ድለ

2022.11.26 ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ጥበበይናታት ሰላም ዝኾኑ ውፉያን ሰባት የድልይዋ 2022.11.26 ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ጥበበይናታት ሰላም ዝኾኑ ውፉያን ሰባት የድልይዋ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ጥበበይናታት ሰላም ዝኾኑ ውፉያን ሰባት የድልይዋ

ሰላም ተመክሮ ምሕረትን ይቕሬታን ለውሃትን እግዚኣብሔር እውን እዩ። ምሕረትን ይቕረ ምባልን ንዅሉ ዓይነት ዓመጽን ጭቆናን ክንነጽግ ብቑዓት ይገብረና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ዝተፈላለያ ውፉያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ጉባኤ ተቐቢሎም፥ ገባሬ ሰላም ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዘብርህን ኣገዳስነት ምዕባይ ሲኖዳውነትን ዘማእከለ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ዝሓዘ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገበርቲ ሰላም ምዃን ብፍላይ ኣብዛ ውግእን ምግምማዕን ዝረኣየላ ዓለም ህጹጽ ጽውዒት እዩ። ዝበሉ ቅዱስ ኣቦን ኣር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ነቶም ናይ መላእ ውፉያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ጉባኤ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ  ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምውዕ መደረ ኣተሓሳሲቦም፥ ገባሬ ሰላም ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ እዩ፥” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣንጠረይና ሰላም ክትኾኑ ዝተጽዋዕኵም ኢኻትኩም፡” እንክብሉ ኣብታ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ማእከል ገይሮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝህቦ ሰላምን ዓለም ዝህቦን ሰላም ዘሎ ፍልልያት እንከብርሁ፥ ኣብዚ ግዜና ነታ “ሰላም” እትብል ቃል ክንሰምዕ ከለና ብቐንዱ ብዛዕባ “ውግእ ዘይብሉን ውግእ ዘብቅዓሉን ህድኣትን ሰናይን” ኢና እንሓስብ” እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ “ሻሎም” ዝብል ናይ እምብራይስጥ ቃል ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ሓሳብ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ኢየሱስ ሰላም

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ እቲ ኢየሱስ ዝህቦ ሰላም ቅድም ቀዳድም ህያብን ፍረ ፍቕሩን እምበር ሰብ ብጻዕሩ ዝዓትሮ ኵነት ኣይኮነን” እንክብሉ ኣረዲኦም፥ እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ካልኦት ፍጥረትን ንዘሎና ናይ ሰናይ ርክብ” መግለጺ እዩ፥

ሰላም ተመክሮ ምሕረትን ይቕሬታን ለውሃትን እግዚኣብሔር እውን እዩ። ምሕረትን ይቕረ ምባልን ንዅሉ ዓይነት ዓመጽን ጭቆናን ክንነጽግ ብቑዓት ይገብረና!

ቢሎም፥ ነዚ እዩ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ሰላም ከም ህያብ፡ ካብ ሓነጽትን መሰኻኽርን ሰላም ዘይፍለ እዩ፡ “ኣብ ኣፍልጦ ሰብኣዊ ክብሪ ዝተመስረተ ኮይኑ ፍትሕን ምሕረትን ሓቅን ብዘይምንጽጽል ኣበርክቶ ዝግበረሉ ስርዓት ዝጠልብ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ግዜ ዝጸንሕ መስርሕ

ውፉያን መናንያን ገባሬ ሰላም ክኾኑ ቅዱስነቶም ኣተባቢዖም፥ “ገባሬ ሰላም ምዃን ብውዕውዕ ስምዒት ብትዕግስቲ ብተመክሮ ብጽንዓት ክንለማመዶ ዘሎና ሞያ እዩ፡ ምስ ግዜ ዝጸንሕ መስርሕ ስለ ዝኾነ” ስለዚህ ሰላም ናይ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ስለ ዘይኮነ ውሕሉል ሰብኣዊ ምትእትታው ይሓትት፥

ሰላም ብተኸታታሊ ብእደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝሕነጽ ዘይኮነስ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝሓትት እዩ። ነዚ እዩ ድማ መስርሕ ሰላም ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ወይ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ክውከል ዘይብሉ፡ ምኽንያቱ ናይ ነፍሲ ወከፍናን ናይ ኵሉን ሓላፍነት ስለ ዝኾነ!

“ብዕለታዊ ተግባራትና ብኣተሓሳስባና ውስታናን ኣገልግሎት ሕውነትን ዘተን ምሕረትን ኣቢልና ሰላም ክዘርእ ኣብ ጸሎትና ድማ ጸጋ ሰላም ወትሩ ክንሓትትን ክንልምንን ኣዘኻኽር፡” ቢሎም፡ “ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ማሕበረሰብ ውሽጢ ንጀምሮ መናድቕ ዘይኮነ መራኸቢ ድልድል ብምሕናጽ እቲ ኣብ ቤትና ዝጀመርናዮ ሰላም ከነስፍሖ ይግባእ፥”

ዓለም ንሕና ውፉያን ሰባት ኣንጠረይናታት ሰላም ክንከውን ትደልየና!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሲኖዳውነት

ካልእ ናይ ውፉህ ህይወት ባህርይ ድማ እቲ ከም ህዝበ እግዚኣብሔር ንኽነብሮ ዝተጸዋዕናዮ “ሲኖዳውነት” እዩ። ኵልና ከም ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝተጸዋዕናሉ መስርሕ እዩ።  ኣባላት ውፉያን ማሕበራት ብባህርእዮም ሲኖዳውነት ንኽነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም፥ ኵሉ ሓቅነት ነፍሲ ወከፍ ገዳማትን ማሕበራት ውፉያንን ሲኖዳውነት ዘዕብይ ክኸውን ኣለዎ . . .

ናይ ኣገልግሎት ስልጣን

ቅዱሰንቶም ንዅሎም ነቶም ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ውፉያን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣብ ኣግልግሎቶም ኣመስጊኖም፥ ስለዚህ እቲ ስልጣን ድዩ ሓላፍነት፥ ኣግልግሎት ዳኣ እምበር ልዕልና ወይ ንካልእ ካብ ልዕሊ ናብ ታሕቲ እትርየሉ ደረጃ ኣይኮነን! ናይ ምግልጋል ስልጣን! . . . ሓላፍነትን ወይ ስልጣን በቶም ስልጣን ዝወሃቦም ድዩ እቲ ስልጣን ዘመሓደሮምን ከም ፍልዩ ዕድል ወይ መሰል ገይሮም ክሓስብዎ እንከለዉ . . . ማሕበረሰብ የዕንው ንዝተፈላለዩ ግህሰት ሕልናን  መንፈሳዊ ግህሰትን የቃልዕ፡ እዚ ድማ ንዝተፈላለየ ዓመጽ ልሙዕ መሬት ይፈጥር . . . 

ስልጣን ኣገልግሎት እዩ! ከምዚ ምዃኑ ምስ ዝፍለጥን ብሲኖዳዊ መንፈስ ምስ ዝንበርን ድማ፥ “ሕጊ ብግብኡ ንምኽባር የተባብዕ ምልካውነትን ሓለፋታትን ዘወግድ ይኸውን፥ ካልኦት ንምስማዕን ንምኽባርን ንዘተን ስንድው ይገብር ተሳታፍነት ክህሉ  ዘብቕዕ ሃዋህው የመቻችእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ውፉያን ብምስክርነቶም ኣቢሎም ኣብዚ መስርሕ ሲኖዳውነተ ኣብ እንገጥመሉ ዘሎና እዋን ብዙሓት ናብ ቤተ ክርስቲያን ክማርኹ ይኽእሉ፥ ሲኖዳውነት ብቐዳምነት እትነብርዎን ብሓባር እትጓዓዝዎን ጽን እትበሃሃሉሉን ብዙህነት ህያባት ብምኽባር ኣአንገድቲ ማሕበረሰብ ክትኮኑ ይግባእ” ቢሎም፥ ኣብ መወዳእታ ኣብ ናይ ውፉያን ማሕበራት ዘሎ መርሕነትን ስልጠናን ንውሉድ ወለዶ ሕዳሰ ዘፍቕድ  መስርሕ ዘተባብዕ ክኸውን፥ ናይ ውፉያን ማሕበራት ማሕበራዊ ህይወት ንምሕላው ዳግማይ ውዳበን ሕዳሴን ምትዕርራይ ዝገብር ክኸውን ኣለዎ፥

ኣብዚ መዳይ እዚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝኾነ ይኹን ኣባል ብግብኡ ዘይትሑዝን ብግቡእ ብስራሕ ዘይጽሙድ ኮይኑ ከይተርፍ ክንጥንቀቑ ኣለዎም፡ ከመይሲ ኣልቦ ስራሕ ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ እትነብሮ ማሕበረሰብ እውን ውጥረት እዩ ዝፈጥር፥ ዘይትሑዝ ዘይምዃን!

እንክብሉ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።   

26 November 2022, 15:50