ድለ

ብትንሣኤ ሙታን ምእማን ንሞት ብዘይፍርሒ ከምእንቅበላ ይገብረና! ር.ሊ.ጳ

ኢየሱስ ነርድእቱ ‘ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። . . . ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ’ (ማቴ 24.42,45-47)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ዝሓለፈ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ሱታፌ ቅዱሳን እንታይ ምዃኑ ተመልኪትና ነበርና። ካብዚ ሓሳብ እዚ ብምብጋስ ሎሚ ነቲ ብዙሓት ሕዝበ ክርስትያን ንቅዱስ ዮሴፍ ከም ጠበቃ ጽብቅቲ ሞት ብምውሳድ ናባኡ ዝምዕቈበሉ ክንምልከት ኢና። እዚ ሓሳብ እዚ መበገሲኡ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ኢድ ድንግል ማርያምን ኢየሱስን ኣብ ናዝሬት ቅድሚ ነታ ከተማ ምሕዳጎም ዓሪፉ ዝብል ዛንታ እዩ። ከማኡ ዝብል ታሪኻዊ መርትዖ የለን እንተኾነ ቅዱስ ዮሴፍ ካብቲ ግዜቲ እቲ ጀሚሩ ስለዘይረኤ ኣብ ናዝሬት ምስ ስድራቤቱ መይቱ ይኸውን ቢልካ ይእመን። ዘሰነይዎ ከኣ ኢየሱስን ማርያምን ነበሩ።

ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ቅድሚ ሓደ ክፍሊ ዘመን ‘ብቅዱስ ዮሴፍ ኣቢልና ብቀጥታ ናብ ማርያም ንበጽሕ ብማርያም ኣቢልና ከኣ ናብ ምንጪ ኩሉ ቅድስና ዝኾነ ኢየሱስ ንበጽሕ` ኢሎም ጽሒፎም ነበሩ። ዮሴፍስ ይኹን ማርያም ኩሎም ናብ ኢየሱስ ንክንበጽሕ ይሕግዙና። እዞም ር.ሊ.ጳ ከስ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝግበር ንዝነበረ ፍሉይ መንፈሳውነት ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ንኩሉ እናኣተባብዑ ንሓንቲ ጸሎት ኩሎም ከዕርግዋ ይምሕጸኑ ነበሩ። እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ጻዕሪ ሞት ዝርከቡ ጽብቅቲ ሞት ንምርካብ እትግበር ጸሎት ኰይና ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ኢድ ማርያምን ኢየሱስን ብምዕራፉ ሓያል ጠበቃ ኣብ ጻዕሪ ሞት ዝርክቡ እዩ። ነተን ናብኡ ብምምሕጻን ዝተደርሳ ጸሎታት ምዝርጋሕን ምትብባዕን ግደ ጓሶት ነፍሳት ኰይኑ ኣብ ጻዕሪ ሞት ዝርከቡ ዘዕርግዎ ጽብቅቲ ሞት ንምርካብ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝግበር ጸሎትን ካልእ መፈሳዊ ተግባራትን ንምድንፋዕ ብዕለት 25 ሓምለ 1920 ኣዊጆም ነበሩ። ከምቲ ኣብቲ ግዜቲ ነዚ ጉዳይዚ ዝከታተላ ማሕበራት ቈይመን ነበራ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ምናልባት ገለኹም እዚ ቋንቋ እዝን እዚ ጉዳይ እዝን ግዜኡ ዝሓለፈ እዩ ኢልኩም ክትሓስቡ ትኽእሉ፣ እንተኾነ ምስ ሞት ዘሎና ርክብ ምንም ሕሉፍ የብሉን ወትሩ ምሳና እዩ። ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ቊሩብ ዕለታት ‘ኣብ ቅድመይ ጸልማት ማዕጾ ሞት ተገቲሩ ኣሎ’ እንክብሉ ይሰናደው ከምዘለው ገሊጾም ነበሩ። ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኦም ከምዚ ዓይነት ንጻሬ ክህልዎምን ‘ኣን ኣብ ቅድሚ ድቅድቅ ጸልማት ሞት ኣሎ! ኣብ ማዕጾ ሞት ኣሎኹ’ ኢሎም ንዝገልጹልና ክነመስግኖም ይግባእ። ዝለገሱልና ጽቡቅ ምኽሪ እዩ! ኣይኮነን ድዩ! ናይ ዘመንና ጥዑም ናብራ ዝብል ባህሊ ንኩነት ሞት ካባና ከርሕቆ ሒዂ ይብል! እንተኾነ ድራማቲካዊ ብዝኾነ መንገዲ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ማእከልና ድቅድቅ ኣበሎ። ብሓቂ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ! ኣብ ኩሉ ሞት ነበረ! ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንቀረባ ቤተሰቦም ከሰንይዎም እኳ ዕድል ከይረኸቡ ብሞት ሰኣንዎም። እዚ ከኣ ኣብ ርእሲ ክበድ ክበድ ወሲኹ ንሞት ክትቅበላ ከቢድ ገበሮ። ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ኣደ ዓባዪ ብኮቪድ 19 ታትሒዛ ክትመውት እናተዓዘበታ ‘ቅድሚ ሞተይ ንኩሎም ቤተሰበይ ሰላም ቢለ ክሰናበት ምደለኹ’ ምስ በለታ ብተለፎን ምስ ቤተሰብ ክትሰናበት ምሕጋዛ ብምንባሩ ቀሲና ዓረፈት ኢላትና። ብሓቂ ንፍዕቲ። ዝገበረቶ ናይ ምስንባት ሥራሕ ርሕራሔን ትብዓትን ዝመልኦ ነበረ።

እንተ እዚ ኰይኑ እንተ እቲ ወትሩ ናይ መወዳእታና ጒዳይ ካብ ሓሳብና ክነርሕቆ ንፍትን! በዚ ከኣ ንሞት ሥልጣኑ ዘጒደልና ነቲ ፍርሒ ከኣ ዘባረርና ኰይኑ ይስመዓና። እንተኾነ እምነት ክርስትና ንፍርሒ ሞት ዘወግድ ተኣምር የብሉን እንታይ ደኣ ንክንገጥሞ ሓይሊ ይህበና። እንተስ ቀዲሙ እንተስ ድሒሩ በታ ማዕጾ እቲኣ ክንሰግር ኢና።

ንምሥጢር ሞት ዘብርሃልና ሓቀኛ ብርሃን ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ኢና እንረኽቦ። እነሆ ብርሃን። ቅዱስ ጳውሎስ ‘ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ኢልና ንሰብኽ እንተዀና ከመይ ቢሎም ኢዮም ገሊኦም ትንሣኤ ሙታን የልቦን ዝብሉ! ትንሣኤ ሙታን እንተዘየልቦ ክርስቶስ እውን ኣይተንሠኤን! ክርስቶስ ዘይንተንሠኤ እንተዀይኑ ከኣ አምነትናን ስብከትናን ከንቱ ምኾኑ! ካብ ኩሎም ሰባት ከኣ እነደንግጽ ምኾና’ (1ቆሮ 15,12-14) እንክብል ይጽሕፍ። ኣብዚ ሓንቲ ርግጽነት ኣላ! ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ እዩ። ክርስቶስ ኣብ መንጎ ሕያው ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ክንዮ እታ ድቅድቅ ጸልማት ዝዓብለላ ማዕጾ ሞት ዘሎ ብርሃንከስ እዚ እዩ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ነታ ፍርሒ ዝወረራ ድቅድቅ ጸልማት ሞት ክንገጥመላ እንኽእልከስ ኣብ ትንሣኤ ሙታን ብምእማን እዩ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንሞት ኣዎንታዊ ግደ እውን ክንህቦ ንኽእል። ከም ሓቁ ከኣ ብምሥጢረ ትንሣኤ ክርስቶስ ብዛዕባ ሞት ምስትንታን ንሕይወትና ብሓደስቲ ኣዕይንቲ ንክንጥምት የኽእለና። ንሬሳ ናብ መቃብር እንክነሰኒ ንብረቱ ሒዙ ዝስዕቦ መጓዓዝያ ብምንም ተኣምር ርእየ ኣይፈልጥን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዘይ ምንም ንብረት ጁባ ብዘይብሉ መግነዝ ተገኒዝና ኢና እንሰናበት። ምንም ክንሕዝ ኣይንኽእልን። መግነዝ ጁባታት የብሉን። እዛ ኩነት ሞት ወትሩ ሓቂ እያ ንሬሳ ስዒቡ ዝኸይድ ምንም ንብረት የለን። ንኩሉ ገዲፍናዮ ኢና እንሓልፍ። ሓደ መዓልቲ ክንመውት እንተዀና ሒዝናዮ ዘይንኸይድ ንብረት ምእካብ ትርጉም የብሉን።  ክንእክቦ ዘሎናስ ምግባረ ሠናይ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዘሎካ ምክፍፋል ኣብ ቅድሚ ጽጉማት ሸለል ዘይምባል እዩ። ወይውን ሓደ መዓልቲ ንኩሉ ገዲፍና ክንመውት እንተኾና ንዝጠቅምን ዘይጠቅምን ጉዳያት ምስ ሓው ምስ ሓውቲ ምስ ዓርኪ መሓዛ ምብኣስ እንታይ ፋይዳ ኣሎዎ! ምስ ካልኦት ምቊጣዕን ባእስን ቂምታን እንታይ ትርጉም ኣለዎ! ኣብ ቅድሚ ሞት ብዙሕ ጒዳያት ዳግመ ግምት ይግበረሎም። ብዘይ ምንም ቂመ በቀል ምስ ኩሉ ተዓሪቅካ ሙማት ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ። ሓንቲ መራር ሓቂ ክገልጸልኩም እደሊ! ፈቲና ጸሊእና ኩልና ናብታ ማዕጾ ገጽና ኢና ንጐዓዝ ዘሎና።

ወንጌል ሞት ከም ሠራቂ ክትመጸኩም እያ ይብለና። ኢየሱስ ከምኡ ይብለና። ሞት ከም ሠራቂ ክትመጸኩም እያ ይብለና። ሽሕ’ኳ ንኩሉ ክንቆጻጸር ሒዂ እንተበልና ንሳ ግን ብሃንደበት መጺኣ ክንጸባጸብን ዘድሊ ምርጫ ክንገብርን ትግድደና።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንዓና ንክርስትያን ክልተ ነገራት ኣብ ቅድመና ይግተራ። እታ ቀዳመይቲ ብምንም ተኣምር ካብ ሞት ክነምልጥ ኣይንኽእልን፣ ስለዚኸኣ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቁ.2278 ‘ንምጽዋሩ ከቢድ ዝኾነን፣ ሓደገይናን ንቡርን ዘይኮነ፤ ወይ ከኣምስ’ቲ ውጽኢቱ ዘይመጣጠን ሕክምናዊ መስርሕ ምቍራጹ ሕጋውን ግቡእን ኪኸውን ዚኽእል እዩ። እዚ ከኣ “ካብ መጠን ንዝሓለፈ” ሕክምና ምንጻግ እዩ። ኣብ’ዚ ግን ሓደ ሰብ ንሞት ምኽንያት ኪህብ ደልዩ ማለት ኣይኮነን። ክትዓግቶ ብዘይምኽኣልካ ጥራሕ ትቕበሎ ኣሎኻ ማለት እዩ።’ እንክብል ብሰብኣዊ ዓቅምና ክግበር ዝከኣል ምስ ገበርና ካባኡ ንላዕሊ ምምጥጣር ሞራላዊ ኣይኮነን ብማለት ዝገልጾ። እታ ‘ብሰላም ከዕርፍ ግደፍዎ’ እትብል ህዝባዊ ኣበሃህላ ‘ብሰላም ክመውት ሓግዞ’ ዘስምዕ ዓቢ ጥበብ ዝሓዘ ብሂል እዩ። እታ ካልአይቲ ከኣ ንኩነታት ሞት ብዓንዲ ርእሱ ምስትንታን እዩ፣ ኣባኡ ዘሎ ቃንዛን ስቃይን ምሕሳብ እዩ። ከም ሓቁ ከኣ እቲ ጥበብ እግዚአብሔር ዝኾነ መድሓኒት ዘበርክተልና ሓገዝ ብምስጋና ክንቅበሎ ኣብ ፍጻሜ ሕይወት ዝርከብ ነፍሲወከፍ ሰብ ከኣ ሰብኣዊ ብዝኾነ ኣገባብ ክሳብ ትንፋሱ ትሓልፍ ክጥቀመሉ የድሊ። ነዚ ግን ምስቲ ክቀትል ዝደናደን ዘይቅቡል መድሓኒታት ክነደናግሮ የብልናን። ንዝሞቱ ንሞት ክነሰንዮም እምበር ሞቶም ክነቀላጥፍ ወይውን ክንቀትሎም የብልናን። እታ ሕክምና ንኩሉ እትብል መሰል ክሳብ እቶም ዝተደነሱ ምናዳ ሽማግለታትን ዝመግደሩን ብምንም ተኣምር ሸለል ክበሃሉ የብሎምን። ብሕይወት ምንባር መሰል እዩ ስለዚ ሞት ዘይኮነ ሕይወት ኢና እንቅበል። ብምንም ተኣምር ሞት ከነስዕብ የብልናን። እዚ ሞራላዊ ትምህርቲ እዚ ንክርስትያን ወይውን ኣመንቲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሎም መምርሒ እዩ። ኣብዚ ሓደ ማሕበራዊ ጸገም ክጠቅስ ምደለኹ። ሞት ሽማግለታት ብመደብ ምቅልጣፍ ዝብል ኩነት ኣሎ። ብዙሕ ግዜ ንሽማግለታት ዝኸውን መጋበሪ የብልናን ብዝብል ጒልባብ ዘድሊ መድሓኒት ኣይወሃቦምን! እንተ እዚ ግን ኢሰብኣውነት እዩ። እዚ ምሕጋዞም ዘይኮነ ናብ ሞት ምድፋኦም እዩ። እዚ ሰብኣዊ ኣይኮነ ክርስትያናዊ ኣይኮነ። ሽማግለታት ከም ፍሉይ መዝገብ ሰብኣውነት ክንከናኸኖም ኣሎና። ከመይ ንሶም ጥበብናን ሃብትናን ውርሻናን እዮም። እንተዘይተዛረቡን ሃለዋቶም እንተጥፍኡን ምልክት ሰብኣዊ ጥበብ እዮም። ቀቅድመና መንገዲ ሕይወት ዝመርሑን ብዙሕ ጽቡቅ ዝኽርታት ዝገደፉልናን ንሶም ስለዝኾኑ ሓደራ ሞት ሽማግለታት ኣየነቀላጥፍ። ንሓደ ሽማግለ ምክንኻን ልክዕ ከም ናይቲ ሕጻን እዩ ምኽንያት ምጅማር ሕይወትን ፍጻሜኡን ወትሩ ዓቢ ምሥጢር እዩ። እዚ ምሥጢር ከኣ ብክብሪ ክተሓዝን ክሕለየሉን ከተሰንዮን ክተፍቅሮን የድሊ።

ንምሥጢር ሞት ብዝበለጸ መንገዲ ንክነብሮ ቅዱስ ዮሴፍ ይደግፈና። ንሓደ ክርስትያን ጽብቅቲ ሞት መግለጺ ምሕረት እግዚአብሔር ኰይና ኣብታ ፍጻሜ ሕይወትና እውን ከምዘሰንየና ተመልክት። ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ክንደግም እንከሎና ኣብ ፍጻሜ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ግዜ ሞትና ክተሰንየና ንምሕጸና። ስለዚ ነዚ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ስለ እቶም ኣብ ምስግጋር ሕይወት ኣብ ድርኩዂት ድቅድቅ ጸልማት ሞት ዝርከቡን ስለ እቶም ኣብ ሓዘን ዘለው ስድራቤታቶምን ብሓባር ንድገማ።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 February 2022, 13:49

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >