ድለ

እምነት ‘ጉዳይ ኣረግቶት’ ኣይኮነን ብክብሪ ኪተሓዝ ዘሎዎ ጉዳይ ሕይወት እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ካብቶም ብኩሎም ዝተኸብሩን ዝተሓፍሩን ደቂ እስራኤል ኣልኣዛር ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ከም ሰብ ከኣ ክብሪ ዝመልኦ ሽማግለ ሰብ ነበረ፤ ሥጋ ሓሰማ ኣመንጊጎም ኪበልዕ ኣገደድዎ፤ ንሱ ግና ብርኽሰት ካብ ምንባር ናይ ክብሪ ሞት ሓረየ፤ ነቲ ሥጋ ጡፍ በሎ እሞ ብገዛእ ፍቃዱ ናብቲ ቦታ ስቃይ ብትብዓት ከደ! .. እቶም ኣብቲ ዘይቅዱስ መሥዋዕቲ ሓላፍነት ዝነበሮም ንበይኑ ኣግልል ኣቢሎም፤ ካብቲ ብሕጊ ኦሪት ኪበል ዖ ዝተፈቅደሉ ሥጋኪኬምጽ ኡሉ እሞ ነቲ ንመሥዋዕቲ ዝ ኣዘዞ ጽዩፍ ሥጋ ዚበል ዕ ዘሎ መሲሉ ኪበልዕ መኸርዎ ኣልኣዛር ግና ነቲ ምሉ እ ዕድሚኡ ዝተዳለውሉ ሠናይ ነገርን ነቲ ክብሪ ሽምግልናኡን ከም ኡውን ንኽብሪ ሽበቱን ነቲ ካብ ሕጻንነቱ ጀሚሩ ዝ ዓበየሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህቦ ብሉጽን ቅዱስን ዝኾነ ሕጊ እናሓሰበ ልዑል ውሳኔ ገበረ፤ ‘ቀልጢፍኩም ቅተሉኒ’ ድማ በለ።

‘ከምዚ ከማይ ዕድመ ዝጸገበ ሰብኣይ ከምዚ ዝመሰለ ምትላል ኪገብር ግቡእ ኣይኮነን። መን እሰይ ‘ኣልኣዛር ኣብ ተስዓ ዓመት ዕድሜኡ ጓና ዝኾነ ሃይማኖት ተቀቢሉ’ ኢሎም ኪሓስቡ የብሎምን፤ ኣነ ነዚ ሥጋ እዚ ንሓጺር ጊዜ ንክነብር ኢለ ኣምሲለ እንተደኣ በሊዔዮ፤ ኣብ ዕድመይ ኅፍረትን ነውርን ኬውርደለይ እዩ፤ ንብዙሓት መንእሰይ ድማ ናብ ጥፍኣት ኪመርሖም እዩ’ በሎም። (2 መቃ 6.18-25)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ሽምግልና ኣብ እንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ሎሚ ካብ ቅዱስ መጽሓፈ ኣልኣዛር ዝሽሙ ኣብ ግዜ ስደት እምነት ኣይሁድ ናይ ኣንትዮክ ኤጲፋንዮስ ዝነበረ ሽማግለ ክንምልከት ኢና፤ ኣብነታዊ ምሳሌ እዩ። ኣብነቱ ኣብ መንጎ ክብሪ እምነትን ሽምግልናን ዘሎ ፍሉይ ርክብ ምትእምማን ምስክርነት የረክበና። ክብሪ እምነትካ ምሕላው ጸጸኒሑ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቅጥን ስደትን እኳ ዓመጽ ዝመልኦ ገፋዒ ባህሊ ገዛእቲ ከም ሓደ ግዜኡ ዘሕለፈ ጥንታዊ ጉዳይ ወይውን ኣረጊት ጥንቆላ ኣምሲልካ ወዘተ ከተሕቅቆን ክተጥፍኦን ምቅላስ ወትሩ ምስ ተራእየ እዩ።  

ብምሉኡ ኣብ ገዛ ተመሊስኩም ክተንብብዎ ዘሎኩም ቁሩብ ክፋሉ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ትረኻ ቅዱስ መጽሓፍ ዕብራውያን ብሓደ ኣዋጅ ንጉሥ ነቲ ንኣማልኽቱ ዝተሠወዔ ሥጋ ክበልዑ ዝተገደደሉ ፍጻሜ የዘንቱ። ተርታ ናይቲ ክቡርን ሕፉርን ሽማግለ ኣልኣዛር ምስ በጽሔ፤ ብኩሉ ክቡርን ሕፉርን ወዲ 90 ዓመት ኣቢሉ ነበረ፤ ነዚ ዘስተውዓሉ  ኣማኸርቲ ንጉሥ ዝነበሩ ከምዝበልዔ ከምስል ማለት ነቲ ሥጋ ብሓቂ ከይበልዔ ዝበልዔ ከምስል ካብቲ ንጣዖት ዝተሓርደ ዘይኮነ ካልእ ክኹልስ እሞ ሕይወቱ ከድሕን ይመኽርዎ፤ ግብዝነት! ግብዝነት እምነት! ኤእ እንታይ ይግበር ኮይኑ ሎሚ እውን ብዙሕ ግብዝነት እምነት ኣሎ፤ ግብዝነት ቤትክህነት እሞ ኸኣ ዝገደደ! ብዙሕ ኣሎ፤ እዚኦም ኣማኸርቲ ንኣልኣዛር ዝብልዎ ከኣ ‘እንታይ ጸገም ኣለዎ ግብዝ ኩን ማንም ኣየስተውዕለሉን እዩ’ ይብልዎ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ሕይወቱ ከድሕን ከምዝኽእል ብስም ዕርክነትን ዝገብሩሉ ናይ ምሕረት ሥራሕን ይፍትንዎ፤ ብግብዝና ነጻ ምዃን! ምህዳም! ኩሉ ተደማሚሩ ሕይወቱ ከድሕነሉ ዝኽእል ዝተሓተ ጉዳይ እዮም ዝሓትዎ ዘለው! ዝበልዔ ከምስል!  

ርግጽ እዩ! ን እሽቶ ጉዳይ ይመስል እንተኾነ ንጽርን ቆራጽን መልሲ ኣል ኣዛር ንዓና ዘደንቅ ምጉት የቅርበልና፤ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ እዚ እዩ፤ ክብሪ እምነት ኣብ ሽምግልናኻ ምጒዳል! ቁሩባት ዕለታት ኣብ ሕይወትካ ንክትውስኽ! እዚ ቁሩብ ዕለታት ግን ምስቲ ንመንእሰያትን ንዝስዕብ ምሉእ ወለዶታትን ዝገድፎ ውርሻ እምነት ፈጺምካ ዝነጻጸር ኣይኮነን። ረኣዩሞ ኣልኣዛር ክሳብ ክንደይ ንፉዕ ምዃኑ! ንምሉእ መዋእሉ ምስ እምነቱ ብውህደት ዝነበረስ ሕጂ ኣብ እርጋኑ ብ ኣምሰሉነት ክኽሕድ እሞ ኸኣ ነቲ መንእሰይ ወለዶን ድሕሪ ዝስ ዕብ ወለዶታትን ኩሉ እቲ ዚኣምኖ ዝነበረ ሓሶት ከምዝኾነ ብደገ ብሰብ ክትረኤ ጥራይ ዝግበር ኣምሲልካ ብደገ ክሒድካ ኣብ ውሽጥኻ ጥራይ ክትሕዞ ዝከኣል እዩ ቢልካ ምስትምሃር ንኣልኣዛር ኣይተዋሕጠሉን፤ ከምዚ ዓይነት ጠባይ ን እምነት ኣየኽብርን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እውን ክብሪ ኣይህብን። ሳዕቤን ናይዚ ኣፍኣዊ ግብዝነት እዚ ንውሳጣዊ ሕይወት መንእሰያት ንዘለዓለም ከዕኑ ይኽእል። ንመጻኢ ናይ መንእሰያት ዝሓሊ ኣተሓሳስባ ናይዚ ሽማግለ ብሓቂ ዘደንቅ እዩ! ንመጻኢ ውርሻ እምነት ሕዝቡ ይሓሊ።

እዛ ንሽማግለታት ናይ ወትሩ እተመልክዕ ሽምግልናኸስ ወሳኒ ቦታ ከማኡ እውን መተካእታ ኣልቦ ምስክርነት ኮይና ትቀርበና ኣላ፤ ሓደ ብተኣፋፍነቱ ንጉዳይ እምነት ብዝምልከት ወለቅዘለቅ ክብል እንከሎ ንመን እሰያት ዘመሓላልፎ ትምህርቲ እምነት ምስ ሕይወት ምንም ዓይነት ሓቀኛ ርክብ ከምዘይብሉ እዩ ዘምስል፤ ስለዝኾነ ከኣ ጉዳይ እምነት ክትስ ዕቦን ክትነጽጎ ዚከኣል ንሕይወት ምንም ዓይነት ኣገዳስነት ዘይብሎም ልማዳትን ጠባያትን ኰይኖም ኪረኣዩ ይከኣል።

ኣብ ጥንታዊ ስሑት ኣተሓሳስባ እምነት ኣብ ምጅማር ክርስትና እውን ከይተረፈ እምነትሲ መንፈሳዊ ጉዳይ እምበር ብተግባር ዝግለጽ ኣይኮነን ሓደ ሓይሊ ናይ ኣተሕሳስባ እምበር ንመነባብሮ ሕይወት ዝምልከት ኣይኮነን ዝብል ኣሎ፤ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነዊሕ ዝተጓዕዘ ኣረጊት ኣተሓሳስባ እዩ፤ በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ምትእምማንን እምነትካ ምኽባርን  ምስ ጠባያት መነባብሮ ሕይወትን ተቊዋማት ማሕበረሰብን ኣፍኣዊ ምልክታትን ተግባራትን ሰውነትን ምንም ዝተኣሳስሮም ጉዳይ የለን። ምስሕሓት ናይዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብጣዕሚ ፈታኒ እዩ፤ ከመይ ንሓደ ፍጹም ሓቂ ከም ኣተሓሳስባኡ ግጉይ ትርጉም ሂቡ እምነትሲ ኣብ ዝርዝር ኣመጋግባን ማሕበራዊ ተግባራትን ክነውርዶ የብልናን ይብል። እምነትሲ ካልእ ጉዳይ እያ ይብል። እንተኾነ ንሓቅታት እምነት ብከምዚ ምቅራብ ንሓቅታት ክርስትና ከንቱ ይገብሮ፤ ከመይ እምነት ክርስትና ብተግባር እያ ትግለጽ፤ እ ኣምን እየ ቢልካ ምዝራብ ጥራይ ኣይኮነን፤ እዚ ከኣ ነቲ ትኣምኖ ምሕሳብ ነቲ ትኣምኖ ምስማዕ ነቲ ትኣምኖ ምግባር የድሊ። ብኣእዳውካ ምስራሕ የድሊ! እንተ እዛ መሰሓሓቲት ኣተሓሳስባ ከም እትገብር ኣምስል ግብዝ ኩን ብውሽጥካ መንፈሳውነትካ ሕሰብ ሽዑ ድላይካ ግበር ትብል። እዚ ግን ክርስትና ኣይኮነን፤ እዚ ሓደገኛ ዝኾነ ቀዳማይ ክሕደት ግኖስቲክስ ዝበሃሉ ሎሚ እውን ኣብ ማእከልና ኣሎ ምናዳ ኣብ ብዙሕ ማእከላት መንፈሳውነትን ካልእ ቦታታትን። ነቶም ነዚ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ብምቅዋም ብተግባር ጭቡጥ ምልክታት እግዚኣብሔር ኣብ ማሕበራዊ ናብራኦም ብምግላጽ ምስክርነቶም ንዝህቡ ባዶሽ ይገብሮም።  

ፈተና ናይዛ ካብ ክሕደታት ሓንቲ ዝኾነት ኣተሓሳስባ ግኖስቲክ ወትሩ ህልው ኮይኑ ንናይ ዘመንና እምነታት ምዝንባዕ እዩ፤ ኣብ መብዛሕትኡ ዝንባሌታት ማሕበረሰብናን ባህልናን እምነትካ ብግብሪ ምግላጽ ኣሉታዊ ገጽታ ከምዝህልዎ ገቢሩ ሓንሳእ ሓንሳእ መላገጺ ባህሊ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ናይ ምጉናይ ግዳይ ከምዝኸውን ይገብሮ። ይኾኑ፤ ገና ኣብ ግዜ ኢየሱስ ከይተረፈ እዩ እምነትካ ብግብሪ ምግላጽ ነዞም ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዘደንፍዑ ግኖስቲክስ ዝበሃል ዘይረብሕ ተግባር እኳደኣ ከም ሓደ ጥንታዊ ኣረጊት ኣተሓሳስባን ብጉልባብ ጥንቆላ ዚካየድ ዘየድሊ ተግባር ይብልዎ ነበሩ፤ ጥቅልል ብዝበለ ዘረባ ን ኣረገውቲ ዘገልግል ይብልዎ ነበሩ። እዚ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝብል ንኩሉ ብኣርማማ ዝጭፍልቅ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ መን እሰያት ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ርግጽ እዩ ብደገ ጥራይ ዝግለጽ ተግባር እምነት ውሳጣዊ መንፈስ ክጐድሎ ይኽእል! እዚ እቲ ካልእ ሓደጋ እዩ! እንተኾነ እዝን ከም ዓቢ ሓደጋ ዝረኣየሉ እቲ ንሶም ዘቅርብዎ ተጻዩ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከኣ ቅኑዕ ኮይኑ ዝረኣየሉ ኣይግድን! እንተኾነ ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባ ንሱ እዩ! እንተኾነ ከማኡ ኣይኮነን! ምናልባት እዚ ጉዳይ እዚ ንዓና ንሽማግለታት ይምልከት! እዚ ሎሚ ንምልከቶ ዘሎና ሽማግለ ሓደ ኣብነት እዩ! ብሓቂ ኣገዳሲ ተልእኮ እዩ! እቲ ተልእኮ ከኣ ንእምነት ክብሩ ምምላስ እዩ! ነዚ ከኣ ኣልኣዛር ክሳብ መወዳእታ ሕይወቱ ብግብሪ ይምስክሮ፤ እምነትካ ብግብሪ ምግላሽ ምልክት ድኻምነትና ኣይኮነን እኳ ደኣ ምልክት ብታዔና እዩ፤ ዕሸላት ኣይኮናን! ንሕና ሽማግለታት ንመንገዲ ጐይታ ክንክተል ክንውስን እንከሎና ንዛቀር ኣይነበርና። ብምንም ተኣምር!     

እምነት ክሳብ መወዳእታ ኣኽብሮትን ሓበንን ይግብኣ፤ ከመይ ሕይወትና ለዊጣ ኣ እምሮና ኣንጺሓ ኣምልኾ ን እግዚኣብሔር ክነቅርብ ንብጻይና ክነፍቅር ዝመሃረትና ንሳ እያ። እምነት ንኩልና ዓቢይ በረኸት እያ፤ እንተኾነ እምነት ብምልእታ እምበር ፍርቂ ፍርቂ እምነት ኣይኮነትን፤ ነቲ ኣልኣዛር ዝሃበና ኣብነት ንከተል! ቀሲንና ንእንነበረለን ቁሩብ ቊራቦ ዕለታት ክንብል ንእምነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይነውርድ! ክሳብ መወዳእታ መዋእልና ግብርናን እምነትናን ክሳነ ኣለዎ፤ ኣልኣዛር ክሳብ መወዳእታ ይጸንዕ ናብ ሰማዕትነት ከኣ ይወርድ፤ ከማኡ እንተገበርና ነቶም ምእማን ጉዳይ ኣረግቶት እዩ ዝብሉ ምስ ምሉእ ትሕትና ጽንዓትን ኣብ ሽምግልናና ክንምስክር  ኢና፤ እምነትሲ ጉዳይ ኣረግቶት ዘይኮነ ጉዳይ ሕይወት እዩ፤ በቲ ንኩሉ ነገራት ሓዲስ ዝገብር መንፈስ ቅዱስ ም እማን የድሊ ንሱ ከኣ ደስ ቢልዎ ክሕግዘና እዩ።   

ዝኸበርኩም ሽማግለታት ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣረገውቲ ንዘይምባል! ኣብ ሓደ ዕድመ ስለዘሎና በጃኻትኩም ኢለኩም ናብ መንእሰያትና ነተኩር! ከመይ መን እሰያትና ይጥምቱናን ይሕዘቡናን እዮም ዘለው፤ ነዚ ኣይንረስዕ! ድሕሪ ካል ኣይ ውግ እ ዓለም ዝተደርሰ ፊልም ትዝ ይብለኒ! ‘ሕጻናት ይ ዕዘቡና ኣለው’ ዝብል ነበረ፤ ንሕና እውን ብዛዕባ መንእሰያትና ከማኡ ክንብል ንኽ እል! መን እሰያትና ይዕዘቡና ኣለው! ኣብነት እምነትና ግብርናን ሓደ ምዃን ጽብቅቲ መንገዲ ሕይወት ክኸፍተሎም ይኻል፤ እንተ ብጌጋ ዝግበር ግብዝና ክሃስዮም እዩ፤ ነንሕድሕድና ንጸሊ! እግዚኣብሔር ንኩሎም ሽማግለታትና ይባርኽ! እግዚኣብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 May 2022, 13:07

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >