ድለ

ሽማግለታት ኣብ ምትሕልላፍ እምነት መታካእታ ኣልቦ ትዕድልቲ እዮም! ር.ሊ.ጳ

‘እግዚኣብሔር ድማ፣ እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያዕቆብን፣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ ኢለ ዝመሐልኩሎም ምድሪ፣ እዚኣ እያ፣ ብዓይንኻ ኣርኤኹኻ፣ ናብኣ ግና ኣይትሳገርን፣ በሎ። ሙሴ ባርያ እግዚኣብሔር ከምቲ ቓል እግዚኣብሔር፣ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብኣ ሞተ። . . . ሙሴ ኺመውት ከሎ፣ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፣ ኣዒንቱ ኣይሐመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ። . . . ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፣ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፣ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ከኣ፣ ከምቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝአዘዞ ገይሮም ተአዘዝዎ’ (ዘዳግ 34, 4-5, 7, 9)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ትረኻ ሞት ሽማግለ ሙሴ ብመዝሙር ሙሴ ብዝፍለጥ መንፈሳዊ ለበዋኡ ይጅምር። እዛ መዝሙር’ዚኣ ቅድሚ ዝኣገረ ጽብቕቲ ኑዛዜ እምነት እያ። ‘ስም እግዚኣብሄር እነግር ኣሎኹ እሞ፣ ንኣምላኽና ኣዕብይዎ። ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፣ እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፣ ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፣ ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ (ዘዳ 32,3-4) ዝብል ትሕዝቶ ኣለዋ። እንተኾነ ዝኽሪ ናይቲ ምስ እግዚአብሔር ዝተጓዕዞ ታሪኽን ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ ዝመልኦ ፍጻሜታት ጒዕዞ ናይቲ ካብ እምነት ኣምላኽ-ኣብርሃምን-ይስሓቅን-ያዕቆብን ዝተበገሰ ሕዝቢ ታሪኽን ነበረ። ስለዝኾነ ሙሴ በዛ መዝሙር’ዚኣ ገቢሩ ነቲ ዘጓነፎ ምረትን ካብ እግዚአብሔር ዘይተጸበዮ ምርካብን ነታ ብሕዝቢ እስራኤል ብቀጻሊ ትፍተን ዝነበረት እምነቱን እውን ይዝክር። ታሪኽ ተኣማንነት እግዚአብሔርን እምነት ዝጐደሎ መልሲ ሕዝብን፣ እዚ ማለት እቲ ሕዝቢ ንተኣማንነት እግዚብሔር ክፍትን ዝደልየ እንክመስል፣ እግዚአብሔር ግን ወትሩ ተኣማንን ቀረባ ሕዝቡን እዩ። ቀንዲ ትሕዝቶ መዝሙር ሙሴ ከኣ እዚ እዩ። ተኣማንነት ናይቲ ኣብ ምሉእ መዋዕል ሕይወትና ወትሩ ዘሰንየና እግዚአብሔር።

ሙሴ ነዚ ኑዛዜ እዚ እንክዝምር ኣብ ድርኩዂት ምድሪ ተስፋን ምፍናው ሕይወቱን ነበረ። እቲ ታሪኽ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበሮ። እንተኾነ ኣዒንቱ ኣይሐመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ ይብል።  እዚ ምርኣይ እዚ ብሓቂ ኣነጺርካ ርኢኻ ምኽኣል እንከመልክት ምልክታዊ ኰይኑ ከምቲ ዓበይትን ሽማግለታትን ንነገራት ጽቡቅ ገቢርካ ናይ ምርኣይ ኣብ ነገራት ንዘሎ መሠረታዊ ትርጉም ናይ ምርኣይ እውን ክኸውን ይኽእል። ንጻሬ ምርኣዩኸስ ሕሉፍ ጸጋ ነበረ። ነቲ ዘዋህለሎ ነዊሕ ተመኲሮ ሕይወትን እምነትን ኣድላዪ ብዝኾነ ንጻሬ ንከመሓላልፎ ይሕግዞ። ሙሴ ነቲ ታሪኽ ይርእዮ ከምኡ እውን የመሓላልፎ። ሽማግለታት ንታሪኽ ርእዮም ይኽእሉ ከምኡ ከኣ ንታሪኽ የመሓላልፉ።

ከምዚ ዓይነት ብሩህ ልቦና ዝዕደላ ሽምግልና ንዝስዕብ ወለዶ ዓቢ ጸጋ እዩ። ንዝሓለፈ ታሪኽ ተመኲሮ ጒዕዞ እምነት ምስ ኩሉ ደይብ ውረዱ ብኣካል ብቀጥታ ጽን ቢልካ ምስማዕ መተካእታ ኣልቦ እዩ። ምናልባት ነዛ ታሪኽ እዚኣ ካብ መጽሓፍቲ ክተንብባ ወይውን ብፊልም ክትርእያ ወይውን ኣብ ኢንተርነት ሃሰስ ክትብላ ጠቃሚ እኳ እንተኾነ ምስ ቀጥታዊ ትረኻ ፈጺምካ ክትወዳደር ኣይትኽእልን። እዛ ምስግጋር እዚኣ ሓቀናን ትክክለኛን ባህሊ ወይ ልማድ እንብሎ ካብ ሽማግለ ናብ መንእሰይ ብቀጥታ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ትፍጽም እያ። ሎሚ ከም ሎሚ እዚ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ዝግበር ምስግጋር እዚ ጐዲሉ ኣሎ፣ ስለምንታይ ቢልና ምስ እንሓትት፥ ምኽንያቱ እዛ ሓዳስ ምዕባሌና ሽማግለታት ጥቅሞም ዝሓለፈ እዮም ብማለት ንሽማግለታት ዘግልል ልማድ ስለዘጥርየ እዩ።  እዚ መግለጺ ኣልቦ ጭካኔ እዩ። ኣይፋል ንበሎ! ከምዚ ቢልካ ክንበር ኣይከኣልን እዩ። ካብ ሰብ ንሰብ ዝግበር ቀጥታዊ ትረኻ ብምንም ክትካእ ዘይከኣል ናቱ ዝኾነ ቃናን ኣገባብን ዘለዎ መተሓላለፊ እዩ። ነዊሕ ዕድመ ዝውንን ሽማግለ ወናኒ ንጽርትን መሳጢትን ዝኾነት ምስክርነት ታሪኽ ስለዝኾነ መታካእታ ኣልቦ ቡራኬ እዩ። ነዚ ናይ ሽማግለታት ጸጋ እዚ ክነለልን ክነኽብርን ንኽእልዶ! ሎሚ ከም ሎሚ ምትሕልላፍ እምነትን ትርጉም ሕይወትን ነዛ ንሽማግለታት ጽን ቢልካ እትሰምዓላ ጐደናዶ ይኽተል ኣሎ! ግላዊ ምስክርነት ክህብ እኽእል እየ፣ ጽልእን ቊጥዓን ውግእ ካብቲ ብ1914 ዓም ኣብ ፕያቨ ዝተዋገኤ ኣባሓጎይ እየ ተቀቢለዮ፣ ንሱ ነዚ ቊጥዓ ውግእ ኣመሓላሊፉለይ። ኣቦሓጎይ ስቃይ ውግእ ኩሉ ኣዘንትዩለይ። እዚ ከኣ ካብ መጻሕፍቲ ኣይትማሃሮ ካብ ካልእ ኣይትረኽቦ ካብ ኣቦሓጎታት ናብ ደቂደቂ እናኣመሓላለፍካ ኢኻ ትመሃሮ። እዚ ከኣ ማለት ምትሕልላፍ ተመኲሮ ሕይወት ካብ ኣቦሓጎታት ናብ ደቂደቂ መታካእታ ኣልቦ እዩ። ሎሚ ከም ሎሚ ከምኡ ኣይኮነን፣ ዝገደደ ከኣ ኣቦሓጎታት ሰኸም ሕብረተሰብ ዝኾኑ ክጐሓፉ ዘለዎም እዩ ይበሃለለይ! ኣይፋሉን! እኳ ደኣ ሕያው ዝኽሪ ናይ ሓደ ሕዝብን ስለዝኾነኡ መንእሰያትን ሕጻናትን ጽን ቢሎም ክሰምዕዎም ኣለዎም።

ኣብዛ ብፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባ ቅንዕቲ ባህሊ እትብሃል ሃብልና እዛ መንገዲ እዚ ብብዙሕ መንገዲ ኣብ ስድራቤትስ ይኹን ኣብ ማሕበረሰብ ኣብ ማሕበረክርስትያን እውን ከይተረፈ

ከም ዕንቅፋት ትግለጽ።  ዝገደደ ከኣ ገሊኦም ትምህርቲ ታሪኽ ይትረፍ ይብሉ! እዚ ከኣ ዝሓለፈ ታሪኽ ከም ተወሳኺ ሓበሬታ ኰይኑስ ናይ ዘሎ ትሕዝቶ ፍልጠት ስለዝቅንስ እዩ ይብሉ፣ ዘገርም እዩ! ትማሊ ከምዘይተወለድና ገሮም ይሓስቡ።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ እምነት ምትሕልላፍ ተመስጦ ታሪኽ ተመኲሮ ሕይወት ክጐድል ይረኤ። እምነት ምትሕልላፍ ማለት ለለይ ምባል ኣይኮነን፣ ተመኲሮ እምነትካ ምግላጽ እዩ። በዚ ከኣ ንኩሉ ግዜ ምፍቃርን ንዝሃብካዮ ቃል ተኣማኒ ምዃንን ኣብ ተወፋይነትካ ምጽናዕን ንቊሱላትን ጭኑቃትን ምርሕራሕ ከመይ ገቢሩ ክስሕበና ይኽእል! ጽጉም እዩ! ርግጽ እዩ ታሪኻት ሕይወት ናብ ምስክርነት ምስክርነት ከኣ ተኣመንቲ ናብ ምዃን የሰጋግሩ። ንታሪኽ ኣብ መደባትካ ዝጥምዝዝ ርእዮተ ዓለምስ ይኹን ንታሪኽ ኣብ ምድንፋዕ ጉጅሊኡ ዘመዓራሪ ፕሮፓጋንዳ ወይውን ንትምህርቲ ታሪኽ ንዝሓለፈ ኩሉ ዝኹንንን ንመጻኢ ዘስተናዕቅን ቤትፍርዲ ጌርካ ምቅራብ ፍጹም  ተኣማኒ ክኸውን ኣይክእልን። ተኣማኒ ምዃን ንታሪኽ ከምዘሎ ምዝንታው እንክኾን ነዚ ጽቡቅ ገቢሩ ክገብሮ ዝኽእል ከኣ ዝነበሮ ጥራይ እዩ። ስለዚኸስ ንሽማግለታት ምስማዕ ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ጽን ቢልካ ምስማዕ ብጣዕሚ ኣድላዩ እዩ፣ ሕጻናት ምሳኣቶም ከምዝዋስኡ ምግባር ኣድላዪ እዩ።

ወንጌላውያን ንቅዱስ ታሪኽ ኢየሱስ ብገርሀይና መንገዲ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጌጋታት ከይሓብኡ ዘይምርድዳእስ ይኹን ክሳብ እቲ ብኣርድእቱ ዝተኻሕዶ ብቅንዕና የዘንትው። ታሪኽከስ እዚ እዩ። እዚ እቲ ሓቂ እዩ፣ እዚ ምስክርነት እዩ። ሽማግለታት ቤተክርስትያን ዘመሓላልፍዎ ትዕድልቲ ዝኽሪኸስ እዚ እዩ፣ ነዚ ከኣ ካብ መጀመርያ ጀሚሮም ካብ ወለዶ ናብ ዝስዕብ ወለዶ ብምትሕልላፍ ገበርዎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ምስግጋር እምነት ክሳብ ክንደይ ዋጋ ንህቦ! ነቲ ሽማግለታት ማሕበር ዘመሓላልፍዎ ምስክርነትን ንመጻኢ ልቦም ዝኸፍቱ መንእሰያትን ክሳብ ክንደይ ግምት ንህቦ! ቢልና እንተኣስተንተንና ክሕግዘና እዩ። ኣብ ኣእምሮይ ሕጂ ቅጅል ዝብለኒ ብዙሕ ግዜ ዝነገርኩኹም ዛንታ እዩ! ሎሚ ክደግማ እደሊ! እምነት ብከመይ ይመሓላለፍ ብእትብል ሕቶ ይጅምር። መብዛሕቱኡ ግዜ ዋእ እዚ ደኣ ቀሊል ኣብዚ ሓደ መጽሓፍ እነሀልካ ኣጽንዓዮ፣ ክትብል ትኽእል፣ ኣይፋሉን! እምነት ብከምዚ ኣይመሓላለፍን! እምነትሲ ብቋንቋ ኣቦሓጎታትን ደቂደቅን ብቋንቋ ስድራቤት ኣብ መንጎ ወለድን ደቂደቅን ዝዝረብ ቋንቋ ይመሓላለፍ። ስለዚ ኣብ ስድራቤት ዘተ ዕላል እሂን ምሂን ምባል ምናዳ ሕጻናት ምስቶም ጥበብ እምነት ዝውንኑ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ተዋሲኦም ክኽእሉ ኣለዎም እብል።

ሓንሳእ ሓንሳእ ብዛዕባ እዛ ጉዳይ እዛ ኣስተንትን፣ መጀመሪ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዘመንና ብልግሲ ካብ ቃል እግዚአብሔር ይብግስ እሞ ብዛዕባ ዶግማን ሞራል እምነትን ምሥጢራት ቤተክርስትያንን ንጹር ሓበሬታ ይህብ። እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ፍልጠት ናይታ ካብ ምስማዕን ሓቀኛ ምስክርነት ታሪኽን እምነትን ሕይወትን ሕይወት ማሕበረክርስትያንን ካብ ትምስረት ጀሚርካ ዘሎ ታሪኽ ይጐድሎ። ካብ ሕጻንነት ጀሚርካ ኣብ ቤትትምህርቲ ክፍለ ግዜ ትምህርተ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ተጽንዕ፣ እንተኾነ ንመንነት ቤተክርስትያን መንእሰይ ምስ ኮንካ ኣብ ልዑል ክፍልታትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሃሰስ እናበልካን ይጽናዕ።

ብድምጺ ንምክታትል!
24 March 2022, 11:39

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >