ድለ

ፍራንቸስኮ፥ መጻኢ ዓለም ተስፋ ዝህልዎ ብሓንሳብ ካብ ምዃን እዩ

እቲ ቅዱስ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ መዓልቲ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ይእከብ ኣብኡ ድማ ብቐጻሊ ይውልደን ይሕደስን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 22 መስከረም 2021 ዓ.ም.  ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እተዛዘመ ኣብ ቡዳፐስትን ስሎቫኪያን ዘካየድዎ መበል 34 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዘማእከለ ከምዝነበረን ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻ እቲ ምስ እተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን ምስ ኣመንቲ ካልኦት ሃይማኖታት ምስ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም - እቲ መገሻ “ናይ ጸሎትን ናብ ሱር እምነትን ተስፋን ንግደት” እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቲ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ቡዳፐስትን ስሎቫኪያን ሓዋርያዊ መገሻኦም ዘማእከለ ኰይኑ፥ ብሓቂ ድሕሪ እቲ ዝገበርክዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ልበይ ዓቢይ ምስጋና እዩ ዘሎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸሎትን ምስክርነትን ፍቕርን ትሕትናን

ኣብቲ መበል 52 ኣብ ቡዳፐስት እተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መዛዘሚ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ዓቢይ ተሳትፎ “ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር” ዘኪሮም፡ ኣብ ስሎቫኪያን ኣብ ሻሽቲን ኣብ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ድንግል ማርያም ዘሕማማቱ_፥

ሕዝቢ ኣምላኽ - ንኣምልኾን ኣስተንትኖን ንምጽላይን ንምጒዓዝን ንንግደትን ንትዕግስትን በዚ ኣቢሉ እቲ ጐይታ ዝጽግወና ሰላምን ሓሴትን ንኽስምዖ መታን እዩ ዝተጸውዔ፡ ሕይወትና ጽሎትን ጒዕዝን ንግደትን ትዕግስቲ ምግባር እዩ ክኸውን ዘለዎ . . .

ቢሎም፥ ኣብቲ ካብ ዕለት 12 ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ቡዳፐስትን ስሎቫኪያን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ማእከል ኣብ ዝገበረ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስዒቦም፥ እቲ መገሻ፥

            ናይ ጸሎትን መንፈሳዊ ንግደት ናይ ተስፋን ናብቲ ሱር እምነትን እዩ

እንክብሉ ጸሚሮም፥

ተወፋይነት ንቕዱስ ቍርባንን ንድንግልማርያም

እቲ ናብ ቡዳፐስትን ሃንጋርን ዝወሰዶም መገሻ እታ ኣብ ዙርያ መስዋእቲ ጐይታ ተኣኪባ ዝነበረት ኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክርእዩ ከምዝገበሮም እንክገልጹ፥

እቲ ቅዱስ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ መዓልቲ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ይእከብ ኣብኡ ድማ ብቐጻሊ ይውልደን ይሕደስን፡ በቲ ኣብቲ ድሕሪ እቲ መንበረ ታቦት ተነቢሩ ዝነበረ ዓቢይ መስቀል ተሓቚፉን ነቲ እቲ ቅዱስ ቁርባን ዘመላኽቶ ትሕትናን ልግስን ክብርንን ካብ ዓለማውነት ዘንጽሕን ናብቲ ኣገዳሲ ዝኾነ እምነት ዘመላኽት እዩ!

ቢሎም ኣስዒቦም፥ እቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘሕማማቱ ከምእተዛዘመ እውን እንክዝክሩ፥

እዚ ኸኣ ህዝበ እግዚኣብሔር ከስተንትንን ክሰግድን ክጽልን ክጓዓዝን ንስሓ ኺገብርን በዚ ድማ እቲ ጐይታ ዝህቦ ሰላምን ሓጐስን ከስምዖ ዝተጸውዐ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ!

ሱር እምነት

ር.ሊ.ጳ. ኣስዒቦም፥ እቲ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ሱር እምነት ምኻድ ምንባሩ እውን ክሕብሩ እንከለዉ፥

እቲ ምስ ኣቡናት ሃንጋርን ስሎቫኪያን ዝገበርክዎ ርክብ ኣብቲ ከባቢ እቲ ካብ ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ ሱር እምነትን ክርስቲያናዊ ሕይወትን ክትንክፍ ጌሩኒ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሱር እምነት ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ህያውን መትኒ ህይወትን እዩ፡ እዚ ኸኣ ክዕቀብ ከምዘለዎን ከምቲ ኣብ ቤተ መዘክር ከም ዝነበር ውርሻ ዘይኮነስ ወይ ከኣ ፖለቲካዊ ህልዮ ንምሕያልን ንስልጣን ቢልካ ክትምዝምዞን ዕጽው ዝኾነ መንነት ንምጽናዕ ተባሂሉ ኣይኮነን ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ የዒንቲ መንእሰያት ዝቃላሕ ተስፋ

ቅዱስነቶም ነቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንግደት እንክብሉ ገሊጾም ኣብ የዕንቲ እቶም ዝተራኸብዎም ቈልዑን ብዙሓት መንእሰያትን ሰብ ሓዳርን ብሓፈሻ ኣብቲ ምስ መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብ ኣብ የዕንቲ እቶም መንእሰያት ተስፋ ክርእዩ ከምዝገበሮም፥

ኣብ የዕንቲ መንእሰያትን ብዘይ ዓውዓውታ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ከተማታት ንድኻታትን ዝተሓረጉን ዘገልግሉን ንኣብነት እተን ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኣልያ ደናግል ደቂ ማድረ ተረዛን

ጠቒሶም እተሓሒዞም ኣብ ስሎቫኪያን ሃንጋሪን ኣቡናትን ሰበ ስልጣናትን ከምኡ እውን ኣብቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንዝተሳተፉን ንብዙሓት ምእመናን ልባዊ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 September 2021, 08:45