ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሳሶሊ ደላይ ሓባራዊ ጥቕምን ሓላይ ስኡናትን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ይብጻሕ ክብርቲ በዓልቲ ቤት ሳሶሊ ኣለሳንድራ ቪቶሪኒን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ ዳቪድ ሳሶሊ ፈለማ ጋዜጠይና ደሓር እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ብክርስቲያናዊ ተስፋን ፍቕርን ዝምርሑ ኣማንን እንክብሉ ብምዝካር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ዜና ዕረፍት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ኢጣሊያ ዳቪድ ሳሶሊ ምስ ተሓበሮም ናብ ስድራ ቤት ሳሶሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጽን መጸናንዕን መልእኽቲ፥ “ተኸባሪ ናይ መንግስታዊ ተቕዋም ኣካል ጥራሕ ዘይኰኑ ብክርስቲያናዊ ተስፋን ፍቕርን ህያውን ንጡፍን ኣማኒ” እንክብሉ ከምዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናብ ይብጻሕ ክብርቲ በዓልቲ ቤት ሳሶሊ ኣለሳንድራ ቪቶሪኒን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ ዳቪድ ሳሶሊ ፈለማ ጋዜጠይና ደሓር እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ብክርስቲያናዊ ተስፋን ፍቕርን ዝምርሑ ኣማንን እንክብሉ ብምዝካር ብምኽንያት እዚ ሃንደበት እዚ ንደቁ ሊቭያን ጁልያን እውን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፥ ሞት ዳቪድ ሳሶሊ ንኢጣሊያ ንሕብረት ኤውሮጳን ዝትንክፍ እውን ከም ዝኾነን ንቤተሰብ ሳሶሊን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ኣብ ጸሎቶም ዝኵራት ምዃኖም እውን ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ልኡምን ሓላይን ቈራጽን

ቅዱስነቶም ንነፍሰ ሄር ሳሶሊ “ብክርስቲያናዊ ተስፋን ፍቕርን ህያው ኣማኒ” እንክብሉ ኣብ ዝገለጽሉ ናይ ሓዘን መግለጽ መልእኽቲ ልኡምን ሓላይን ቈራጽን ብህድኣትን ኣኽብሮትን ዛዕባ ሕብረትን ሕብረት ማሕበረሰብ ኤውሮጳ ነቕ ዘይብል ራእይ ዝነበሮምን እዚ ሓድነት እዚ ንምድንፋዕ ቈራጽን ጻዕራምን ብፍላይ ነቶም ዘተናዕቁን ዝተነጸሉን ተኸናኻንን ተጣባቕን እንክብሉ ዘኪሮም ንሳሶሊ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንቤተሰብን በዓልቲ ቤቶም ደቃቶምን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

13 January 2022, 08:37