ሕውነት እንተዘየለ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንቅድሚት ኣይስጉምን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃ 10.1 ኰይኑ ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስ ቀቅድሚኡ በብክልተ ዝለኣኹሉን ክገብርዎ ዘለዎም ብንጹር ዝንገሩሉን ክፍሊ ብምንባሩ ቅዱስነቶም ነታ ጐይታ በብክልተ ለኣኾም እትብል ቃል ብምስማር ‘ኢየሱስ ነርድእቱ ነጭበረር ገሩ ሓደ ብሓደ ዘይኮነ በብክልተ እዩ ዝልኣኸ’ እንክብሉ ኣብ ጒዕዞ ስብከተወንጌል ሕብረት ወይውን ውህደት ወሳኒ ምዃኖም ኣስሚሮምሉ።
ቅዱስነቶም እዚ ኢየሱስ ዝኽተሎ ኣገባብ ማለት ነርድእቱ ቀቅድሚኡ በብክልተ ምልኣኽ ንገለና ድንግርግር ክብለና ስለዝኽእል ባዕሎም ስለምንታይ በብክልተ ለኣኾም ኢሎም ይሓቱ እሞ፣ ምናልባት ምስ ብጻይ ምጒዓዝ ከደናጒዶ ኣይክእልን ንቈዪቊን ባእስንከ ምኽንያትዶ ክኸውን ኣይክእልን ከማኡ እውን ካልእ ጸጋማትዶ ኣይፈጥርን ቢልና ክንሓስብ ንኽእል፣ እንተኾነ ኣተሓሳስባ ኢየሱስ ካብዚ ዝተፈልየ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ብዘይሕውነት ተልእኮ ስብከተወንጌል የልቦን!
ቅዱስነቶም ነዛ ሓረግ እዚኣ ኣብታ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ምስ ተቀማጦ ሮማን ከባቢኣን ዝኾኑ ምእመናን ኮንጎ ኣብ ዝገበርዎ ቅዳሴ እውን ‘ብዘይ ሓው ወይውን ሓውቲ ስብከተወንጌል ፈጺምካ ዘይከውን እዩ ከመይ ብዘይ ውህደት ተልእኮ ስብከተወንጌል የልቦን’ እንክብሉ ኣስሚሮምላ ነሮም። ኣብ ግዜ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልአከ እግዚአብሔር ከኣ ሓዋርያት ከም ነጻ ተቃለስቲ ነታ ዝሓዝዋ ቃል ንካልእ ዘይሓድጉ ነጭበረር ዘይኮነስ ከም መምርሒ እግዚአብሔር ቀዳምነት ዝህብዎ ብሓባር ምዃን ኰይኑ ካብ ብጻዮም ዝበልጹ ኮይኖም ክርኣዩ ከምዘይብሎም እንኮ ኣብነቶምን መወኪሲኦምን መምህሮም ኢየሱስ ምዃኑ እዩ፣ ንሎሚ ዘድልየና ቀንዲ መልእኽቲ ብምዃኑ እንደገና ከምዚ ክብሉ ደገምዎ።
ቅዱስነቶም ነቲ ጉዳይ ኣብ ሰንፈላል ከይተርፍ እሞኸ ደኣ ንሠናይ ዜና ወንጌል ከመይ ገቢርና ኣብ ካልኦት ነብጽሖ ኢሎም ይሓቱ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ልኡካነ ወንጌል ዘጋጠመ ታሪኽ ይትርኹ፣ እንተኾነ እቲ ሓደ ሓው ካብ ሓው ይፍለ፣ ክብል ክብል ኣብ መወዳእታ ኣብ ወፍሪ ርእሰማል ወዲቁ ገዛውቲ ናይ ምህናጽን ምሻጥን ኮንትራክተር ኮይኑ። ንፉዕ ልኡኽ ወንጌል እዩ ነሩ፣ እንተኾነ ነቲ ምስ ሓው ምዃን ዝህቦ ዓቢ ጸጋ ምስ ሰኣነ እንደገና ተመሊሱ ምስ ሓው ኰይኑ ስብከተወንጌል ምስ ጀመረ ክግንዘቦ ክኢሉ። ቅድም ምርኣይ ስለዝሰኣኖ ድሕሩ ተገንዚብዎ። እዚ ማለት ምስ ኣሕዋትና ምስ መሳርሕትና ሓቢርና እንክንውስን ርእይቶ ናቶም እንክንቅበል ዕውት ተልእኮ ክንፍጽም ከምዝከኣል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ብፅዕናኦም ንዝተኣወጀ ፐድሮ ኦርቲዝ ደ ዛራተን ጆቫኒ ኣንቶንዮ ሶሊናስን ዘኪሮ፣ ብ27 ጥቅምቲ 1683 ብኢንድዮስ ዝተቀትሉ ሰበኽቲ ኰይኖም ኣብነቶም ንወንጌል ብዘይ ምንም ዋጋ ዕዳጋ ናብ መላእ ዓለም ንምብጻሕ ይደግፈና ምስ ስለሃገረ ኡክራይና ተሪር ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቅሪቦም።