ድለ

ሕውነት እንተዘየለ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንቅድሚት ኣይስጉምን! ር.ሊ.ጳ

ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሓምለ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ንወንጌል ንካልኦት ኣብ ምብሳር ኣነነት ዝዓብለሎ ውድድር ኣይኮነን ዘድሊ፣ መሠረታዊ ጒዳይ ተኸባቢርካን ውህደትካን ሓሊኻን ምስ ኣሕዋት ሓቢርካ ተጓዒዝካ ምኽኣል እዩ’ እንክብሉ ብዘይ ውህደት ተልእኮ ስብከተወንጌል ከምዘየለ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃ 10.1 ኰይኑ ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ቀቅድሚኡ በብክልተ ዝለኣኹሉን ክገብርዎ ዘለዎም ብንጹር ዝንገሩሉን ክፍሊ ብምንባሩ ቅዱስነቶም ነታ ጐይታ በብክልተ ለኣኾም እትብል ቃል ብምስማር ‘ኢየሱስ ነርድእቱ ነጭበረር ገሩ ሓደ ብሓደ ዘይኮነ በብክልተ እዩ ዝልኣኸ’ እንክብሉ ኣብ ጒዕዞ ስብከተወንጌል ሕብረት ወይውን ውህደት ወሳኒ ምዃኖም ኣስሚሮምሉ።

ቅዱስነቶም እዚ ኢየሱስ ዝኽተሎ ኣገባብ ማለት ነርድእቱ ቀቅድሚኡ በብክልተ ምልኣኽ ንገለና ድንግርግር ክብለና ስለዝኽእል ባዕሎም ስለምንታይ በብክልተ ለኣኾም ኢሎም ይሓቱ እሞ፣ ምናልባት ምስ ብጻይ ምጒዓዝ ከደናጒዶ ኣይክእልን ንቈዪቊን ባእስንከ ምኽንያትዶ ክኸውን ኣይክእልን ከማኡ እውን ካልእ ጸጋማትዶ ኣይፈጥርን ቢልና ክንሓስብ ንኽእል፣ እንተኾነ ኣተሓሳስባ ኢየሱስ ካብዚ ዝተፈልየ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነርድእቱ ዝህቦ መምርሒ እንታይ እንታይ ክሰብኩ ከምዘለዎም ዘይኮነ ከመይ ክኾኑ ከምዘለዎም፣ እዚ ምስክርነት ሕይወት ክህቡ እቲ ክገብርዎ ዝተጸውዕዎ ተልእኮ ንወንጌል ብጠባያቶም ክሰብኩ ምዃኑ እዩ። ቀንዲ ተልእኮ ስብከተወንጌል ከኣ ብሕውነት እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ብዘይ ሕውነት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል የልቦን ማለት እዩ ኢሎም።”

ብዘይሕውነት ተልእኮ ስብከተወንጌል የልቦን!

ቅዱስነቶም ነዛ ሓረግ እዚኣ ኣብታ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ምስ ተቀማጦ ሮማን ከባቢኣን ዝኾኑ ምእመናን ኮንጎ ኣብ ዝገበርዎ ቅዳሴ እውን ‘ብዘይ ሓው ወይውን ሓውቲ ስብከተወንጌል ፈጺምካ ዘይከውን እዩ ከመይ ብዘይ ውህደት ተልእኮ ስብከተወንጌል የልቦን’ እንክብሉ ኣስሚሮምላ ነሮም። ኣብ ግዜ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልአከ እግዚአብሔር ከኣ ሓዋርያት ከም ነጻ ተቃለስቲ ነታ ዝሓዝዋ ቃል ንካልእ ዘይሓድጉ ነጭበረር ዘይኮነስ ከም መምርሒ እግዚአብሔር ቀዳምነት ዝህብዎ ብሓባር ምዃን ኰይኑ ካብ ብጻዮም ዝበልጹ ኮይኖም ክርኣዩ ከምዘይብሎም እንኮ ኣብነቶምን መወኪሲኦምን መምህሮም ኢየሱስ ምዃኑ እዩ፣ ንሎሚ ዘድልየና ቀንዲ መልእኽቲ ብምዃኑ እንደገና ከምዚ ክብሉ ደገምዎ።

“እዚኣ ጐዲላታ ዘይትብሎም ጒስነታዊ መደባት ሓንጺጽካ ክትክተሎ ዘሎካ መንገድታት ብደቂቁ ክተቅርብ ይከኣል፣ ዘይተኣደነ ሕዝቢ ኣኪብካ ዘሎ ዘመናዊ መሣርሒ ክትጥቀም ይከኣል! እንተኾነ ንሕውነት ቦታ ዘይትህብ እንተኾንካ ተልእኮ ስብከተወንጌል ፈጺሙ ንቅድሚት ክስጒም ኣይክእልን ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ነቲ ጉዳይ ኣብ ሰንፈላል ከይተርፍ እሞኸ ደኣ ንሠናይ ዜና ወንጌል ከመይ ገቢርና ኣብ ካልኦት ነብጽሖ ኢሎም ይሓቱ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ልኡካነ ወንጌል ዘጋጠመ ታሪኽ ይትርኹ፣ እንተኾነ እቲ ሓደ ሓው ካብ ሓው ይፍለ፣ ክብል ክብል ኣብ መወዳእታ ኣብ ወፍሪ ርእሰማል ወዲቁ ገዛውቲ ናይ ምህናጽን ምሻጥን ኮንትራክተር ኮይኑ። ንፉዕ ልኡኽ ወንጌል እዩ ነሩ፣ እንተኾነ ነቲ ምስ ሓው ምዃን ዝህቦ ዓቢ ጸጋ ምስ ሰኣነ እንደገና ተመሊሱ ምስ ሓው ኰይኑ ስብከተወንጌል ምስ ጀመረ ክግንዘቦ ክኢሉ። ቅድም ምርኣይ ስለዝሰኣኖ ድሕሩ ተገንዚብዎ። እዚ ማለት ምስ ኣሕዋትና ምስ መሳርሕትና ሓቢርና እንክንውስን ርእይቶ ናቶም እንክንቅበል ዕውት ተልእኮ ክንፍጽም ከምዝከኣል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ተልእኮ ስብከተወንጌል ኣብ ግላዊ መንፈዓት በይንኻ ክትገብር ኣብ ምቅላስዘይኮነ ኣብ ምስክርነት ሕውነታዊ ፍቅሪ እዩ፣ እዚ ከኣ ነቲ ሓቢርካ ምንባር ዘምጽኦ ጸገማት እውን ሰጊርካ ብምኽኣልእዩ። ስለዚነታ ሠናይ ዜና ስብከተወንጌል ናብ ካልኦት ከመይ ገቢርና ነበሥር እትብል ሕቶ ክነንጽራ እንተኾና ብመንፈስ ሕውነትን ብኣገባብ ሕውነትንዶ ወይስ ከም ዓለማዊ ኣሰራርሓ ብውድድርን ስሉጥነትን ቢልና እንተስተንተና ክሕግዘና እዩ ኢሎም።”

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ብፅዕናኦም ንዝተኣወጀ ፐድሮ ኦርቲዝ ደ ዛራተን ጆቫኒ ኣንቶንዮ ሶሊናስን ዘኪሮ፣ ብ27 ጥቅምቲ 1683 ብኢንድዮስ ዝተቀትሉ ሰበኽቲ ኰይኖም ኣብነቶም ንወንጌል ብዘይ ምንም ዋጋ ዕዳጋ ናብ መላእ ዓለም ንምብጻሕ ይደግፈና ምስ ስለሃገረ ኡክራይና ተሪር ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 July 2022, 17:02

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >