ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ታሕጓስ ዝተዛረብዎ ኩሉ ዝሓዘ መጽሓፍ ተሓቲሙ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት 10 ዓመት ክኾኖም እዩ። ኣብዘን ዓመታት እዚኤን ደጋጊሞም ዝተዛረቡሉ ዛዕባ ድሕሪ ምሕረት እግዚአብሔር ታሕጓስ ክርስትያን እዩ። ሓጐስኩም ማንም ከየሕድገኩም ካብ ምባል ጀሚሮም ብዓንዲ ርእሱ ታሕጓስ ወንጌል ዝብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ብምጽሓፍ እውን ክርስትያን ዘቦኡ ወትሩ ሕጉስ ክኸውን ጸዊዖም። ኤለዲቺ ዝበሃል ቤተ ማሕተም ምስ ቤትማሕተም ቤተመጻሕፍት ቫቲካን ብምትሕብባር ቅዱስነቶም ኣብዘን 10 ዓመት ብዛዕባ ሓጐስ ዝበልዎ ከም መጽሓፍ ጠቅሊሎም ሓቲሞሞ ኣለው። ነቲ መጽሓፍ መባእታ ዝገበሩሉ የኔታ ኣባ ዳርዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ እዚ ሓጐስ ክርስትና ተሓጒስካ ሕደር ዝብል ናይ ላዕሊ ላዕሊ ዘይኮነ ንታሪኽ ብጠመተ እግዚአብሔር ርኢኻ ምኽኣል እዩ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

እታ ቅዱስ ጳውሎስ ተሓጐሱ! ደጊመ ተሓጐሱ እብለኩም ኣሎኹ! ክብል ናይ ክርስቶስ ዘበለ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ልቡ ክርስቶስ እንተደኣ ኣልዩ ክሕጐስ ጥራይ ከምዘለዎ ንዝገልጽ ክፍሊ ቃል ኣምላኽ ብዙሓት ብዝተፈለለየ መንገዲ ክገልጽዎ ይርከብ። እቲ ቀንዲ ግን ሓጐስ ኣማኒ ሓጐስ ክርስትያን ከመይ እዩ ንዝብል ሕዝቶ ዝምልሹ ክመስሉ ኣባ ቪጋኖ ኣብ ዝጸሓፍዎ መባእታ ‘ሓጐስ ሓደ ኣማኒ ክንብል እንከሎና ኣብ ታሪኽና ዘሎ ቈጺርካ ዘይውዳእ ጸገማት ክትርኢ ዘይምኽኣል ወይ ዘይምርዳእ ኣይኮነን’ ብማለት ይጅምሩ እሞ፣ እቲ ታሕጓስ ዘርእስቱ መጽሓፍ ካብ ሓዋርያውያን መልእኽታት ር.ሊ.ጳ ጀሚርካ ኣብ ስብከታትን ኣስተምህሮታትን ዝተፈላለዩ መልእኽታትን ብዛዕባ ታሕጓስ ንዝተንብህዎ ዝእክብ ምዃኑ ገሊጾም። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መጽሓፍ እንክገልጹ ከኣ ‘እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ቀዳማይ ገጽ ክሳብ መወዳእታ ሸረር ኣቢልካ ዝንበብ ኣይኮነን፣ ዘዘሊልካ ዘዝማእማኣካ እውን ብዘይ ስሩዕ መንገዲ ክንበብ ይከኣል እዩ። ከም ሓቁ ከኣ እቲ ቃላት ጽሑፍ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዘርእድ ዜናታት ሞትን ውግእን ዕንወትን ምስ ተሰምዔ ነቲ ኣውያት ንምምላስ ከም ገዓር ዝተመለሰ እንክኸውን ልቢ ኣመንቲ ከምዝሰፍሕ ገቢሩ ንተመኩሮ ኣመንቲ ኣብ ቦታኡ መሊሱ ጠመተኦም ክብ ንምባል እዩ’ ኢሎም። ነዚ ኣብነት ዝኸውን ከኣ እቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ ብቀዳማይ ተኣምር ኢየሱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ወይኒ ከም ተመክሮ ሕዝበ እግዚአብሔር ክውስደ ከምዝከኣል ይገልጹ።

ታሕጓስ ወይኒ!

ቤተክርስትያን ከም ጉባኤ ምእመናን ኣብ ሓጐስ ዝነብር ሕዝበ እግዚአብሔር ኮይና ንሓጐስ ቃና ዘገሊላ ዘዘኻኽር ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ ዳርዮ፣ ኣብቲ ቀቅድሚ ቀዳማይ ተኣምር ኢየሱስ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ምፍጻሙ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኣብቲ ኩሉ ንሓጐስ ዝሸባሸበሉ ዝነበረ መርዓ እቲ ቀንዲ መሐጐሲ ዝኸውን ወይኒ ኣይነበረን፣ እተን ንምንጻሕ ዝጥቀሙለን ዝነብሩ ዓታሩ እውን ጥራሐን ነበራ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሕዝቡን ንዝፍጸም ፍቅራዊ ምትእስሳር ይገልጹ። ናይቲ ርክብ ውዕውዕ መንፈስከስ ሕግን ምንጻሕን እውን ክትክኦ ኣይከኣለን። እቲ ቀንዲ ኢየሱስ ኣብቲ ቦታ ብዘይምንባሩ ዝተዓደመሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ነበረ። ከም ሓቁ ከኣ ኣብቲ ኣምሳል ኪዳን ዝኾነ መርዓ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ሓዲስ ወይኒ ብምውፋይ ዘለዓለማውን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ዝኸውን ሓዲስ ኪዳን ዝተክል፣ እዚ ኪዳን እዚ ከኣ በቲ ቀዳማይ ተኣምሩ ተኣምር ወይኒ ይውለድ። ወይኒ ማለት ከኣ ሓጐስ እዩ። እነሆ እምበር ቤተክርስትያን ኣብ ትሕቲ ሕግን ንጽሕናን ዝነብሩ ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘይኮነስ ደቂ እግዚአብሔር ብምዃኖም ብሓጐስ ዝነብሩ እዮም’ ኢሎም። ነዚ ሓጐስ እዚ ግን ከም ኣገባብ እግዚአብሔር ክነብሮ ዝተጸውዑ ምዃኖም ክዝንግዑ ከምዘይብሎም እውን ኣውክኡ።

ከም ኣገባብ እግዚአብሔር ዝንበር ታሕጓስ!

ኣባ ዳርዮ ኣብቲ ቀንዲ ምንጪ ሓጐስ ዝኾነ መንፈስ ውሉድነት እግዚአብሔር ብምትኳር ምንጪ ናይ ኩሉ ብምሥጢረ ጥምቀት ዳግም ዝተወልደ ውሉድ እግዚአብሔርከስ ሕይወት እግዚአብሔር ንምፍስታፍ ስለዝፍቀደሉ ሓቐኛ ውሉድ እግዚአብሔር ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ ምድሪ ኰንካ ሰማያዊ ውሉድ ምዃን ዘሐጒስ እኳ እንተኾነ እቲ ሓጐስ ምሉእ ፍጹም ክኸውን ውሉድ ኣምላኽ ዝኾነ ዝተጠምቁ ኩሎም ምስ ዓለምን ፍጥረትን ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ክኽተልዎ ዘለዎም ኣገባብ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ኣገባብ ናይ እያ። ቀዳምነት ዝወሃቦ እግዚአብሔርን ኣገባቡን እዩ። እንተዘየለ ኣገባብ ዓለም እንተተስዒብና ከምቲ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ኣብ ጸጋም ኢየሱስ ዝተሰቅለ ዘይዕውት ሰራቂ ‘ብሓቂ እንተደኣ ወዲ እግዚአብሔር ኰንካ ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን ደሓር ከኣ ንኣይ እውን ኣድሕነኒ’ ኣብ ምባል ክብጻሕ ይከኣል። ንውልድነት ኣምላኽ ከም ግቡኡ እንተዘይነበርናዮ ርክባትና መጋበርን ንጥቅምና ጥራይ እንደልዮምን ክኾኑ እዮም። ስለዚ ነዙይ ሓጐስ ውሉድነት ከም ግቡኡ ክትነብሮን ክትሕጐስን ኰይኑ ከም ኣገባብ እግዚአብሔር ምንባሩ የድሊ ምስ በሉ ናብ ኣገባብ ኣናብባ ናይቲ መጽሓፍ ይምለሱ።

ኣገባብ ኣናብባ መጽሓፍ ታሕጓስ!

ነቲ መጽሓፍ ብግቡእ ንምንባቡን ንምጥቃሙን ኣድለይቲ ዝበልወን ሰለስተ ነጥብታት ዝጠቀሱ ኣባ ዳርዮ እዚ ከኣ ንታሕጓስ ብሰለስተ መንገዲ ክንበጽሖ ከምእንኽእል ዝገልጻ እየን ኢሎም። ብቀዳምነት ኩነት እትገልጽ ናይ ምዃን ዓንቀጽ ይጠቅሱ እሞ ታሕጓስ ክትኮኖ ዘሎካ ግላውን መንፈሳውን ርድኢት ኮይኑ ሓላፍነት ዚሓትትን ኣብ ማሕበራዊ ዕርክነት ብኣገባብ እግዚአብሔር እናነበርካ ክትምስክሮ ዘሎካ እዩ እንክብሉ እታ ካልኣይቲ ዓንቀጽ ምምስካር ምዃና ይገልጹ። ብሳልሳይ ደረጃ እትመጽእ ዓንቀጽ ከኣ ምንባብ ኮይና ምንባብ ብምንባቡ ግን ከምቲ ሓዋርያት ኣብ ጒዕዞ ኤማኡስ ዝገበርዎ ምስ ኢየሱስ ምጒዓዝ የድሊ። ነዚ ኣገባብ እዚ ምስ እንኽተል ከምቲ ሓዋርያት ኣብ ፍጻሜ ጒዕዞ ኤማኡስ ኣብ ምቊራስ እንጌራ ንጐይታ ምስ ኣለለይዎ ‘ኣብ መንገዲ ምሳኡ ክንዋሳእ እንከሎና ልብና ግዳ ይነደና ኣይነበረን’ ንዝበልዎ ክንደግም ንኽእል። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንደቂሰባት ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምቊራስ እንጌራ ከምዘለልይዎ ንምግባር ልቦም የሰናዱ እንተኾነ ከም ቅድመ ኩነት ምስ ሓደ ዘይፈለጥካዮ ሰብ ሓቢርካ ክትጐዓዝ እንከሎኻ እውን ልብኻ ብምቅጻል ይሰርሕ እዩ እንክብሉ መባእታዊ ጽሑፎም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 November 2022, 13:29