ድለ

ነቶም ዝተጐስዩ ጽጉማት ወገናትና ብዘይም ምንም ኣጽድቆ ርእስ ምግልጋል የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 19 መስከረም 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መል ኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኩነት ናይ ሓደ ሰብ ብዘለዎ ሥራሕ ወይውን ብዝረኸቦ ዓወት ወይውን ኣብ ባንካ ብዝለዎ ሒሳብ ኣይኮነን ዝምዘን እንታይ ደኣ በቲ ዝህቦ ኣገልግሎት እዩ’ እንክብሉ ቀዳምነት ኣገልግሎትን ዘኽፍሎ ዋጋን ዝወሃቦ ግምትን ድሕሪ ምግላጽ እዚ ከኣ ናብ እግዚኣብሔር ከምዘቅርብ ፈሊጥና ንድኻታትን ጽጉማትን ምንም ዓይነት ክገብሩን ክመልሱን ንዘይክ እሉ ምቅባልን ምግልጋሎምን ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

 ላቲናዊ ሥር ዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ን ዕለቱ ዘቅረበቶ ቃል ወንጌል ማር 9.30-37 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንነቱ ንማንም ከይነግሩ ንሓዋርያቱ ምስ ኣጠንቀቀ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ማለት ‘ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይወሃብ አሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ’ እናበለ ይምህሮም ነበረ፡ እንተንሶም ነዚ ምንም የስተው ዕሉሉ ኣይነበሩን ዝገደደ ከኣ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ካብ መን ከምዚዓቢ ኣነ እባ ኣነ እባ እናበሉ ይከራኸሩ ነበሩ። ንሱ ግን ምንም ከምዘየስተው ዓለ ምሳኦም ትጒ ዕዝ ምስ ወዓለ ኣብ ገዛ ምስ እንታይ እንታይ ይበሃሃሉ ከምዝነበሩ ሓተቶም ንሶም ግን ግብሮም ፈሊጦም ሱቊ፤ ሽ ዑ ሓደ ሕጻን ኣብ ማእከሎም ኣቊሙ ከም ሕጻናት እንተዘይኮይኖም ትሕትና እንተዘይለቢሶም ኣብ ኣገልግሎት ካል ኦት እንተዘይወፊሮም ከምቲ ንሱ ንከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ንሶም ከገልግሉ ከምዘለዎም ከመይ ቀዳሞት ዳሕሮት ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም፤ እንክብል ንድሕነት ቀንዲ መጋበሪ ኣገልግሎት ምዃኑ ሓቢርዎም።

ቅዱስነቶም እታ ኣብ መንጎ ሓዋርያት ዝነበረት ክርክር ኣባና እውን ስለዘይትተርፍ ኣሕጽር ኣቢሎም ቀዳሞት ዶ ክትኮኑ ትደልዩ! ቀዳማይዶ ክትከውን ትደሊ! ኣገልግሎ! ዓቢዶ ክትከውን ትደሊ! ከም ሕጻናት ንእሽቶ ኩን! ወትሩ ክትቅበል ዶ ትደሊ! ቅድም ለግስ ዓድል ሃብ! እንክብሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጽን ኢሎም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ ሕዝቢ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ኣንጐድጐዱ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም መዓቀኒ እግዚኣብሔር ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ብጣዕሚ ርሑቅ እዩ እኳ ደኣ ናቱ ተገላቢጦሽ እዩ! ሡር ነቀል ለውጢ ክንገብር ይጽው ዕ! ዓቢ ክትከውን እንተደሊኻ ቀዳማይ ክትከውን እንተደሊኻ ድሕሪ ኩሉ ተሠራዕ ኣገልጋሊ ኩሎም ኩን! ዝብል መምዘኒ ይጥቀም።

መምዘኒ እግዚኣብሔር!

እታ ጐይታ ንሓዋርያት ዝሃባ መልሲ ብሓቂ ድቃስ እትኸልእ ኣብ ርእሲ ምዃና ነቲ ዝሓስብዎን ዝሓልምዎን ዝምነይዎን ዝነበሩ ነገራት ማለት ዕብየትን ቀዳሞት ምዃኑን ፈጺሙ ዝገማጥል ሓሳብ ምስ ኣቅረበሎም ኩሉ ሕውስውስ ይብሎም።

ዕብየትን ክብርን ሓደ ሰብ ካብቲ ዝዓሞ እጃም ሥራሕ ኣይኮነን ዝምዘን! ማለት ዘለዎ ደረጃ ዓወት ኣብ ባንክ ብዘለዎ ብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነን ዝምዘን! እዚ ፈጺሙ መምዘኒ ክኸውን ኣይክ እልን! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓወትን ዕቤትን ካልእ ፍሉይ መምዘኒ ኣለዎም! በቲ ዝውፈ ኣገልግሎት እዮም ዝምዘኑን ዝዕቀኑን! በቲ ዘሎካ እትውንኖ ኣይኮነን ዝምዘን እንታይ ደኣ በቲ እትህቦ! ስለዚ ቀዳማይዶ ክትከውን ትደሊ ኣገልግል! እታ መንገዲ እዚኣ እያ! መስቀል እንታይ ምዃኑ እትፈልጥ መሃሪት መንገዲ ከኣ እዚኣ እያ ኢሎም።

መስቀል እንታይ ምዃኑ እትፈልጥ መሃሪት መንገዲ!

ንኩሉ መልሲ እትኸውን ንኩሉ እተጠቃልል ቃል እንክብሉ ዝገልጽዋ ኣገልግሎት እንክትኸውን እዛ ኣገልግሎት እትብል ቃል ትማልን ሎምን ንዝመጽ እን ንክርስትያን እትኩሕኩሕን እተነቃቅሕን ንመንግሥተ ሰማይ ገጽካ ንምጒዓዝ መንገዲ መስቀል እትምህርን እያ ኢሎም፤ ዝሓለፈ ሓሙስ ንምንቅስቃሳትን ማሕበራትን ም እመናን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ መለለዪኦም ኣገልግሎት ምዃኑ ዝገለጸሉ ናይ ኣጋጣሚ ጒዳይ ዘይኮነ ትርጉም ተል እኮ ኦም ንሱ ስለዝኾነ ኮነ ኢሎም ከምዝበልዎ ብሩህ እዩ። ከምዝዝከር ደጋጊሞም ዝበልዎም ኣብ ቤተክርስትያን ሓላፍነት ምምሕዳር ክበሃል ከሎ ማለት ሓላፊኩኰይኑ ኣመሓዳሪ ኰይኑ እንክበሃል ብቀዳምነት ኣገልጋሊ ናይ ኩሎም ብምዃን ምስክርነት ክህብ ነዚ ከኣ ካብ ሥልጣን ናብ ሥልጣን ክድይብ ሒዂ ከይበለ ናይ መወዳእታ ቦታ ብምምራጽ ክገብሮ! ተል እኮ ስብከተወንጌል ከኣ በዚ ከምዝረጋገጽ ኣብሪሆምሎም ነበሩ።

ኣገልግሎት ክንብል እንከሎና ንቃል ዓለም ንጣዕመ ልሳን ኣይኮነን ዝበሉ ቅዱስነቶም ምግልጋል ማለት ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበር ምግባር እዩ! እዚ ኸኣ ብሕጽር ዝበለ ሕይወቱ ምኽታል ብካል እ ኣዘራርባ ነታ ንሱ ‘ወዲሰብሲ ክገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጸን’ እንክብል ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፎ ነፍሲወከፍ ክርስትያን እውን እንትርፊ እዚ ካል እ መንገዲ የብሉን፤ ስለዚ ን ኢየሱስ ምስ ዓብ ማለት ነቲ ንሱ ዝሓንጸጾ መንገዲ ማለት መንገዲ ትሕትናን መንገዲ መስቀልን ምስ ዓብ የድሊ እዚ ከኣ ተጻይ መንፈስ ዓለምን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን እዩ።

“ንጐይታ ዘሎና ተኣማንነት ንክነገልግል ካብ ዘሎና ፍቃድ ይውሰን! ክነገልግል መጠን ፍቃደኛታት ዝኾናሉ መጠኑ ከኣ እሙናትጉጐይ ታንኸውን፡ እዚ ዋጋ ከምዘኽፍል ንፈልጦ ኢና ከመይ መስቀል እንታይ ምዃኑ ስለእንፈልጥ፤ እንተኾነ ኣብ ሓልዮትን ኣገልግሎትን ብጾትና ክን ዓቢ እንከሎና መጠኑ ሓራ ንኸውን ን ኢየሱስ ንመስል፤ መጠን ዘገልገልናዮ ህላዌ እግዚኣብሔር ን እውጅ! ል ዕሊ ነቲ ምንም ክመልሰልናን ክገብረልናን ዘይክ እል ክነገልግል እንከሎና ንድኻታት ክነገልግል እንከሎና ንጸገማቶምን ድሌታቶን ብርሕራሔ እንክንፍጽሞ ንሕና እውን ብግደና ብ እግዚኣብሔር ዝተፈቀርናን ዝተሓቈፍናን ምዃና ክንግንዘብ ኢና፤ ስለዚ ነቶም ዝተጐስዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንቀበል ኢሎም።”

ዝተጐስዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንቀበል!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ቀዳምነት ኣገልግሎትን ትሕናን ንከረድ ኦም ኢሉ ካብ ብቃላት ብ ኣብነት ከረድ ኦም ኢሉ ሓደ ሕጻን ኣብ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ኣብቲ ቀንድን ኣድላይን ቦታ የቁሞ! ይሓቁፎ እሞ ንናኣሽቱ ዝቅበል ን ኣኡ ከምዝቅበል በዚ ከኣ እቲ መንገዲ ኣግልግሎ ናብ ናኣሽቱን ድኻታትን ተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተብና ከምዝምልከት የብርሃልና።

“ንመን ምግልጋል ከምዝግባእከስ እነሆ ጐይታ ባዕሉ የብርሆ! ምናዳ እቶም ምንም ክመልሱልካ ንዘይክእሉ ምግልጋል የድሊ! ንዝተገለሉን ዝተረስ ዑን ክፍሊ ሕብረተስብና ምስ እንቅበል ንኢየሱስ ንቅበል! ከመይ ንሱ ኣባኡ ኣሎ! ኣብቲ እነገልግሎ ሕጻን ኣብቲ እነገልግሎ ድኻ ንሕና እውን ሕያውነት ዝመልኦለ ተቅባል እግዚኣብሔር ንረክብ፤ ከመይ ምግልጋል የዕቢ እምበር ኣየጒድልን ኢሎም።”

ምግልጋል የዕቢ እምበር ኣየጒድልን!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም እታ ቀንዲ ኣብነት ኣገልግሎትን ቀዳመይቲ ሓዋርያን ዝኾነት ድንግል ማርያም ትሕትናኣን ኣገልግሎታን ምኽንያት ዕብየታ ከምዝኾነ ተረዲእና ትሕት ብምባልናን ብምግልጋልናን ከም እን ዓቢ እምበር ከምዘይንጐድል ንረዳእ ምስበሉ ንመርመራ ሕልና ዝኾና ተረርቲ ሕቶታት እውን ኣቅሪቦም፤ ኣነ ን ኢየሱስ እስ ዕብ እየ በሃሊ ብዛዕባ እቶም ዝተጉስዩን ዝተረስ ዑን እግደስዶ! ወይስ ከምቶም ኣብ ወንጌል ዝተጠቅሱ ሓዋርያት መን ኮን ይ ዓቢ እናበልኩ ኣብ ጥቅሚ ር እሰይ ጥራይ እድረት! ናብራ ከም ውድድር ተረዲኤ ንካል ኦት ክበልጽዶ እቃለስ ወይ ቀዳማይ ምዃን ማለት ኣገልጋሊ ምዃኑ እኽተል! ጭቡጥ ብዝኾነ መንገድኸ ንሓደ ሕጻን ወይውን ንኡስ ምንም ክግበረለይ ዘይክእል ገለ ግዜ እህቦዶ! ምንም ክመልሰለይ ንዘይክ እል እረድ እዶ ወይስ ብዛዕ ባ ቤተሰበይን ኣዕሩኽተይን ጥራይ እግደስ! ኢልና ነስተንትን ምስ በሉ ጸሎተ መል ኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም።

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብቲ ቅር ዓት ዝነበሩ ከማኡ እውን ኣብዘን ዝሓለፋ ሳልስታት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝፈጸሙላ ሕዝቢ ሃገረ እስሎቫክያ ብምቅራብ ኣብ ሃገረ መክሲኮ ብም ዕልቅላቅ ማይ ንዝጉጐድ ኡ ምናዳ ኸኣ ኣብ ሆስፒታል ቱላ ዝሞቱን ቤተሰቦምን ብምዝካር ስለኦም ከምዝጽልዩ ገሊጾም፤ ስለእቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይ ኣገባብ ተታሒዞም ዘለው ስደተኛታት ክሳብ ብሰላም ናብ ዓዳቶም ዝምለሱ ከምዝጽልዩ ብምግላጽ ትማሊ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ መካነ ንግደት ላ ሳለት መበል 175 ዓመት ግልጸት ድንግል ማርያም ንዘብዓሉ እውን ሰላምታ ኣቅሪቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 September 2021, 16:58

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >