ድለ

ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ኣይክህሉን እዩ ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ኣይክህሉን እዩ  (Vatican Media)

ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ኣይክህሉን እዩ

ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 3 ነሓሰ ዳግም ክጅመር ምዃኑን

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ከምቲ ልሙድ ብእዋን ናይ ሓጋይ ዕረፍትን ዘሎ ሃሩርን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዘቕርብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝቋረጽን እቲ ስሩዕ መደባቱ ረቡዕ ዕለት 3 ነሓሰ ዚጅመር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረ ክርስቶስ  ኣብ ወርሒ ሓምለ ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ክቋረጽ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመላኺቱ፡ እቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 3 ነሓሰ ዳግም ክጅመር ምዃኑን ከም እንዝክሮ እውን ቅዱስነቶም ድሕሪ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ዕለት 23 ለካቲት ኣትሒዞም ብዛዕባ ብዕድመ ምድፋእ  - እርጋን ኣማኺሎም በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግለጹ ብዕድመ ዝደፍኡ ናይ ገለ ገለ ሰባት ዛንታ ተወኪሶም ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ የወፍዮ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

02 July 2022, 15:26