል ዓለም ንጣዕመ ልሳን ኣይኮነን ዝበሉ ቅዱስነቶም ምግልጋል ማለት ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበር ምግባር እዩ! እዚ ኸኣ ብሕጽር ዝበለ ሕይወቱ ምኽታል ብካል እ ኣዘራርባ ነታ ንሱ ‘ወዲሰብሲ ክገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጸን’ እንክብል ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፎ ነፍሲወከፍ ክርስትያን እውን እንትርፊ እዚ ካል እ መንገዲ የብሉን፤ ስለዚ ን ኢየሱስ ምስ ዓብ ማለት ነቲ ንሱ ዝሓንጸጾ መንገዲ ማለት መንገዲ ትሕትናን መንገዲ መስቀልን ምስ ዓብ የድሊ እዚ ከኣ ተጻይ መንፈስ ዓለምን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን እዩ።
ዝተጐስዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንቀበል!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ቀዳምነት ኣገልግሎትን ትሕናን ንከረድ ኦም ኢሉ ካብ ብቃላት ብ ኣብነት ከረድ ኦም ኢሉ ሓደ ሕጻን ኣብ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ኣብቲ ቀንድን ኣድላይን ቦታ የቁሞ! ይሓቁፎ እሞ ንናኣሽቱ ዝቅበል ን ኣኡ ከምዝቅበል በዚ ከኣ እቲ መንገዲ ኣግልግሎ ናብ ናኣሽቱን ድኻታትን ተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተብና ከምዝምልከት የብርሃልና።
ምግልጋል የዕቢ እምበር ኣየጒድልን!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም እታ ቀንዲ ኣብነት ኣገልግሎትን ቀዳመይቲ ሓዋርያን ዝኾነት ድንግል ማርያም ትሕትናኣን ኣገልግሎታን ምኽንያት ዕብየታ ከምዝኾነ ተረዲእና ትሕት ብምባልናን ብምግልጋልናን ከም እን ዓቢ እምበር ከምዘይንጐድል ንረዳእ ምስበሉ ንመርመራ ሕልና ዝኾና ተረርቲ ሕቶታት እውን ኣቅሪቦም፤ ኣነ ን ኢየሱስ እስ ዕብ እየ በሃሊ ብዛዕባ እቶም ዝተጉስዩን ዝተረስ ዑን እግደስዶ! ወይስ ከምቶም ኣብ ወንጌል ዝተጠቅሱ ሓዋርያት መን ኮን ይ ዓቢ እናበልኩ ኣብ ጥቅሚ ር እሰይ ጥራይ እድረት! ናብራ ከም ውድድር ተረዲኤ ንካል ኦት ክበልጽዶ እቃለስ ወይ ቀዳማይ ምዃን ማለት ኣገልጋሊ ምዃኑ እኽተል! ጭቡጥ ብዝኾነ መንገድኸ ንሓደ ሕጻን ወይውን ንኡስ ምንም ክግበረለይ ዘይክእል ገለ ግዜ እህቦዶ! ምንም ክመልሰለይ ንዘይክ እል እረድ እዶ ወይስ ብዛዕ ባ ቤተሰበይን ኣዕሩኽተይን ጥራይ እግደስ! ኢልና ነስተንትን ምስ በሉ ጸሎተ መል ኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም።
ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብቲ ቅር ዓት ዝነበሩ ከማኡ እውን ኣብዘን ዝሓለፋ ሳልስታት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝፈጸሙላ ሕዝቢ ሃገረ እስሎቫክያ ብምቅራብ ኣብ ሃገረ መክሲኮ ብም ዕልቅላቅ ማይ ንዝጉጐድ ኡ ምናዳ ኸኣ ኣብ ሆስፒታል ቱላ ዝሞቱን ቤተሰቦምን ብምዝካር ስለኦም ከምዝጽልዩ ገሊጾም፤ ስለእቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይ ኣገባብ ተታሒዞም ዘለው ስደተኛታት ክሳብ ብሰላም ናብ ዓዳቶም ዝምለሱ ከምዝጽልዩ ብምግላጽ ትማሊ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ መካነ ንግደት ላ ሳለት መበል 175 ዓመት ግልጸት ድንግል ማርያም ንዘብዓሉ እውን ሰላምታ ኣቅሪቦም።