ድለ

ግጉይ ጐዳና ሕይወት ንምእራም መጽሓፍ ልብና ምንባብ ንመሃር! ር.ሊ.ጳ

‘ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሓትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ’ (ፊሊ 1.9-11)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም

ብዛዕባ መመያ ንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ብዛዕባ ምጽንናዕ እትበሃል መንፈሳዊ ተመኲሮ ዝጀመርናዮ ክንቅጽል ኢና። ንምዃኑ ሓቀኛ ምጽንናዕ እንታይ ኮን ትኸውን! እትብል ሕቶ ጽጹይ መመያ ንምግባር መሠረታዊት እያ፣ እንተዘየሎ ነቲ ሓቀኛ ሠናይና ኣብ ምድላይ ክንታለል ንኽእል።

ኣብቲ መንፈሳዊ ሱባኤ ዝብል ጽሑፋት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ሓድሓደ መምዘኒታት ሓቀኛ ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል። ንሱ ኣብ ጽሑፋቱ ‘ኣብ ሓሳባትና ኩሉ ሠናይ እንተኾይኑ ማለት ምጅማሩን ማእከሉን ፍጻሜኡን ሠናይ እንተኾይኑ ኩሉ ኩሉ ከኣ ናብዚ ሠናይ እንተኣቅኒዑ እዚ ኣብ ጽቡቅ ኲርናዕ ከምዘሎና ጽቡቅ ምልክት እዩ። ምናልባት ኣብ ጒዕዞ ሓሳባትና ገለ ሕማቅ ነገር ወይውን ዘዘንግዕ ወይውን ካብቲ ነፍስና ክትገብሮ ቢላ ዘንቀደት ሠናይ ነገር ሕምቅ ዝበለ ወይውን ከኣ ንነፍስና ዘዳኽም ጉዳይ ክንዲ ዘህደኣ ዝህውጻ ኣዕገርጊሩ ነቲ ኣብ መጀመርያ ዝነበራ ሰላምን ህድኣትን ቅሳነትን ዝምንጥላን እንተኾይኑ እዚ ሓሳባት እዚ ካብ ሕማቅ መንፈስ ጸላኤ ሠናያት ከምዝመጽእ ንጹር ምልክት እዩ’ ይብል። ሓቀኛ ምጽንናዕ ኣሎ! እንተኾነ ናይ ሓሶት ምጽንናዓት እውን ኣለው። ስለዚ ከኣ እዩ ንጒዕዞ ምጽንናዕ ኣዳዕዲዕና ንምርዳእ ከመይ ከመይ ኣሎ ናበይከ ይወስደኒ ኣሎ! እናበልና ንሓትት። ናብ ሓደ ሕማቅ ነገር ክወስደኒ እንከሎ እቲ ምጽንናዕ ሓቀኛ ኣይኮነን ክንብል ንኽእል።

እዘን ምልክታት እዚአን ክንምልከተን ዘሎና ዓቢ ዋጋ ዘለወን ምልክታት እየን። ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብዛዕባ ሠናይ ምጽንናዕ እቲ መንቀሊ ወይውን መጀመሪ ናብ ሠናይ ዘቅነዔ እንተኾነ ሓቀኛ እዩ ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን! ንኣብነት ናይ ምጽላይ ሓሳብ ኣሎኒ ነዚ ንክገብር ብፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ክስነ ከምዘሎኒ እፈልጥ እሞ ናይ ልግስን ፍቅሪ ሥራሕን ተግባራት ንምፍጻም እነቅል! እዚ ሠናይ ምጅማር እዩ። እንተደኣ ብኣንጻሩ ብሓሳብ ጸሎት ነቂለ ንኩሉ ሥራሕን ክገብሮ ሓላፍነት ካብ ዝወሰድኩሉ ጉዳይ ክሃድም እንተኾይኑ ንኣብነት ኣብ ማሕበራት ኣቊሑት ካብ ምሕጻብ ወይውን ገዛ ካብ ምጽራይ ዓቢ ሃረርታ ጸሎት ይቅጀለኒ! እዚ ኣብ ገዳማት ዘጋጥም እዩ! እንተኾነ ጸሎት ካብ ዕዮ ገዛ እትሃድመሉ ጉዳይ ኣይኮነን! እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ነቲ ዝተዋህበካ ዕዮ ብጽቡቅ ንክትፍጽም ኣብታ ግዜ እቲኣን ኣብታ ቦታ እቲኣን ዝጽውዕ እዩ። እዚ ነቲ መጀመሪ ብዝምልከት እዩ።

ስዒቡ ዝመጽእ ኣብ መንጎ ምጅማርን ምፍጻምን ዘሎ ከይዲ እዩ! ቅ.ኢግናጽዮስ መጀመርታን መንጎን ፍጻሜን ኩሉ ኩሉ ሠናይ ክኸውን ኣልዎ ይብል። መጀመርታ እዚ ዝረኣናዮ እዩ! ኣቅሑት ንከይሓጽብ ጸሊ ጸሊ ዝብል ሓሳብ ይመጸኒ ንዝብል ሰብ ኣይፋል ቅድም ከድካ ነቲ ኣቅሑት ሕጸብ ደሓር ናብ ጸሎት ኪድ ንብሎ። ነዚ ስዒቡ እቲ ኣብ መንጎ ጒዕዞ ማለት ምጅማርን ምፍጻምን ዘሎ ሠናይ ዝኾነሉ እዩ።  እዚ ማለት ነቲ ቀንዲ መንቀሊ ሓሳባት ስዒቡ ዝመጽእ እዩ። ነቲ ኣብነትና ብምቅጻል እቲ ሓንሳእ ሕማቅ ሓንሳእ ሠናይ ንዝኸውን ምጅማር ሠናይ ኣንፈት ኣትሒዝና ግቡእካ ፈጺምካ ናብ ጸሎት ምኻድ ማለት እዩ፣ እንተኾነ ኣብቲ ኣጸላልያ እውን ጸገም ኣሎ፣ እቲ ኣብ ሉቃ 18.9 እንረኽቦ ኣገባብ ኣጸላልያ ፈሪሳዊ ንገዛእ ርእሰይ ዝንእደሉን ንካልኦት ዘስተናዕቀሉን ምናልባት እውን ብዓቢ ምጸትን ጣዕሳን እንተደኣ እጽሊ ኣልየ እዚ እቲ ርኹስ መንፈስ ነቲ ሓሳብ ጸሎት ናብ ልበ ንምእታው ከም መጋበሪ ተጠቂሙ ስምዒታቱ ኣብ ልበይ ከንግሥ ከምዝደለየ ምልክት እዩ። ነዚ ኣስተውዕሉ! ጸሊ ጸሊ ዝብል ሓሳብ መጺኡኑ ናብ ቤት ጸሎት ከይደ ‘ኦ ጐይታ ከምዝጽሊ ዝገበርካኒ ኣመስገነካ ኣሎኹ! ከምቶም ዘይደልዩኻን ዘይጽልዩን ካልኦት ሰባት ዘይገበርካኒ ኣመስግነካ ኣሎኹ’ ቢልካ ምስ እትጽሊ እቲ ጸሎት ኣብ ሠናይ ከምዘየሎን ብሠናይ ከምዘይፍጸምን ኣረጋግጸልኩም። እዛ ናይዛ ጸሎት እዚኣ ምጽንናዕ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ገፍገፍ ዝብል ታኪን ኰንካ ንምቅራብ እዩ። እዚ ማእከል ጒዕዞ እዚ ኣይሠርሕን! ሠናይ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእታ ፍጻሜ ይመጽእ! ንመጀመርያን ማእከልን ዝዕብ ሳልሳይ ደረጃ መምዘኒ ሠናይን ሓቀኛን ምጽንናዕ እዩ። ናብታ ምሳሌ ምልስ ቢልና እዚ ሓሳብ ጸሎት ናበይ ከብጽሓኒ እዩ! ዕላማኡ እንታይ እዩ! ከም ኣብነት ክንዲ ዝጽሊ ካልእ ሠናይን ኣገዳስን መኽሰብ ዘለዎን ሥራሕ እገብር ኣሎኹ ሠናይ እዩ እንተቢለ ንክጽሊ ኣይክደፋፋኣንን እዩ! ብሥራሕ ተጐቢኤ ኣሎኹ። ሓንሳእ ሓንሳእ ክረዳዳእ ኣይክእልን ኩሉ ካባይ ኰይኑ ይስመዓኒ እሞ ዋላ ኣብ እግዚአብሔር ዝንበረኒ ምትእምማን ከጒድልን ብዓንዲ ርእሱ ከጥፍኦን እኽእል። እዚ ብርግጽ ተግባር ሕማቅ መንፈስ ጸላኤ ሠናያት እዩ። እዚ ማለት ክጽሊ እጅምር እንተኾነ ከኣል ኩሉ ኮይኑ ይጽመዓኒ! ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽረይ ክከውን እደሊ! ከመይ ንነገራት ከተዓራሪ ዝኽእል እንኮ ሰብ ኣነ ኮይኑ ይስመዓኒ! ብርግጽ እዚ ጥዑይ መንፈስ ኣይኮነን! ዝብሎ ዘሎኹ ንጒዕዞታት ስምዒታትን ኣስተውዒልና ክንምልከት የድሊ! ምናዳ ናይ ምጽንናዕ ጽቡቅ ስምዒት ክስመዓና እንከሎን ገለ ነገር ክንገብር ኣብ ንብገሰሉን! መጀመርታኡ ከመይ እዩ! ኣብ መንጎኸ! ፍጻሜኡኸ! ቢልና ንመሚ።

ናይ ጸላኤ ሠናያት ማለት ናይ ዲያብሎስ ኣገባብ ረቂቅ እዩ! ምናልባት ሠይጣን የልቦን ቢሎም ከየታልሉኹም ኣሎ ኣገባቡ ከኣ እዚ እዩ፣ ብዝተራቀቀ መንገዲ ብሰላሕታ ዘይንሱ መሲሉ እዩ ዝመጸና እሞ ንጠንቀቅ። ኣብ ልብና ብዝዕብልል ነገር ይጅምር እሞ ናባኡ ገጹ ቀስ ብቀስ ይስሕበና። ክፍኣት ኣብ ልብና ብሕቡእ እዩ ዚኣቱ! እቲ ሰብ ኣና ወደሓን ክብል እንከሎ ከየስተውዓለሉ ሰሊኹ ይኣቱ። ቀስ ብቀስ ከኣ እቲ ዝነበረና ልኡምነት ናብ ድርቅና ገጹ ይልወጥ!  እቲ ክጅምር እንከሎ ቅዱስ ሓሳብ ሠናይ ሓሳብ ዝመስለና ዝነበረ ሓቀኛ መንነቱ ይጋለጽ።

ካብዚ ብትዕግሥቲ ዝግበር ዘይተርፍ መመያ መበቆልን ሓቅነትና ናይ ሓሳባትና ምስ እንነቅል ንኩሉ ጌጋታትና በብሓደ ክነጻሪ ክንመሚ ንዕደም ማለት እዩ። ንገዛእ ርእስና መጠን ዝፈለጥናሉ እቲ ክፉእ መንፈስ በየን በየን ከምዚኣቱ ነስተውዕል እሞ ነቲ ከም መፍትሕ ዝጥቀመሉ ፓስዎርድ ዝበልናይ መፋትሕ ልብታትና ብጥንቃቄ ከምእንሕዝን ንመጻኢ ንቊሓት ንክንከውንን ይሕግዘና። ነፍስወከፍና ድኹም ጐድንታት ኣለውና፣ ክፉእ መንፈስ ካብአን ነቂሉ እዩ ዘታልለናን ኣብታ ንሱ ዘሰናደዋ መጻወድያ ዘእትወናን። ነዚ ኣብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ብምውሳድ ወይውን ካብቲ ቅዱዕ ጐዳና ከምእነልግስ ብምግባር ይፍጽሞ። ክጽሊ ክኸይድ እየ ቢልና ከም እንነቅልን ካብ መንገዲ ጸሎት ከምእንርሕቅን ይገብረና።

ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኣተኲርና ብምስትንታን እቲ ኣብነታት ከም ድላይና ክነብዝሖም ንኽእል። ነዚ ኸኣ ብግዲ ክንገብሮ ኣሎና። ስለዚኸስ ዕለት ዕለት መርመራ ሕልና ምግባር ኣድላዪ እዩ። ሥርሕ ውዒልና ዕለትና ቅድሚ ምፍጻሙ ሓንሳብ ደው ቢልና ሎሚ እንታይ እንታይ ኮነ! ቢልና ሕልናና ንመርምር። እዚ ኣብ ዕለታዊ ጋዜጣታትን ካልእ ንብረትን ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ልብና ንዝኾነ ነገር ብምምርማር ከይተረዳኣና ዝሓለፈና ጒዳያት ከይህሉ! ዓብየዶ! ወይስ! እናበልና መርመራ ሕልና ንግበር። እዚ ኣድላዪ እዩ። በዚ ጠመተ እዚ ንዝወዓልካዮ ኩሉ ዳግም ምንባብ ዘድክም እኳ እንተኾነ ዋጋ ዘለዎ ድኻም እዩ። እንታይ እንታይ ከምዝተፈጸመ ምዝካር ኣድላዪ እዩ! ብሓርነትን ምስትውዓልን ንክንዓቢ ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጥና ይሠርሕ ከምዘሎ እውን ጭቡጥ ምልክት እዩ።   በይንና ኣይኮናን። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ምሳና እዩ። ሃየኸስ ዕለት ዕለት ከመይ ከምዝሓለፈት ንመርምር።

ሓቐኛ ምጽንናዕ ፍቃድ እግዚአብሔር ንፍጽም ከምዘሎና እተረጋግጽ ሓቂ ኮይና ብመንገዱ ከም እንመላለስ ማለት ብመንገዲ ሕይወትን ሓጐስን ሰላምን ከምእንመላለስ የረጋግጸልና። ከም ሓቁ ከኣ መመያ ናብ ሓቀኛ ሠናይ ጉዳይ ወይውን ዝለዓለ ተኽእሎ ሠናይ ኣይኮነን ዝመርሓና እንታይ ደኣ ኣብዛ ሁመት እዚኣን ኣብዚ ቦታ እዝን ሠናየይ ኣየናይ ምዃኑ ኣለልየ ንክኽእል እዩ ዝሕግዘኒ። በዚ ከምዚኸስ ኣብ ሃሰሳ ሓቐኛ ሠናይ እንገብሮ ጒዕዞ ከይንታለል ነቲ ሰሓቢ ግን ከኣ ሓቀኛ ዘይኮነ ቊርጺ ፍቃዳት ደረት እናገበርና ንክንዓቢ ዝተዋዕና ኢና።

ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ልብና እንታይ እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ንምርዳእ ንቅድሚት ንምግስጋስ ምስትውዓል የድልየና። ስለዚ ኸኣ እዩ ዕለት ዕለት ኣብ ልብና እንታይ እንታይ ከምዝተፈጸመ ንክንፈልጥ መርመራ ሕልና ክንገብር ዘሎና! ሎሚ ተቈጢዔዶ! ዘይፈጸምክዎ እንታይ ኣሎ! ስለምንታይከ! ልዕሊ ኩሉ ግን ምንጪ ጌጋታተይ እንታይ እዩ ቢልና ሃሰስ ንበል። ከማኡ እውን ሎሚ ሕጉስ እየ ነረ እንተኾነ ነዚ ዘይርዳእ ሕዝቢ ምሕጋዝ ሰልችዩኒ ነሩ ግን ከኣ ኣብ መወዳእታስ ነቲ ሓገዝ ብምውፋየይ ምልኣት ተሰሚዑኒ ብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ምሳይ ኣሎ ወዘተ። ኣብ መጽሓፍ ልብና ኣብ መዓልቱ እንታይ እንታይ ከምዝተጻሕፈ ክተንብብ ምኽኣል የድሊ። እዚ ጉዳይ እዚ ካብ ክልተ ደቂቅ ኣይሓልፍን እዩ! ግበሮ! ኣማስያኡ ንሠናይካ እዩ! ነዚ ከኣ ኣነ ኣረጋግጸልካ! እግዚአብሔር ይሃበለይ።

 [ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!]

30 November 2022, 12:59

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >