ድለ

2018.10.22 Capitolo Generale Congregazione Passione Gesu 2018.10.22 Capitolo Generale Congregazione Passione Gesu 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መስቀል ምንጪ ድሕነት ናይ ኵሉ ግዜ ሰብ

ብዛዕባ እቲ መስቀል ከነስተንትን ኮለና ኵሉ ሰብኣዊ ስፍሓት ብምሕረት ኣምላክ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ነስተውዕል። እቲ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባልን ምውራድን ድንጋጸን ዝመልኦ ፍቕሩ ብመስቀል ኣቢሉ ተንከፎ ኣብ መወዳእታ ዅነታትና ድማ በጽሐ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ጥበብ መስቀል ኣብቲ ህብረ ዓለም” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ በቲ ዝኽሪ መበል 300 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ብዘሎ ገዳማውያን ማሕበር ዘሕማማቱ ናብ ዘበገሶ ካብ ዕለት 21 መስከረም ክሳዕ ዕለት 24 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ  ዚካየድ ናብ ዘሎ ኣህጉራዊ ናይ ቲዮሎጊያ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ነገባብ ኣምላኽን ንሰብን ቀረባ ዝኾነ ስብከተ ወንጌል ምድንፋዕ” ዝብል ለበዋ ዘንበርሉ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ብይብጻሕ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘዳለወ ማሕበር ዘሕማማቱ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ጃኣኪም ረጎ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንክርስቲያን እምነት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ንኣብነት ከም ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ዘቕርብሉ መድርኽ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፥ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ መርሕ ኣርእስቲ እውን ዛዕባ መስቀል ዝምልከትን መስቀል እዚ እውን እቲ ኢየሱስ ሰብኣዊ ፍጥረት ንምድሓን ዝሰዓቦ መገዲ ምስ መላእ ዓለምን ምስ ህብረ ባህላታት ዝነጻጸር እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ፍቕር ኣምላክ ክሳብ ድኻምነትና ዝወርድ

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ነጋባእያን ሰላምታ ኣቕሪቦም ቅድሚ 300 ዓመት እቶም ብቕዱስ ጳውሎስ ዘመስቀል ዝተመስረተ ማሕበር ዘሕማማቱ “እቲ ማእከል ክርስቲያናዊ እምነትን ናይቲ ማሕበር ዘሕማማቱ መንፈሳውነት ዝገልጽ ምስጢረ ፋሲካ ንመለኮታዊ ፍቕሪ ምላሽ ንምሃብ ከምኡ እውን ትጽቢታትን ተስፋታትን ዓለም ንምርኻብ” ዝብል ባህጊ ከምዝነበሮ ኣዘኻኺሮም ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ እንክዛረቡ ቅዱስነቶም፥

ብዛዕባ እቲ መስቀል ከነስተንትን ኮለና ኵሉ ሰብኣዊ ስፍሓት ብምሕረት ኣምላክ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ነስተውዕል። እቲ ገዛእ ርእስኻ ትሕት ምባልን ምውራድን ድንጋጸን ዝመልኦ ፍቕሩ ብመስቀል ኣቢሉ ተንከፎ ኣብ መወዳእታ ዅነታትና ድማ በጽሐ እዚ ድማ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ትዅል ርክብን ምስ ሰባት ዘሎና ንጋድም ርክብን ሓድነት ከምዝህልዎ ገበረ።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ዕምቈት ሓሳብን ትሕትና ልብን

ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እቲ ክርስቶስ ዘምጸኦ ድሕነት ካብ መስቀል ማለት ካብ “ድኽመት መስቀል” እዩ ዝመጽእ እዚ ኸኣ ቲዮሎጊያ “ልዕል ዝበለ ሓሳብ ምስ ትሕትና ልቢ” ምትእስሳር ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዝምህረና፥

እቲ ቀዳመይ መስቀል ቅድሚ ምቕራቡ ናብቲ ኣዚዩ ተነቃፊ ዝኾነን ጭቡጥን ኵነታት ደቅሰብ ክትጥምት ከምኡ እውን ነቲ ናይ መጽናዕቲ ጻዕር ብሓጐስ ልቢ ኸተካፍሎ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ እተጋነ ብዝሑነት ዘንብሮ ክቡአ ዝርኢ ብምትእምማን ከነናድዮ ይዕድመና።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መስቀል “ምንጪ ድሕነት ኵሉ ቦታን ኵሉ ግዜን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም እዋናውነቱን ውጽኢቱን “ከምቲ ኣብ ግዜና ዘሎ ቕልጡፍን እተሓላለኸን ለውጥታት ኣብ ዚልለየሉ እዋን እውን ከይተረፈ “ውጽኢቱ ይገልጽ”። ስለዚ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘቕርቦ ሓሳብ ጠቓሚ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ሎሚ ኣብ እተፈላለየ ባህላውን ማሕበራውን ኵነታት ዘሎ ጥበብ መስቀል ምቕባል ማለት ብዛዕባ እቲ “ንኣገባብ ኣምላኽን ንሰብን ቀረባን ኣብ ምዃን እሙን ዝኾነ” ወንጌላውነት ዚገልጽ ሓድሽ ፍጻሜታት ንምድንፋዕ እዩ ቢሎም ነቶም ተጋባእያን ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ድንግ ማርያምን ቅዱስ ፓውሎስ ዘመስቀልን “ፍረ ዘለዎ ቲዮጊያዊን ባህላውን ጒስነታዊ ምንጽጻር” ክገብሩ ተላብዮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 September 2021, 08:30