ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ፥ ክርስቲያናዊ መንነት ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻክሩ

እዞም ሎሚ ምስጢረ ጥምቀት ዝተሰርዓሎም ሕጻናት ክርስቲያናዊ መንነቶም ንኽሕልዉን ኣብ ህይወቶም እውን ነዚ መንነት እዚ ኣብ ምንባር ክዓብዩ ናይ ወለዳቶምን ኣቦ ሓጐታቶምን ኣደ ሓጐታቶምን ሓገዝ ከም ዘድልዮምን እዚ ክርስቲያናዊ ሓላፍነት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓተ እምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ጥምቀት ዘእግዚኣነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ጸሎት ሲስቲና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ንዓሰርተ ሽዱሽተ ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ከምዝሰርዑን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ክርስቲያናዊ መንነት ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ምዕሩግን ማራኽን ዝኾነ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ብምኽንያት በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንትሽዓተ ደቀንስትዮን ሸውዓተ ደቂተባዕትዮን ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ከም ዝሰርዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ምስጢረ ጥምቀት ክርስቲያናዊ መንነት እንጽገወሉ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ነዚ ክርስቲያናዊ መንነት እዚ እቶም ምስጢረ ጥምቀት ዝቕበሉ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ኪዕቅብዎ ሓገዝ ወለድን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ዘለዎም ግደ ዓቢይ ምዃኑ ገሊጾም፡ በቲ ሎሚ ዝረኽብዎ በረኸት ብርሃን ኣቢሎም ንኺዓብዩ ምሕጋዝ ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ጻዕርን ቈራጽነትን ኣገዳሲ እውን ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ፥ ክርስቲያናዊ መንነት ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻክሩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ በዓለ ጥምቀት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዝየም ማህሌት ጥቅመት ብምዝካር ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘድልየናን ብእኡ ከም እንነጽሕን ንምሕባር ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይወርዱ ከምዝነበሩ ዘዘንትው ታሪኽ ቅዱስ መጽሓፍ ጠቒሶም፡ እዞም ሎሚ ምስጢረ ጥምቀት ዝተሰርዓሎም ሕጻናት ክርስቲያናዊ መንነቶም ንኽሕልዉን ኣብ ህይወቶም እውን ነዚ መንነት እዚ ኣብ ምንባር ክዓብዩ ናይ ወለዳቶምን ኣቦ ሓጐታቶምን ኣደ ሓጐታቶምን ሓገዝ ከም ዘድልዮምን እዚ ክርስቲያናዊ ሓላፍነት እዩ ካብኡ ንላዕሊ እውን ጸዋዕታ እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቶም ደቃቶም ዘጠመቑ ወለዲ ሓደ ብሓደ ሰላም ቢሎም ክርስቲያናዊ መንነት ኣብ ምግላጽን ምንባርን ብፍላይ ብቓልን ተግባርን ክንበር ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

10 January 2022, 16:49