ድለ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውግእ ኡክራይና ምንም ክገብር ኣይከኣለን! ሓያላን ከኣ ይዕብልሉ! ር.ሊ.ጳ

‘ምስ ደሐንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሃል ፈለጥና። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቚርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና’ (ግሐ 28.1-2)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ማልታ ኣሕሊፈየን። እዚ ሓዋርያዊ ጒዕዞ እዚ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝሕሰብ ዝነበረ እኳ እንተኾነ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድን ሳዕቤኑን ንክልተ ዓመታት ተናዊሑ። ብዙሓት ማልታ ኣብ ማእከል መዲተራንያን ትርከብ ደሴት ምዃና አኳ እንተተገንዘቡ ካብቶም ንወንጌል መጀመርያ ዝተቀበላ ሃገር ምዃና ብዙሓት ኣይፈልጡን እዮም። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ስብከተ ወንጌል ምስ እንሓትት ከኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጒዕዞ እንከሎ መርከቦም ብማዕበል ምስ ተሰብረት ናብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ብምጽጋዕ ብእምነት እግዚአብሔር ንኩሎም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ልዕሊ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ዝኾኑ ሰባት ኣድሓነ። ከምቲ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ዝትርኾ ከኣ ሰብ ማልታ ብፍሉይ ሰብኣውነት ተቀበልዎም። እዚ ኣድላዪ እዩ ኣይትረስዕዎ! ብፍሉይ ሰብኣውነት ንጽጉም ምቅባል! ነዘን ብፍሉይ ሰብኣውነት ዝብላ ቃላት መሪሕ ናይ ሓዋርያዊ ጒዕዞይ ክኾና መሪጸ፣ ምኽንያቱ ድማ ንጉዳይ ስደተኛታት ከመይ ቢልካ ትቅበሎ መንገዲ ዝሕብራ ጥራይ ዘይኮና ዓለምና ሕውነት ኪዓስሎ ኣብ ጸገም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣሎኹ ክብል እሞ ካብቲ ንኩልና ክሸመና ቀሪቡ ዘሎ ማዕበል ከድሕና፣ ከመይ ከምቲ ዝተማሃርናዮ ንሕና ኩልና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ኢና ንጐዓዝ ዘሎና። ማልታኸስ በዚ ኣመለኻኽታ እዚ ቦታ ፍታሕ እያ።

ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሃገረ ማልታ ኣብ ማእከል እቲ ንኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኤስያ እውን ከይተረፈ ዘማእክል ባሕሪ ሜዲተራንያን ትርከብ። ሃገር ማልታ ጽጌረዳ ንፋሳት ኰይና ሕዝብን ባህልታቶምን ዚራኸቡላ 360 ዲግሪ ንከባቢ ባሕሪ መዲተራንያ ንክትዕዘብ ዕድል ትህብ። ሎሚ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጂኦፖሎቲካ ይዝረብ እንተኾነ ናይ ዓለምና ሓያላን ከምዚ ሕጂ ኣብ ውግእ እንዕዘቦ ዘሎና ቊጠባውን ሥነሓሳባውን ወተሃደራውን ጽልዋኦም ብምስፋሕ ጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ንምርግጋጽ ዝጥቀሙሉ እስትራተጂ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ሃገረ ማልታ በዚ መንጽር እዚ እንክትረኤ ናይተን ናኣሽቱን ሃገራት መሰልን ሓይልን ትጽብጸብ እንተኾነ ብታሪኽን ምዕባለን ዝሃብተመት ሃገር ኰይና ካብዚ ዝተጠቅሰ እስትራተጂ ፍልይ ዝበለ ኣተሓሳስባ ተደንፍዕ፣ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ ክብርን ሓርነትን ኰይኑ ተጻይ ዕብለላ ሓያላን ብዙሕነትካ ዓቂብካ ከመይ ቢልካ ብሓባር ክትነብር ከምዝከኣል ብግብሪ ተርኢ። ዕብለላ ሓያላን ክበሃል እንከሎ እዚ ሕጂ ዘጋጥመና ዘሎ ምረት እዩ። እዚ በቲ ዝዕብለል ጥራይ ዘይኮነ በቲ ካልእ ወገን ኣሎ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓዲስ መሠረት ታሪኽ ሰላም ክግበር ተፈቲኑ፣ እንተኾነ ኣይንመሃርን ኢና፣ እታ ኣረጊት ናይ ዓበይቲ ርእሰ ሓያላን ምሕንሓን ቀጺሉ። ኣብዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ውግእ ኡክራይና እውን እንተኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምንም ክገብሩ ከምዘይከኣሉን ከምዘይክእሉን እዩ።

ብካልኣይ ደረጃ ሃገረ ማልታ ጒዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ቀንዲ ቦታ እያ፣ ኣባኡ ኣብ ዝርከብ ዮሓንስ መበል 23 መቀበል ስደተኛታት ድሕሪ ዘስቅቅ ጒዕዞ ናብታ ደሴት ዝተማዕቈቡ ብዙሓት ስደተኛታት ረኺበ። ምስክርነቶም ካብ ምስማዕ ክንደክም የብልናን ከመይ በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ ካብቲ ዝተጠምዘዘ ምግዋሕ መራኸቢ ብዙሓን ዝውጻእ፣ ጽን ቢልካ ብምስማዖም ጥራይ ገጻትን ታሪኻትን ቊስልታትን ሕልማታትን ተስፋታትን ናይዞም ስደተኛታት ክትርዳእ ይከኣል። ነፍስወከፍ ስደተኛ ፍሉይ ኣካል ሰብ ከማና እምበር ቊጽሪ ኣይኮነን፣ ነፍስወከፍ ስደተኛ ከማይን ከማኹምን ክብሩን ባህሉን መሠረቱን ዘለዎ ሰብ እዩ! ነፍስወከፎም ካብቲ ሒዝዎ ዝመጽእ ጸገም ዝለዓለ ሃብቲ ሒዙ እዩ ዝመጽእ፣ ኣህጉር ኤውሮጳ ብስደተኛታት ከምዝቆመት ኣይረስዕ።

ርግጽ እዩ፡ ምቅባል ስደተኛ መሥርዕ ክሕዝ ኣለዎ! ከማኡ እውን ክመሓደር ኣለዎ፣ እንተኾነ ቅድሚ ኩሉ ሓቢርካ ብዓለምለኸ ደረጃ መደብ ምሕጻጽ የድሊ። ምኽንያቱ ከኣ ዓቢይ ምልክት ዘመንና ኮይኑ ስለዘሎ ጉዳይ ስደተኛታ ከም ሕጹጽ ጉዳይ ጥራይ ክረኤ የብሉን። ከምዘለዎ እዩ ክንበብን ክትርጐምን ዘለዎ፣ እዚ ምልክት እዚ ምልክት ግጭት ወይውን ምልክት ሰላም ክኸውን ይኽእል። ኩሉ ካባና እዩ ከመይ ቢልና ከም እንምልከቶ ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ሃገረ ማልታ ንመቀበል ስደተኛታ ዮሓንስ መበል 23 ዘቆመ ክርስትያናዊ ምርጫ እዩ ገሩ፣ ቤተሙከራ ሰላም ቢሉ ከኣ ሰምይዎ። እንተኾነ ሃገረ ማልታ ብምልእታ ቤተሙከራ ሰላም እያ ክብል እደፍር። እታ ሃገር ብምልእታ ብእትገብሮ ዘበለ ኩሉ ቤተሙከራ ሰላም እያ። ነዚ ምሉእ ብምሉእ ክተረጋግጾ እትኽእል ከኣ ኣብቲ ሕውነታውን ርሕራሔን ምድግጋፍን ዝመለለይኡ ውርሻታታ እንተኣድሂባ እዩ። ሕዝቢ ማልታ ነዚ ውርሻታት እዚ ምስቲ ሕይወት ዝህቦም ወንጌል እዮም ተቀቢሎሞ።

ስለዚኸኣ እየ ከም ጳጳስ ሮማ ነዚ ሕዝቢ እዚ ኣብ እምነትን ሱታፌን ከጽንዕ ዝኸድኩ፣ ከም ሓቁ ከኣ ናብ ሳልሳይ ኩነት ናይ ማልታ ንሰግር፣ ማልታ ማእከልን መፍትሕን ናይ ስብከተ ወንጌልን ስፍሓቱን እውን እያ። ካብተን ክልተ ሰበኻታት ናይታ ሃገር ማለት ሰበኸታት ማልታን ጎዞን ብዙሓት ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከማኡ እውን ምእመናንን ንስብከተወንጌል ብምውፋር ናብ መላእ ዓለም ምስክርነት ክርስትና ኣብጺሖም። እዚ ከኣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ብኣኡ ምሕላፍ ኣብ ደም ማልታውያን ተልእኮ ስብከተወንጌል ከም ዝወቀጠ እዩ ዘምስል፣ በዚ ምኽንያት እዚ ሓውጾተ ኖልዎይ ነዚ ወፈያኦም ንምምስጋን ከማኡ እውን ንእግዚአብሔር ቅዱስ ሕዝቢ ማልታን ጎዞን ምስጋና ንምቅራብ ነበረ።

ብኩሉ ኩሉ እንክትጥምት ግን ኣባኡ እውን ንፋስ ዓለማውነትን ሓሳዊ ባህሊ ዓውለማውነት ሃልክን ሓዲስ ካፒታሊዝምን ተዛማድነትን ይነፍስ ኣሎ። እንተኾነ ኣባኡ እውን ሓዲስ ስብከተወንጌል ይካየድ ኣሎ። እዛ ኣነ ዝፈጸምክዋ ሓውጾተ ኖልዎ ከምቲ ቅድመይ ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ናብ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ እንክሳለም ካብ ምንጪ ከም ምቅዳሕ ነበረ፣ ከመይ ወንጌል ምስ ሕዳሴኡን ዓቢይ ውርሻ ሕዝባዊ ጒዕዞ እምነቱን ካብ ማልታ እዩ ዝፍልፍል። እዚ ከኣ ኣብቲ ሥርዓተ ጸሎት ርክብ ዝገበርክሉ ኣብ ደሴት ጎዞ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ታ ፒኑ ተመልኪቱ ንረኽቦ። ኣብቲ ቦታ እቲ ኣብ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ብዙሕ ምትእምማን ዘለዎ ህርመት ልቢ ማልታውያን ይስማዕ። ድንግል ማርያም ወትሩ ናብቲ መሠረታዊ ጉዳይ ማለት ናብቲ መሓሪ ዝኾነ ፍቅሩ ናብ ዝተሰቅለን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ክርስቶስ ተብጽሓና። ታሕጓስ ቤተክርስትያን ስብከተወንጌል ብምዃኑ ነዚ ታሕጓስ ስብከተ ወንጌል ኣበራቢሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘሰጋግር ቀንዴል እምነት ኣብ እሳት መንፈስ ቅዱስ እናጠማዕና ወትሩ ሕያው ንክንገብራ ድንግል ማርያም ትሓግዘና። ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበልዋ ኣይረሰዓያ! ታህጓስ ቤተክርስትያን ስብከተወንጌል እዩ። ናይ ቤተክርስትያን ዝበለጸት መግለጺት ስለዝኾነት ነዚ ኣይንረሰዓያ።

ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቂመ ስለ ምቅሉልነቱን ሕውነቱን ንፕረሲደንት ሪፓብሊክ ማልታ ምስጋይ ዳግም እገልጽ ከመይ ንኣኡን ንስድራቤቱን ንቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ሰበሥልጣንን ምስጋና ይኹን ሠናይ ተቅባል ተገሩለይ። ከማኡ እውን ኣቡናትን ኩሎም ኣባላት ማሕበረ ክርስትያንን ብጸሎት ዘሰነዩኒ ኩሎም አመስግን። ንማእከል ስደተኛታት ዮሓንስ መበል 23 ከይጠቀስኩ ኪሓልፍ ኣይደልን፣ ኣብቲ ቦታ ወዲ 91 ዓመት ዝኾኑ ፍራንቸስካዊ ሓው ኣባ ድዮኒዝዮ ሚንቶፍ ብምትሕብባር ሓገዝ ሰበኻ ነቲ ተቁዋም ገና ዝመርሕ ዘሎ ከይጠቀስኩ ኪሓልፍ ኣይደልን። እዚ ነቲ ሎሚ ብዙሕ ጐዲሉና ዘሎ ሓዋርያዊ ቅንኣትን ፍቅሪ ስደተኛታትን ዓቢ ኣብነት እዩ። በዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዝተኻእለና ዘርኢና ኣሎና ዘዕቢ ግን ጐይታ እዩ። መወዳእታ ዘይብሉ ሕያውነቱ እኹል ፍረ ሰላምን ሠናይ ነገርን ንሕዝቢ ማልታ ይሃብ። ስለቲ ሰብኣውን ክርስትያናውን ዝኾነ ተቅባሎም ነዞም ሕዝቢ እዚኦም አመስግን። ብዙሕ ምስጋና ይብጸሓዮም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
06 April 2022, 15:56

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >