ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳን

ንመንእሰያት ዝጥምት ተልእኾ፡ ሕልምታቶም ኪፍጸም መዓልትታት ሰላም ኪርእዩ ይግብኦም እዩ፡ ብፍላይ ንዓታቶም ኣእዳውና ክንዝርግሓሎም ቂም ከነሰንፋን ከምኡ እውን ሓድሽ ገጽ ሕውነት ጸሓፉ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ኣብዚ እዋን እዚ ከምቲ ተወሲኑ ዝነበረ ክበጽሕዎም ብዘይ ምኽኣሎምን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ተስፋ ብምትብብዕን ብዙሕ ይቕረታ እሓትት ዝብል ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ መበል 37 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኪጅምሩላ እተመደበት መዓልቲ ብሰንኪ ናይ ብርኪ ከቢድ ቃንዛን ዝከታተልዎ ዘለዉ ሕክምናን ምኽንያት ናብ ካልእ ግዜ ከም እተሰጋገረ ዝፈልጥ ኰይኑ፡ እቲ ጉዕዞ እዚ ክሳብ ዝፍጽሙ ድማ ኣብተን ምብጻሕ ዘካይዱለን መዓልታት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ክድንኦም ከም ዝለኣኹን፥ ቅዱስነቶም ንህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ብዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥

ጐይታ ነዚ ንነዊሕ እዋን ዝምነዮ ዝነበርኩ ምብጻሕ ከደናጒዮ ብምግዳደይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘጣዕሰኒ ይፈልጥ እዩ። እምነትና ኣይነጥፍእ የግዳስ ቀልጢፍና ንኽንራኸብ ዘሎና ተስፋ ንዓቅብ!

ዓቃል ህዝቢ

ቢሎም፥ ንናይዘን ክልተ ሃገራት ህዝብታት ወትሩ ከም ዝዝክርዎምን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ “ንነዊሕ እዋን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይን” ኣናሓሰቡ፥

ኣቐዲሞም ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጠቒሶም፥ “ምዝመዛ ዓመጽ ከምኡ እውን ሻቕሎት ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ዕጡቓት ሓይልታት ዘካይድዎ ግጭት ይቕጽሉ ብምህላዎም ማእለያ ዘይብሉ ዘሕዝን ስቓይ የዕስበልኵም ብሰንኪ ዘይምግዳስን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምድላይን ስምዒት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ” እዚ ድማ ጓሂ ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾምን፡ ኣስዒቦም ድማ ንደቡብ ሱዳን እናሓሰቡ፥ “ናይ ሰላም ኣውያት” ከመኡ እውን ነቶም “ብዓምጽን ድኽነትን ዝደኸሙን ካብ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ጭቡጥ ውጽኢት ዝጽበዩን” ብዙሓት ህዝቢ እታ ሃገር ዘኪሮም፥ “ምስ ክልተ ፍቑራታ ኣሕዋተይ ማለት ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ናብ ስኮትላንድ ፕረስቢተራዊት ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ባይቶ ኣወሃሃዲ” ኮይኖም ንመስርሕ ሰላም ኣበርክቶ ክገብሩ ከም ዝደልዩ ገሊጾም፡

ተስፋ ኣየሕፍረናን እዩ

ንህዝቢ እዘን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፥

ፍቑራት ኮንጎኣውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ፍቱዋተይ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝዛረበኩም ዘለኹ ንዓኻትኵም ዘሎኒ ፍቕርን ቅርበትን ንምግላጽ ቃላት እዅል ኣይኮነን። ተስፋ ካባኻትኵም ከይትስረቕ ሓደራ ክብለኩም እደሊ፡

 “ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ተስፋ ዝገብሩ ኣየሕፍሮምን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንመእሰያት እተን ሃገራት

ንናይ ክልትኣተን ሃገራት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዘለዎም ዓቢይ ሓላፍነት ኣዘኻኺሮም፥ “ሓድሽ መገድታት ዕርቂ ይቕረ ምብል ህዱእ ህላወ ከምኡ እውን ዕቤት ንምኽፋት ነቲ ዘሎ ዘሕዝን ገጽ ክግንጽልዎ” ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ “እዚ ንመጻኢ ከምኡ እውን ነቲ ልሙዕን ዝቘሰለን መሬትኩም ብብርሃንን ብሰናይ ኣጋጣምታትን ምልእዎ፡ እዚ ንመንእሰያት ዝጥምት ተልእኾ እዩ፡ ሕልምታቶም ኪፍጸም መዓልትታት ሰላም ኪርእዩ ይግብኦም እዩ፡ ብፍላይ ንዓታቶም ኣእዳውና ክንዝርግሓሎም ቂም ከነሰንፋን ከምኡ እውን ሓድሽ ገጽ ሕውነት ጸሓፉ” ከም ዝበሉ ገሊጹ።

መደብ ኣምላኽ ንሰላም

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶን ንህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን፥

ንኽራኸበኵም ብሃንቀውታ እናጠመትኩ ሰላም ኣምላኽ ኣብ ልብኹም ክወርድ እልምን። ገጽኩም ክርኢ፡ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ቤታዊ ከም ዝኾንኵ ክስምዓኩም ንዅላትኩም ኣብ እግዚኣብሔር እሓቝፎኩም ኣባርኸኩም ክበጽሓኵም ዘሎኒ ትጽቢት እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ጸሎትይ ይበራታዕ ፍቕረይ ድማ ይውስኽ፥

ቢሎም ንክልቲኣተን ሃገራት ህዝብታት ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣመሓላሊፎም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 July 2022, 15:30