ድለ

ሃገረ ኮንጎ ዝቈሰለትን ዝተመዝመዘትን ሃገር! ንጽልእን ህርፋንን ኣይፋል ቢልኩም ትሑታት መሰኻኽር ሰላ

ዕለት 2 ሓምለ 2022 ዓም ኣብ ኣፍሪቃ ክግበር ዝነበሮ ሓውጾተ ኖልዎ ብጉዳይ ጥዕና ከናውሑ ዝተቀሰቡ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ሕዝቢ ከም ምልክት ቅርበቶም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ምስ ደቂ ኮንጎ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ከም መደብ ኣብዚ ዕለት’ዚ ኣብ ኪንሻሻ እዮም ክቅድሱ ነረዎም። ስለ ሰላምን ዕርቅን ሃገረ ኮንጎ ይጽልዩ። ህርፋን ክእለ ቂመበቀል ክቅህም ካብ ብልሽውና ክህደም ሓደራ። ከመይ ካብ ልቢ ነፍስወከፍ ዝጅምር ሰላም ንማሕበረሰብን ንሃገራትን ይልውጥ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ዕለት 13 ሰነ 2022 ዓም እቲ ነዊሕ ትጽቢትን ምስንዳውን ዝተገብሩ ሓውጾተ ኖልዎ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምኽንያት ጥዕና ምስ ተናወሐ ንዝተሰምዖም ቃንዛ ብምግላጽ ነታ ኣብ ከተማ ኪንሻሻ ክቅድሱላ ተመዲባ ዝነበረት ዕለት ኣብ መንበሮም ኣብ ሮማ ክገብርዋ ምዃኖምን ንኩሎም ኣብ ሮማን ከባቢኣን ዝነብሩ ደቂ ኮንጎ ብምዕዳም ንከተማ ኪንሻሻ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ክነምጽኣ ኢና ኢሎም ነበሩ። ከክንዳኦም ኰይኖም ከኣ ናብ ክልቲኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ይበጽሑ ከምዘለውን ኣብታ ዕለት እቲኣ ከምቲ መደብ ከምዝደሱን ተመልኪቱ።

ኣብቲ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ብሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ኮንጎ ዝተመርሐ ነበረ። ንእግረ መንገድና ድሕሪ ሕዳሴ ሥርዓተ ኣምልኾ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዝቀረባ ብዙሓት ሥርዓታተ ኣምልኾ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ኮንጎ ጥራይ ተቀባልነት ከምዝረኸበ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ማዕረ ላቲናውን ምሥራቃውን ሥርዓተ ኣምልኾታት ዝፍጸም ሥርዓተ ኣምልኾ እዩ።  ምስ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እኳ ተመሳሳልነት እንተልዎ ብፍጹም ኣፍሪቃዊ ባህሊ ዝቀርብን ኣብ ኣቀራርባን ግዝያትን ፍልይ ዝበለን ሥርዓተ ኣምልኾ እዩ።መንበረ ጴጥሮስከስ ከተማ ኪንሻሻ ኣብ ኤውሮጳ ኰይና ወዓለት፣ ቦንደኮ ዝበሃሉ መዘምራን ብኣርባዕተ ሃገራውያን ቋንቋታት ኮንጎ ንባባት ብዝተፈላለየ ሕብርታት ዝወቀበ ክዳውንትን ሳዕስዒትን መዛሙርን ባህላዊ መጋበሪ ሙዚቃታትን ንኩሉ ኩሉ ሓዲስ ገጽታ ሂቡ ወዓለ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ሎሚ እውን እንትኾነ ዕርቂ ይከኣል እዩ በጃኹም ህርፋን ኣሊኹም ቂመበቀል ደምሲስኩም ብልሽውና ፈንፊንኩም ናብ ሰላም ተመለሱ ኢሎም።

ዕርቂ ይከኣል እዩ!

ምርቃ ከይትብሎ መርገብ ዝመስል ባህሪ ዝዓደሎ ሃብቲ ኣፍሪቃ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ምኽንያት ጽልእን ዓመጽን ህርፋንን ኰይኑ ብዓመጽ ኣቊሲልዋ ከምዝርከብ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሓንቲ ዓቅሞም ጸሎት ስለዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላም ክነግሥ ክርስትያን ከኣ ናይዚ መሰኻኽር ክኾኑ ንክንጽሊ ከምዚ ክብሉ ዓዲሞም።

“ሎሚ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ስለሰላምን ዕርቅን ሃገርኩም ኣብታ ብዙሕ ዝቆሰለትን ዝተመዝመዘትን ደሞክራስያዊት ኮንጎ ሰላም ክወርድ ንጸሊ። ኣብታ ኣብ ሃገርኩም በዚ ሓሳብ እዚ ዝቅደስ ዘሎ ቅዳሴ ንሕበር፣ ክርስትያን መሰኻኽር ሰላም ክኾኑ፣ ንዝኾነ ስምዒት ቂመበቀልን ሕነ ምፍዳይ ፈተናታትን ኣሸኒፎም ክኽእሉ እሞ ዕርቂ ከምዝከኣል ንዝኾነ ምጒጅጃልን ንዕቀት ካልኦትን ክሰግሩ ንጸሊ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 10.1 ዝተወስደ ኮይኑ ጐይታ ተልእኮኡ ቅድሚ ምጅማሩ ሰብዓን ክልተን ኣርድእቲ መሪጹ በብኽልተ ኣብ ቅድሚ ከምዝለኣኾም ዝገልጽ ነበረ። ኣብ መንገዶም ከማልእዎ ንዘለዎም ነገራት ብምምልካት ከኣ እንትርፎ ብስራት ወንጌል ምንም ከይማሉ ሓደራ ዝበሎም ዘመልክት ነበረ። ነዚ ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ሰለስተ ቃላት ዕጥቂ መልእኽቲ ኣገባብ ብማለት ምስ ገለጹ እዚ ከኣ ነፍስወከፍ ክርስትያን ክኽተሎ ዘሎ ኰይኑ ከም ክርስትያን ከመይ ቢልና ከም እንነብር ሰላም ዝሰፈኖ ዓለም ከም እንሃንጽን ይምህረና፣ ብቀዳምነት ውህደት እንተዘየሎ ተልእኮ የለን ኢሎም።

ብዘይ ውህደት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል የልቦን!

ቅዱስነቶም ሕማም ብዙሓት ክርስትያን ምዃኑ ዝጠቀስዎ ከምቲ ናይ ኣርድእቲ ብቁሩብ ቁራቦ ተደዓዒስካ ክተራጥጥ ምጅማር ሓደገኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ተጻይ እቲ ጐይታ ነርድእቱ ሓደራ ዝበሎ ምንም ነገር ከይትማልኡ ዝብል መምርሒ ትሕተ ቅርጽታት ምውዳድን ሰልዲ ምእካብን መጋበሪ ይኾነና እትብሎ ንብረት ምዂማርን ካብታ ነጻን ገርሀይናን ንኣሽቱን ትሑታትን ኰንካ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ክመርሖ ምፍቃድ ከምዝዕንቅጾ ከምዚ ክብሉ ኣብርሁ።

“ኣሕዋትን ኣሓትን እማነትና ኣብ ሃብቲ ኣይንግበር፣ ሰብኣውን ንዋታውን ድኽነታትና ከፍርሁና የብሎምን። መጠን ሓራ ዝኾናሉን ብገርህነትን ብትሕትናን ዝተጓዓዝናሉን መንፈስ ቅዱስ መጠኑ ንተልእኮ ስብከተወንጌልና ይመርሖ እሞ ናይቲ ዘደንቅ ተግባራቱ ፈጸምቲ ይገብረና። ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ንግደፈሉ፣ ንክርስቶስ ዕጥቅን ስንቅን ካልእ እዩ፣ ሓው ወይ ሓውቲ እያ። በብክልተ ልኢኽዎም እትብል ውጥምና እተለዓዕል ሓረግ ናይ ወንጌል ኣላ። በበይኖም ኣይኮነን ዝለኣኾም፣ ግላዊ ጉዳይ ዘይኮነ ወትሩ ኣብ ጐድንኻ ሓው ኣሎ። ብዘይ ሃው ዝግበር ምንም የለን ከመይ ብዘይ ውህደት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል የለን፣ ከምዚ ምስ ዝኸውን ከኣ ክርስትያን ወትሩ ሰላም የምጽእ ኢሎም።”

ክርስትያን ወትሩ ሰላም የምጽእ!

መንፈስ ቅዱስ ንተልእኮና ክመርሕ ምስ እነፍቅድ ድሕሪ ውህደት ዝወሃበና ዘድንቅ ትዕድልቲ ትሕዝቶ መልእኽትና ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ብቃላት ኢየሱስ አንክገልጽዎ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔር ቀሪባ እያ’ እትብል ብሥራት ክንዮ ዝተወራረቁ ስብከታትን መደረታትን ኮይና እዛ ብሥራት እዚኣ ንንጉሥ ሰላም ዝኾነ ክርስቶስ ሒዛ ስለዘላ እታ መንግሥቲ መንግሥቲ ሰላም ስለዝኾነት ነዛ ስብከት እትስዕብ ምስትምቃር ሰላም እያ። ፍሉይ ምልክት ክርስትያን ከኣ ሰላም እያ። እንተዘየሎ ይብሉ ቅዱስነቶም ጸገም እዩ።

“ኣብ ክንዲ እዚ መልእኽቲ እዚ ሕሜታን ምጥርጣርን ክንሰብኽ እንተጀሚርና ምፍልላይ ንፈጥር እሞ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድሎ ውህደት ንዕንቅጾ ብስም ኢየሱስ ዘይኮነ ብስምና ንዛረብ እሞ መን ምዃናን ናይ መን ምዃናን ክነጒልሕ ንጅምር። እዚ ከኣ ቅርሕትን ጽልእን የጐሃህር ንካልኦት ከም እትጭቁን ይገብር። ንኢየሱስ ዘይሰርሕ ሰላም ከምጽእ ኣይክእልን ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ካብዚ ብቀጥታ ናብ ኩነታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ይኣትው እሞ ብምልክት ሕቶ ካብ ፈተና ኣተለበቀልን ሕነ ምፍዳይን ነዛ ሃገር መን ኮን ይረድኣ ይብሉ እሞ ከም ክርስትያን ኣደፋዕቲ ሰላም ክኾኑ ነዚ ከኣ ካብ ልቢ ነፍስወከፎም ክጅምርዎ ከመይ ካብ ልቢ ነፍስወከፍ ዝውሕዝ ሰላም ንማሕበረሰብና ንሃገር ብምሉኡን ክልውጦ ሓይሊ ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ንሰላም ናተይ ቢልካ እንተነበርካ ኢየሱስ ይመጽእ ስራቤካን ማሕበርሰብካን ይልወጡ። ልብኻ ኣብ ውግእ እንተዘየሎ ካብ ኣተለበቀልን ቊጥዓን ሕነምፍዳይን ምፍልላይን ግብዝናን ነጻ እንተኾይኑ እዮም ዝልወጡ፣ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ሰላምን ስርዓትን ክነንግስ ይከኣል እዩ፣ ነዚ ኸኣ ንህርፋን ወጊድ ቢልካ ንጽልኢ ኣቅሂምካ ካብ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ሓራ ብምዃን እዩ። እነሆ እምበር ሰላም ካበይ ከምዝጅምር ነስተውዕል። ነዚ ንምግባር ከኣ እግዚአብሔር ምሳና እንተኾይኑ ዝኽእለና የልቦን ዓለምና እውን ዓውደ ውግእ ክኸውን ኣይክእልን ኢሎም።”

ከም ኣርድእቲ ኢየሱስ ክርስትያን ኩሎም መንግሥቲ ኣምላኽ ከምዝቀረበት ክንሰብኽ ዝተጽዋዕና ኢና፣ ካብዚ ብስራት እዚ ተስፋን ለውጢ ልብን ይውለዱ። እግዚአብሔር ኣቦ ኩልና ምዃኑን ኩልና ኣህዋትን ኣሓትን ምዃና ንግንዘብ። ነዚ ምስ እንገብር ንውግእ ዝኸውን ቦታ የለን ኩሉ ገነት ሰላም ይኸውን ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንክፍኣተ ግብሪ ህርፋን ንምውጋድ በዚ መንፈስ እዚ ምጒዓዝ የድሊ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 July 2022, 17:17