ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለ ግዳያት ምዕልቅላቅ ማይ ሃገረ መክሲኮን ብኢፍትሓዊ መንገዲ ተኣጊዶም ዘለው ሰባትን ይጽል

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 19 መስከረም 2021 ዓም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ሂዳልጎ ኣብ ዝበሃል ግዝ ኣት መክሲኮ ብም ዕልቅላቅ ማይ ንዝተጐድ ኡ ከም ኡ እውን ኣብ ወጻኢ ሓርነቶም ተገፊፎም ብ ኢፍትሓዊ መንገዲ ተዓጊቶም ዘለው ኣብ ሃገራቶም ብሰላም ክምለሱ ዘዕርግዎ ጸሎት ገሊጾም ኣብ መካነ ንግደት ላ ሳለት ሃገረ ፈረንሳ ንዝርከቡ መንፈሳውያን ነጋዶ እውን ሰላምታኦም ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ሃገረ መክሲኮ ብብርቱዕ ምዕልቅላቅ ማይ ኣብ ግዝኣት ሂዳልጎ እንክትጒዳእ ዝገደደ ከኣ ቅድሚ ክልተ ሶሙን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝሞቱ ብዙሓት ሕሙማት ከምዘሕዘኖምን ስለኦም ከምዝጽልዩን ገሊጾም፤ እቲ ም ዕልቅላቅ ማይ ብርቱዕ ዝናብ ምስ ሃረመ ውሒጅ ቱላ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ምስ መል አ ንብዙሕ ቦታታት ኣብ ል ዕሊ ም ዕፋኑ እቲ ብ ኣኡ ዚሓልፍ ዝንበረ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምቊራጹ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ምናዳ ኣብ ሆስፒታላት ህይወት ኣድሕን መጋበሪታት ብምቁራጹ ሕይወት ብዙሓት ከምዝሓለፈ ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ስለ ግዳያት ባህርያዊ ሓደጋን ቤተሰቦምን ከምዝጽልዩ ምስ ገለጹ ካልእ ሰብ ሰርሖ ሓርነት ደቂሰባት ዝግህስ ንብዙሓት ሰባት ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዳጒኖም ንዓዶም ምምላስ ስኢኖም ዝሳቀዩ ዘለው ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለምና ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሓንሳእ ሓንሳእ እውን ዝተሓላለኹ ጒዳያት ኣለው፤ ፍትሒ ነጊሡ እዞም ሰባት እዚኦም ካብቲ ተዳጒኖምሉ ዘለዎ ዓዲ ጓና ነናብ ሃገሮም ብዝቀልጠፈ ክምለሱ ምንዮተይ እገልጽ ኢሎም።”

ዝኽሪ ግልጸት ማርያም ዘላ ሳለት!

ትማሊ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ መካነ ንግደት ላ ሳለት መበል 175 ዓመት ግልጸት ድንግል ማርያም ንዘብዓሉ ነዚ ዚስዕብ ሰላምታ ኣቅሪቦም።

“[ ሃመይን ቀልበይን ኣብቶም ኣብ መካነ ንግደት ላ ሳለት ሃገረ ፈረንሳ መበል 175 ዓመት ግልጸት ናይ እናነብ ዔት ንክልተ መን እሰያት ዝተራእየት ድንግል ማርያም ንምዝካር ተኣኪቦም ናብ ዘለው ኣሎ፤ እዚ ንብ ዓት ድንግል ማርያም ነቲጉጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንከተማ ኢየሩሳሌም ዘፍሰሶ ንብ ዓት ከም ኡ እውን ነቲ ኣብ ገተሰማኒ ምስ ረሃጽ ደም ዘፍሰሶ የዘኻኽረና፤ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኽንያት ሓጢኣትና ዝሳቀዮ ስቃይ ዘዘኻኽር ጻውዒት ኰይኖም በቲ ካል ወገን ከኣ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ክንተኣማመን ዘዘኻኽር እዩ ኢሎም። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
20 September 2021, 17:07