ድለ

ትርጒም ሕይወትና ኣብ መንጎ ወለዶታት ብዝግበር ርክብ ስለዝግለጽ ነዚ ኪዳን'ዚ ነጽንዕ! ር.ሊ.ጳ

‘መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ እዩ፥ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ኸኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽአሎም። ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ከም መልክዑ ኸኣ ንእኡ ዚመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ። ዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኣዳም ዝነበሮ ዅሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ’ (ዘፍጥ 5.1-5)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ወለዶ ቀዳሞት ወለድና ኣብ ዘሎ ዛንታ ንውሒ ዕድመኦም ብኡ ንብኡ ቀልብና ይስሕብ! ዕድመኦም ዘመናት ከምዝነበረ ይነግር፣ ኣብዚ እንሓቶኸስ ሽምግልና ወይ እርጋን መኣስ ኮን ይጅምር! እዞም ጥንታውያን ኣቦታት ውሉድ ውሉዶም ርእዮም ንክንድዚ ዚኣክል ዕድመ ምንባሮም እንታይ ትርጉም ኮን ይህልዎ! ኣቦታትን ደቆምን ንዘመናት ብሓባር ይነብሩ። እዚ ናይ ዘመናት ዛንታ ብፍሉይ ሥርዓት እንክዝንቶ ኣብ መንጎ ንውሒ ዕድመን ወለዶን ዘሎ ሓያል እኳ ደኣ ብጣዕሚ ሓያል ፍሉይ መልእኽቲ ዘለዎ ምልክትን ዓሚቊ ትርጉሙን የመልክት።

ቅርብ ቢልካ እንክትምልከቶም ኣብታ ሓዳስ ፍጥረት ዓለምና ምትሕልላፍ ሕይወት ወዲሰብ ቀስ ብቀስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጐዓዝ ምጅማር ነበረ ክንብል ንኽእል። ኩሉ ሓዲስ ነበረ፣ ኣብ ምጅማር ታሪኽ ፍጥረት መንፈስን ሕይወትን ሕልናን ሓርነትን ተገዳስነትን ሓላፍነት ምልባስን ነበረ። እዛ ሓዳስ ሕይወት ማለት ሕይወት ወዲሰብ ኣብ መንጎ መበቆላ ማለት ብመልክዕን ኣምሳልን እግዚአብሔር ምፍጣራን መዋቲት ምዃና ዘመልክት ባህርያን ኣብ ዝነበረ ወጥሪ ብምንስፋፋ ክትርድኦ ዘሎካ ሓዲስ ጒዳይ ከምዘሎ ይቅጀለካ። ንውሕ ዝበለ ግዜ ሥርዓተ ምጅማርን ምስግጋርን ይሓትት ከመይ እቲ ዘይትርፍን ብግዲ ዘድልን ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ምድግጋፍ ተመኲሮ ንምልውዋጥን ምስ ብዙሕ ግድላት ሕይወት ብምንጽጻር ትርጉሙ ንምርዳእን ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣድለዮ። ኣብዚ ቀስ ብቀስ ዝጐዓዝ ነዊሕ ግዜ እዚ ዕብየት መንፈሳዊ ሕይወት ወዲሰብ እውን ይኲስኰስ ነበረ።

ብካልእ ኣዘራርባ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ኣብ ነፍስወከፍ ምስግጋር ዘመን እዚ ስምዒት እዚ ይመጸና! እዚ ከኣ መነባብሮ ደቂ ሰባት ብብዙሕ ሓደስቲ ተመኲሮታትን ሓደስቲ ሕቶታትን ኣብ ቅድመና እንክግተር ትርጉም ሕይወት ንዝምልከት ኩሉ ሕቶታትና ርግእ ቢልና ካብ መጀመርያ ጀሚርና ክንምልከቶ የዘኻኽረና። ርግጽ እዩ ውህሉል ዝኽሪ ባህልታት ማይ ዘይጠዓሙ ሓደስት ሕቶታት ሕይወት ንምስልሳል ቦታ ንክገድፉ ምርሳዕ ከምዝዓቢ ይገብር። ናይ ምትሕልላፍ ግዝያት እናጐደሉ ይኸዱ እንተኾነ ንኩሉ ንምርዳእ ዘድሊ ግዜ ወትሩ ትዕግሥቲ ይሓትት። እንተ እዚ ሎሚ ውሒጡና ዘሎ ታህዋኽን ቅልጣፈን ግን ንዝኾነ ተመኲሮ ሸፈፍ ኢሉ ይሓልፎ እሞ ነቲ ዘድሊ ቀለብ ተመኲሮ ኣይረክብን። ናይዛ ጸገም እዚኣ ማለት ኣብ መንጎ ወትሩ ሰዓት እናረኣኻ ብታህዋኽ ብምንቅስቃስ ዝሓርር ግዜን ምብልላዕን ብስለትን ህድኣትን ዘድልዮ ናይ ሕይወት ግዜን ግዳይ ዝኾኑ መንእሰያትና እዮም። እንተኾነ ነዊሕ ዕድመ ከምቲ ናይ ቀዳሞት ብንውሓት ግዜ ሕይወት ንዝርከብ ጥቅምን ነቲ ብታህዋኽን ቅልጣፌን ዝወርድ ጒድኣትን ከም እተስተማቅር ይገብረካ።

ርግጽ እዩ ሽምግልና ቅልጣፌኻ የጒድል እዩ፣ እንተኾነ እቲ ግዜ ምንም ናይ ዘይትገብረሉ ንብላሽ ከምዘይኮነ ከኣ ምርዳእ የድሊ። ንምንቅስቃስ ሽምግልና ምዕቃኑኸስ ንኩልና ነቲ ብታህዋኽ ዝሓልፈና ዘይፈለጥናዮ ትርጉም ሕይወት ከም እንድህስስ ይገብረና። ምስዚ ብዘገምታ ዝንቀሳቀስ ሩምታ ሕይወት ሽምግልና ርክብ እንተኣቋሪጽካ ነዚ ኩሉ ዕድል ንኩልና ይዓጹ። እዚ ከይከውን ከኣ እየ ዓመት መጸ መጨረሻ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ዕለት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኰይኑ ክበዓ ዝወሰንኩ። ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ጥርዝታት ሕይወት ዝርከቡ ወለዶታት ማለት ሕጻናትን ሽማግለታት ዝግበር ኪዳን ነቶም ዝተረፉ ክልተ ክፍልታት ሕብረተሰብና ማለት ንመንእሰያትን ዓበይትን እውን ትርጉም ሕይወት ብሰብኣውነት ሃብታም ከምዝኸውን ብምግባር ነንሕድሕዶም ከምዝተኣሳሰሩ ይገብር። ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘተ የድሊ! ኣብ መንጎ መንእሰያትን ሽማግለታትን ዓበይትን ዘተ እንተዘየሎ ነፍስወከፍ ወለዶ ተነጺሉ ይተርፍ እቲ መልእኽቲ ከኣ ኣይተሓላለፍን። ሕስብ እሞ ኣብልዏ! ምስ ሱርመሰረቱ ማለት ምስ ኣቦሓጎታቱን እኖሓጎታቱን ምትእስሳር ዘይብሉ ሓደ መንእሰይ ከምቲ ካብ ሱሩ ሓይሊ ረኺቡ ዝዓቢ ኦም ሓይሊ ስለዘረክብ ብሕማቅ ይዓቢ ምንም መወከሲ ዘይብሉ ሕሙም ሰብ ይኸውን። ስለዚ ኣብ መንጎ ወለዶታት ንዝግበር ርክብን ዘተን ንደቂሰብ ከምዘድሊ ጒዳይ ሃሰስ ክንብሎ የድሊ። እዚ ዘተ እዚ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ጫፋት መዋዕል ሰብ ዝበልናዮም ማለት ኣብ መንጎ ኣቦሓጎታትን ደቂደቅን ዘተ ኣድላዪ እዩ።

እስኪ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ተወሃሂዶም ዝነብሩላ ሓንቲ ከተማ ንሕሰብ። እስኪ ብምውቅ ርክብ ሽምግልናን ንእስነትን እተንጸባርቅ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ምህላው ንሕሰብ። ከምዚ እንተኾይኑ እቲ ኣብ ርእሲ ሓድሕድ ተደራሪቡ ዝነብር ወለዶታት ብሓቂ ንዝረኤን ክትነብሮ ንዝከኣል ሰብኣውነት ዘይነጽፍ ምንጪ ሓይሊ ምኾነ። ብዘሕዝን መልክዑ ናይ ዘመንና ከተማታት ሽማግለታት ዝጸልኣ ከምኡ እውን ብመጠኑ እኳ እንተኾነ ሕጻናት እውን ዘይደልያ ኰይነን ይረኣያ። ነዚ ናይ ምጒሓፍ ባህሊ እዚ ዘለዎ ማሕበረሰብና ሽማግለታትን ሕጻናትን ረብሓ የብሎምን መኽሰብ ኣየምጽኡን እናበለ ኣብ ገዛ ኣረጋውያንን ካልእን እናጐሓፈ ይነብር ኣሎ። መጠኑ ዝሓለፈ ቅልጣፌን ታህዋኽን ኣብ ምብጽባጽ ኣእትዩ ከም ጻቕዳ ይብትነና። ናይ ሕብረት ገጽታና ፈጺሙ ይድወን። ነፍሲወከፍ ኣብ ጨንፈሩ ይንጥልጠል! ብማዕበል ዕዳጋ ናይታ ከተማ ኸኣ ይወዛወዝ! ኣብዚ እቲ ዘገምታዊ ምንቅስቃስ ተመኲሮ ሕይወት ሽማግለታት ህጣሙ የጥፍእ ብታህዋኽ ዝህውጽ መጋበሪ ከኣ ንዋይ ይኸውን። መጠን ኣልቦ ታህዋኽ ከኣ ንሕይወትና ፋሕ ብትን ኣቢሉ ናብ ሓሙዂሽቲ ይልውጣ። ክብደታ ከምእትስእን ይገብራ። ኣብዚ እዩ እምበር ርግእ በል ንኩሉ ግዜ ሃቦ ዝብል ጥበብ ዘድልየና። ኣብ ዝወዓልካ ውዒልካ ገዛ እንክትምለስ ወድኻ ወይውን ጓልካ እንክትርእን ምሳኦም ዚኣክል ግዜ እንክተሕልፍን ምስ ውሉድ እተሕልፎ ግዜ ብሓቂ ንሕንጸት ማሕበረሰብ ኣድላዪ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ከምኡ እውን ኣብ ዝወዓልካ ውዒልካ ንገዛኻ እንክትኣቱን ኣብ ገዛ ኣቦሓጎ ወይውን እኖሓጎ እንተልዮም ምናልባት ብሽምግልና ኣእምሮኦምን መልሓሶምን ከምቲ ትደልዮ ዘይኮነ እውን እንተኾኑ ምስ እዚኦም እተሕልፎ ግዜ ንስድራቤት መላእ ዘመደ ኣዳም ዚሃንጽ ኩነት እዩ። ምስዚኦም ዝሓልፍ ግዜ ብከንቱ ዝጠፍኤ ግዜ ኣይኮነን። ክልቲኦም ፍሉይ ጠመተ ኣብ ሕይወትን ትርጉሙን ስለዘለዎም ምስ ሽማግለታትስ ይኹን ምስ ሕጻናት ብመደብ ግዜ ክነሕልፍ ኣሎና።

ገና ኣብ ትሕቲኡ ንክንነብር ተገዲድና ዘሎና ለበዳ ኮቪድ 19 ነቲ ሸሚሙ ከጥፍኣና ቀሪቡ ዝነበረ ናይ ጉያን ታህዋኽን መነባብሮ ገደብ ክነገብረሉ ብዘሕዝን መልክዑ ገዱዱና። ኣብዚ ዘመን እዚ እዩ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ጽምኢ ደቂደቆም ናይ ምርኣይን ምሕቋፍን ምሳኦም ግዜ ናይ ምሕላፍን ብመጠኑ ዘርወየሉ። እዚ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝረኤ ኪዳንከስ ሕይወትና ከንቱ ከምዘይኮነን ግዝያትን ምንቅስቃሳቶምን ክወሃህዱ ከምዝክእሉን ሕይወትና ትርጉም ከምዘለዎ ንምርዳእን ተስፋ ይህቡና። ንነፍስወከፍና ኸኣ ካብቲ ከቅህመና ቀሪቡ ዘሎ ታህዋኽ ዝመልኦ ሕይወት ካብ ምህዋጽ ሓራ ኣውጺኡ ፍቅሪ ናይዛ ተኣፋፊት ሕይወትና ከምእነሕድር ይገቢሩና። ኣብዚ እታ መፍትሒ ቀላል እያ! ንነፍስወከፍኩም ክሓተኩም፣ ምስ ሰባት ግዜ ክተሕልፍ ትኽእልዶ ወይስ ወትሩ ኣብ ሃውኽ ኢኻ! ግዜ የብለይን! እህወኽ ኣሎኹ ኣይክእልን! ምስ ኣቦሓጎታት እኖሓጎታት ምስ ዝሸምገሉ ግዜ ተሕልፍዶ! ምስ ደቅኻ ምስ ሕጻናት እናተዘናጋዕካ ግዜ ተሕልፍዶ! ዝብላ ሕቶታት ቀንዲ እምኒ ኲርናዕ ኰይነን ክንሓስበለን ዘሎና እየን። እስኪ ቁሩብ ኣስተንትኑ። ነዚ ምስ እንገብር ከምቲ ዝበልክዎ ካብቲ ከቅህመና ቀሪቡ ዘሎ ታህዋኽ ዝመልኦ ሕይወት ካብ ምህዋጽ ሓራ ኣውጺኡ ፍቅሪ ናይዛ ተኣፋፊት ሕይወትና ከምእነሕድር ይገብሩና። ዘገምታዊ ምንቅስቃስ ሽምግልናኸስ ነቲ ብንውሒ ግዜ ዝተወራረቀ ትርጉም ሕይወት ንምቅባል ወደር ኣልቦ መዝገብ ምንጪ እዩ። ሽማግለታት ቀስ ቢሎም እዮም ዝስጒሙ እንተኾነ ዝሕግዙና ስጉምታት እዮም። እዚ ኣስተንትኖ እዚ ዝሕግዘና ቀንዲ ጉዳይከስ ሕይወት መወዳእታ ምስ ጐይታ ንምርኻብ ከም እትስጉም እንከብረሃልና እዚ ከኣ ኣብቲ ጥንተ መንነቱ ማለት ፍጥረት ኣዳም ምምላስ እዩ። እዚ ማለት ዘመደ ኣዳም ናብቲ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠረሮን ምንጪ ኩለንትናኡ ዝኾነን እግዚአብሔር ገጹ ናብቲ ውሉድ ኣምላኽ ንክገብሮ ካብ ጥንቲ ኣብ ፍጥረቱ ናብ ዝተሓትመ መንነት ንክጐዓዝ ዝተገብረ መለኮታዊ መደብ ኣምላኽ የጒልሓልና።

ሎሚ ከም ሎሚ ንውሒ ዕድመ ደቂሰባት ይረኤ ኣሎ። እዚ ዕድል እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ደረጃታት ሕይወት ንዘሎ ርክብ ኪዳን ንከነዕቢ ባብ ይኸፍተልና። ብዙሕ ንውሒ ዕድመ ኣሎ እንተኾነ ኪዳንናን ርክብናን ክነዕብዮን ክነብዝሖን ኣሎና። ምስ ትርጉም ሕይወት ብምልኣቱ ምሕዝነትና ክነዕቢ እውን ይሕገዘና። ትርጉም ሕይወት ኣብቲ ንሕና ንሓስቦ መንጎ 25ን 60ን ዓመት ዕድመና ዘሎ ጥራይ ኣይኮነን። ትርጉም ሕይወትሲ ብምልኣት ካብ ልደት ክሳብ ሞት ኰይኑ ምስ ኩሉ ክዋሳእ ዝኽእል ምስ ኩሉ ደረጃ ሕይወት ፍሉይ ርክባት ክገብር ዝኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ብስለትካ ሃብታምን ዝሓየለን ይኸውን። ትርጉም ሕይወት ኩሉ ኩሉ ምዃኑ ንምርዳእ እውን ይሕግዘና። ነዚ ልውጢ እዚ ንምርካብ መንፈስ ቅዱስ ጥበቡን ሓይሉን ይዓድለና። ከመይ እዛ ለውጢ እዚኣ ብግዲ ተድልየና እያ። እታ ታህዋኽ ዝመልኣን ብደዔ ዝዓብለላ ሰዓት እናረአኻ እትንበር ሕይወት ኣብ ስጒምታት መነባብሮ ሕይወት ክትቅየር ኣለዋ። እዚ ለውጢ እዚ ኣብ ልባትና ኣብ ስድራቤትና ኣብ ማሕበረሰና ክንገብሮ ዘሎና እዩ። እደግሞ ኣሎኹ! እንታይ እንተበልኩም። እታ ታህዋኽ ዝመልኣን ብደዔ ዝዓብለላ ሰዓት እናረአኻ እትንበር ሕይወት ኣብ ስጒምታት መነባብሮ ሕይወት ክትቅየር ኣለዋ። ኪዳን ወለዶታትከስ ብግዲ ዘድሊ ዘይተርፍ ጉዳይ እዩ። ሽማግለታት ምስ መንእሰያት ዘይዘራረቡሉ መንእሰያት ከኣ ምስ ሽማግለታት ዘይዛረቡሉ ማሕበረሰብከስ መኻን ማሕበረሰብ መጻኢ ዘይብሉ ክንዲ የማነ ጸጋም ዝጥምት ኣብ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝጥምት ማሕበረሰብ እዩ። በይኑ ይተርፍ። ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ማለት ናኣሽቱ ሽማግለታት ዓበይቲ ንኩልና ብሓባር ዘዋሃህድ ቅኒት ጽብቅቲ ቅኒት ዘተ ንምርካብ እግዚአብሔር ይሓግዘና። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 March 2022, 14:28

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >