ድለ

ንሽማግለታትና ዘድሊ ክብርን ፍቅርን ክንልግሰሎም ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ኣቦኡ ዘኽብር ሕድገት ሓጢኣቱ ይረክብ፣ ኣዲኡ ዘኽብር ድማ ሃብቲ ከምዝምዝግብ እዩ። ኣቦኡ ዘኽብር ብደቁ ክሕጐስ ኣብ መዓልቲ ጸሎቱ ከኣ ጐይታ ክሰምዖ እዩ። ነቦኡ ክብሪ ዘቅርብ ነዊሕ ዕድመ ክህልዎ እዩ፣ ንእግዚአብሔር ዝእዘዝ ንወላዲቱ ምጽንናዕ ክህብ እዩ። ወደይ ንኣቦኻ ኣብ ግዜ ሽምግልናኡ ሓግዞ ኣብ መዋዕሉ ከኣ ኣይተቈጠዓዮ። ምስ ምሉእ ሓይልኻ ስለዘሎኻ እንተተጸገምካ እውን ኣይትጨክን ኣይተስተናዕቆ፣ ኣቦኡ ዝጥንጥን ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ከምዝጸርፍ እዩ፣ ነዲኡ ዝብድል ድማ ካብ ጐይታ ዝተረግመ እዩ` (ጥበበ ሲራክ 3,3-26)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ በዚ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ተደጊፍና ናብ ተኣፋፍነት ሽምግልና ዘመሓላልፍ ጐዳና ክንከፍት ኢና። እዛ ተኣፋፊት ዕድመ እዚኣ ብዙሓት እእምሮኦም ብምዝንጋዕን ብምረትን ከማኡ እውን ብካልኦት ረድኤት ዘይምርካብን ካብ ኩሉ ዝበዀርካ ኰይኑ ዝስመዓካን ምጥርጣር ዘመልኣን ደረጃ እያ።  ርግጽ እዩ ተመኲሮ ተኣፋፍነት ሕይወትና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዕድመ ከጋጥመና ይኽእል። ስለዝኾነ ከኣ እታ ኣብ ሽምግልና እተጋጥም ሸለል ክንብላ ክሳብ እቶም ኣብቲ ደረጃ እቲ ዝበጽሑ ሸኸም ኮይኖም ዝስመዓና እውን ከጋጥም ይኽእል። ክንዶ ግዜ ኮን ይኸውን `እዞም ኣረግቶት እምበር ኣድኪሞምና` `ግደፈና በጃኻ እዞም ኣረግቶት ወትሩ ጸገም እዮም’ ዝብሉ ዘይሰማዕና። ኣይበልናን ኣይትበሉኑ! ኢልናዮን ሓሲብናዮን ኢና። ኣብ ሕጻንነትን ንእስነትን ዘጋጥሙ ቊስልታት ፍትሒ ከምዝጐደለ የነቃቅሑ እሞ ሰውራ ከምእነልዕልን ብሓይሊ ግብረመልሲ ክንህብን ክንቃለስን ንብገስ። እንተ ኣብ ሽምግልና ዘጋጥሙ ቊስልታት እኳ ደኣ ከበድቲ ቊስልታት ግን ሕይወት ከምኡ እዩ ይኽኣልዎ ዚኣኽሎም በሊዖም እዮም ብዝብል ኣተሓሳስባ ትስነ። በዚ ከምዚ ከኣ ሽማግለታትና ካብ ሕይወትናን ተመክሮናን ይግለሉ ክነርሕቆም ንደሊ።

ኣብ ልማዳዊ ተመኲሮ ደቂሰባት ፍቅሪ ወትሩ ንቅድሚት እያ ናብቲ ዝነበረ ሕሉፍ ብማዕረ እቲ ንቅድሚኣ ዘሎ እትዘውትሮ ሓይሊ ኣይትምለስን። ምስጋና ፍቅሪ እውን ከማኡ ይመስል። ወለድና ነዚ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ። ሽማግለታት ነዚ ጉዳይ እዚ ብኡ ንብኡ ይመሃርዎ። እንተኾነ ግልጸት ቅዱስ መጽሓፍ ሓዲስ መንገዲ መግለጺ ፍቅሪ ይምህር። እዛ መንገዲ እዚኣ ከኣ ንዝቀደመ ኣኽብር እትብል እያ። ንዝዓብዩ ምኽባር ንሽማግለታት ምኽባር ማለት እዩ።

እዚ ብምኽባር ዝግለጽ ፍሉይ መንገዲ እዚ ሓልዮትን ክብርን ንሽማግለታት ሃብ ብዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ዝተወራረቀ እዩ። እቲ ‘ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር’ ዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣብተን ንሙሴ ዝሃቦ ክልተ ክፍልታት ጽላት ኣብታ ካልአይቲ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። እዚ ነቦኻ ንወላዲኻን ነደኻ ንወላዲትካን ጥራይ ኣይኮነን ዝገልጽ። ንኩሎም ቅድመና ንዘለው ወለዶታት ነቶም ብዕድመ ጸጊቦም ምስቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ወለዶታት ግዜን ቦታን ዝሳተፉ የመልክት። ብካልእ ኣዘራርባ ሽምግልና ሕይወት የመልክት። እወ ዕድመ ዝጸገበ ሽምግልና።

ምኽባር እትብል ቃል ብሓቂ ነዚ ኣብ ዕድመ ሽምግልና ንዝከሓስ ፍቅሪ እትገልጽ ቃል እያ። ንሕና ፍቅሪ ወለድና ፍቅሪ ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ተቀቢልና ሕጂ ከኣ ክመልሶ ኣሎና ማለት እዩ። ሎሚ ክብሪ ወዲሰብ ዝበሃል ቃል ብዙሕ ንጥቀመሉ፣ እዚ ኸኣ ንማንም ሰብ ዝግባእ ክብሪ እዩ። ግርማ ሞገስ ሰብከስ እዚ ክብሪ እዚ እዩ። ኣቦኻን ኣደኻን ምኽባር ሽማግለታት ምኽባር እዚ ግርማ ሞገስ እዚ ከምዘለዎምን ክብሪ ከምዝግብኦምን ምፍላጥ እዩ።

ነዛ ብክብሪ እትግለጽ ፍቅሪ ኣጸቢቅና ነስተንትና። ንዝሓመመ ምክንኻን ንዝተጸገመ ምድጋፍ ውሕስነት ደገፍ ምርግጋጽ ክብሪ ክጐድሎም ይኽእል እዩ።  ክብሪ መኣስ ይጐድል እንተበልና ጥንቃቀን ፍቅርን ርሕራሔን ሓልዮትን ናይ ገርጨውጨውን ጐነጽን ክልወጥ እንከሎ ይጐድል። ብእርጋን ዝመጸ ድኻምነት ከም በደል ተወሲደ ክትቀጽዖ ያኢ እንክፍተን ክብሪ ይጐድል። ኣእምሮ ምጥፋእን ሕንፍሽፍሽን ናብ ቊጠዓን ዓመጽን እንከምርሕ ክብሪ ይጐድል። እዚ ኣብ ኣረጋውያን ዝሕለየሉ ኣብ ቤት ሕክምና ኣብ ቤትጽሕፈታት ኣብ ግሉጽ ቦታታት ከተማታትና ከይተረፈ ከጋጥም ይኽእል። ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንመንእሰይ ምስ ሸምገለ ከጋጥሞ ዝኽእል ጸገማትን ድኻምነትን ብምንጽጻር

ንመንእሰያት ገዛእ ርእሶም ክኽእሉ ምትብባዕ እውን ምስዚ ይቊጸር። ክትግምቶ ዘይትኽእል ሳዕቤን ይወልድ። ናይ ሓደ ግዳም ሓደር መጽለሊ ዘቃጽሉ መንእሰያት ርኢና ኢና! እሂ እንተበልካ! ከም ሓደ ጐሓፍ እዮም ዝርእይዎ። ብዙሕ ግዜ ሽማግለታትና ከም ሰኸም እንርእዮምን እንዛረብን እዞም መንእሰያት እዚኦም ዝለዓለ መግለጺና እዮም። ከመይ ካብ ምቅንጃውን ንካልኦት ሰሓቢ ምዃንን ሰተት ዝበለ መነባብሮ ከም ጐሓፍ ዘርኢ ባህሊ ስለዘጥረና። ጐሓፍ ትብል ከባድ ቃል እያ፣ እንተኾነ ንሽማግለታትና እንተዘየኽበርና ዋጋ እንተዘይሃብናዮ እንተኣጓኒናዮም ምጉሓፍ እዩ።

እዚ ንሽማግለታት ዘዋርድ ክብሪ ዘይህብ ብደዔ እዚ ከም ሓቁ ንኩልና እዩ ዘዋርድ። ንሓደ ሽማግለ እንተኣዋሪደ ንርእሰይ እየ ዘዋርድ ዘሎኹ። ኣብ መባእታ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መጽሓፍ ጥበብ ሲራክ ነዚ ዘይምኽባር ኣትሪሩ ይቃወሞ። ካብ ኣምላኽ መዓት ዝምህለል እዩ ይብሎ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ሓደ ታሪኽ ኣሎ። ትዝክርዎዶ ትኾኑ። እቲ ሓያልን ትጉህ ሰራሕተኛን ዝነበረ ኖህ ምስ ሸምገለ ወይነ የብዝሕ እሞ ይሰክር። ደቁ ዕራቁ ኮይኑ ከይበራበር ቢሎም ይኸድንዎ፣ ነዚ ግን ዕራቁ ምዃኑ ከይርእዩ ስለክብሩ ደኒኖም እዮም ዝገብርዎ። እዚ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ክብሪ ሽማግለታት ክሳብ ክንደይ ኣድላዩ ምዃኑ ይገልጽ። ሕፍረት ንከይስምዖም ንሽማግለታት ድኻምነቶም ከዲንካ ሸፊንካ ምኽኣል ማለት እዩ። ብዙሕ ክሕግዘና ዝኽእል ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ።

ናይ ዘመንና ዝሃብተማን ዝተደራጀዋን ማሕበረሰባት ንሽማግለታት ዘድሊ ኩሉ ይቅርባ፣ ስለዚ ጒዳይ ነመስግነን፣ እንተኾነ ነዛ ፍልይቲ መግለጺት ፍቅሪ ዝኾነት ዝግባእ ክብሪ ምሃብ ግን ገና ድኹምን ዘይበሰለን ኰይኑ ይረኣየኒ። ነዛ ክብሪ ዓበይቲ ክንድግፋን ክነተባባዓን ዝተኻእለና ኩሉ ክንገብር ኣሎና። ነቶም ነዚ ምዕባሌ ፍቅሪ ኣዚ ኣብ ምውዳድ ዝነጥፉ ዝለዓለ ማሕበረሰባውን ባህላውን ደገፍ ከበርክቱ ነተባብዓዮም። ነዚ ብዝምልከት ንወለዲ ሓንቲ ምኽሪ ክህብ ምድለኹ። በጃኻትኩም ንደቅኹም ንሕጻናት ንመንእሰያት ደቅኹም ናብ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ከምዝቀርቡ ግበሩ። ሓደ ሽማግለ እንተደኣ ሓሚሙ ወይውን ኣእምሮኡ እንተኣጥፊኡ ብዝበለጸ ወትሩ ቅረብዎ። ከመይ እዚ ስጋና ምዃኑ ንሕና ከም እንውለድ ዝገበረ ክንህሉ ምኽንያት ዝኾነ ንሱ እዩ። በጃኻትኩም ንሽማግለታት ካባኻትኩም ኣይተርሕቅዎም። ናብ መዕቆቢ ሽማግለታት ምስዳዶም እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ኣብ ዘይትረኽቡሉ ግዜ በጃኹም ወትሩ ምስ ደቅኹም ከድኩም ርኸብዎም። ከምዚ ምስ እንገብር ክብሪ ምዕባሌና ንገልጽ ማለት እዩ። ብዙሕ ግዜ ንኣሽቱ ደቅና ነዚ ይዝንግዕዎ እዮም። ኣብ ቦነስ ኣየረስ እንከሎኹ ደስ ዝብለኒ ዝነበረ ጉዳይ ከዕልለኩም። መዕቆቢ ሽማግለታት ምብጻሕ ደስ ይብለኒ ነበረ። ንነፍሲወከፎም ሰላም እብሎምን አዘራርቦምን ነረ። ሓደ ግዜ ንሓንቲ ሽማግለ ‘ክንደይ ደቂ ኣለውኺ` ኢለ ሓቲተያ፣ ኣርባዕተ ኣለውኒ፣ ኩሎም ተመርዕዮም ምስ ደቆም ኣለው’ በላኒ፣ ‘እሞ ክበጽሑኺ ይመጹዶ’ ምስ ‘እወ ወትሩ ይመጹ’ በላኒ። እንተኾነ ደሓር ካባኡ ምስ ወጻእኩ እታ ኣላዪት ሕሙማት ‘ኣባቴ ደቃ ክትሽፍን ኢላ ሓሶት ተዛሪባ ዝመጻ ሰብ የለን፣ ሻድሻይ ወርሓ እዩ ዝተቀልቀለ የለን’ በለትኒ።  ንሽማግለታ ምጒሓፍከስ እዚ እዩ። በጃኹም ኢለኩም እዚ ዓቢ ሓጢኣት እዩ። እዚ ነቲ ‘ኣብ ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ክህልወካ ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር` ዝብል ብልጫ ዘለዎ ቀዳማይ ዓቢ ትእዛዝ  እዩ። በረኸት እዩ ምሳኡ ከኣ ነዊሕ ዕድመ ከም እትውንን ይገብር። ጉዳይ ምብልጭላጭ ኣይኮነን። ጉዳይ ክብሪ እዩ። ነቲ ንመንእሰያትና ብዛዕባ ሕይወትን ደረጃታቱን እነቅርበሎም ትምህርቲ ንለውጦ። ናይ ደቂሰባት ሓባራዊ ጉዳይ ንኩሉ ዘጠቃልል ፍቅሪ ንሕይወት ብምልኣታ ምፍቃራና ምኽባራን ንሽማግለታት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን ንንእስነት ከም እተንጸባርቅ ዝገብር ዝበለጸ ውርሻ እዩ። ጥበብ መንፈስ ቅዱስ ነዛ ሓቀኛን ቅንዕትን ለውጢ ባህሊ ብዘድሊ ሓይሊ ክንፍጽማ መኣዝናትና ይኽፈተልና።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 April 2022, 18:24

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >