ድለ

እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ዕለታዊ መነባብሮና ወትሩ ኣሎ! ንበራበር! ዘመነ ምጽኣት’ዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 27 ሕዳር 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለወንጌልን ምጅማር መቀራረቢ ልደት ቀዳማይ ሰንበት ዘምጽኣትን ዘመኣከለ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም። ‘ጐይታ ብርግጽ ክመጽእ እዩ፣ ነቲ ኣብ ዕለታዊ ተግባራትና ዝዛረበናን ዘስተንፍሰልናን ኣምላኽ በቲ ዕለት ዕለት እንገብሮ ነገራት ከይተዘናጋዕና ጽን ቢልና ንስመዓዮ’ እንክብሉ ጸዊዖም።

ዜና ቫቲካን!

ዓመት መጸ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓዲስ ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ እትጅምረሉ ምስ ዘመነ ምጽኣት ብምዃኑ ሰንበት ዕለት 27 ሕዳር 2022 ዓም ቀዳማይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ምጅማር ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ 2022-2023 እውን ነበረ። ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ ሮሜ 13.12 ‘ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ’ ዝብል ተመርኲሶም ነፍስወከፍና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ነዘን ሕቶታት ነስተንትን ኢሎም። ከመይ ከመይ ቢለ እነብር ከምዝለኹ ይስቈረንዶ! ተጠንቂቀዶ እጽበ! እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ዕለታዊ መነባብሮይ ምሳይ ከምዘሎኸ ይርደኣንዶ! ወይስ ልበይን ቀልበይን ኣብ ካልእ ጒዳያት ሰሊሉ ይነብር! ቢልና ብምሕታት ካብ ድቃስ ክንበራበር ኣዘኻኺሮም። ቅዱስነቶም ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ መርመራ ሕልና እንክገልጹ ከኣ ‘ከምዚ ዓይነት መርመራ ሕልና ኣካዪድና እንተዘይተባርበርና ሎሚ ጐይታ ዕለት ዕለት ኣባና ከምዝመጽእን ምሳና ከምዘሎን እንተዘያስተዊዒልና ኣብ መወዳእታ ዓለም ክመጽእ እንከሎ እውን ከይተረደኣናን ከይተሰናዶናን ደበኽ ክብለና እዩ’ ምስ በሉ ጐይታ ወትሩ ከምዝመጽእን ከምዝድግፈናን ኣብ ቀረባና ምዃኑን ክንዝክር ኣሎና ኢሎም።

እግዚአብሔር ወትሩ ይመጽእ! ቀረባና ኮይኑ ይድግፈና!

ቅዱስነቶም ናብ ቀንዲ ትምህርቲ ዘመነ ምጽኣት ምልስ ብምባል ‘ምጽኣት ጐይታ መሠረት ተስፋ እዩ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ኣብ ግዜ ጸገምን ስቃይን ሕይወትና ይድገፈና። እግዚአብሔር ወትሩ ምስ መጸ እዩ፣ ነዚ ኣይትረስዑ። ጐይታ ወትሩ ይበጽሓና ቀረባና ኰይኑ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ይድግፈና ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኣብ ሕቊፉ ንከንብረና ክወስደና ብክብርን ብግርማን ክመጽእ እዩ። እንተኾነ ነዘን ክልተ ሕቶታታ ክንሓትት ኣሎና። እታ ቀዳመይቲ ጐይታ ከመይ ኰይኑ ኮን እዩ ዝመጽእ! እታ ካልአይቲ ከኣ ከመይ ገቢርና ክነለልዮን ክንቅበሎን ኢና ዝብላ እየን’ እንክብሉ ንኣስተንትኖ ዓዲሞም። እንተኾነ እግዚአብሔር ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ተሰዊሩ ከምዝነብር ኣብ እንገብሮ ርክባት እውን ከምዘሎ ዘርክሩ ኢሎም።

እግዚአብሔር ኣብ ስራሕናን ርክባትናን ተሰዊሩ ይነብር!

ቅዱስነቶም ነታ ጐይታስ ከመይ ከመይ ኮይን ኮን ይመጽእ ይኸውን ንትብል ሕቶ ንክምልሱ ናብታ ብተደጋጋሚ ‘ጐይታ ወትሩ ምሳን እዩ! ኣብ ጒዕዞና የሰንየና የዕልለና’ ዝበልዋ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ጸገም ካባና ምዃኑ ‘እዚ ሓቅዚ ሓሳባዊ ሓቂ እምበር ክውን ሓቂ ኣይመስለናን ንዝንግዕ ወይውን ጐይታት ብሓደ ዓቢ ምልክት ብዘደንቅ ተኣምር ይመጽእ ይኸውን እምበር’ ንብል ንኸውን እንተኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዙይ ኣብ ወንጌሉ የነጽረልና እዩ። ኣመጻጽኣኡ ከምቲ ኣብ ዝመነ ኖህ ዝኾነ ሰባት ዕለታዊ ጉዳያቶም ከም ማንም መዓልቲ ክሰርሑ እንከለው ክበልዑን ክሰትዩ ከውስቡን ክዋሰቡን እንከለው ብዘይ ምንም ድርጓዕጓዕን ካልእ ተኣምርን ደበኽ ዝበሎ ዳግማይ ምጽኣቱ እውን ከማኡ ክኸውን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ እዩ።

“እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ተሓቢኡ ኣሎ! ኣብቲ ነባራዊ ዕለታዊ ኩነታትን ሕይወትና ተሓቢኡ ኣሎ። ብደርጓዕጓዕን ተኣምርን ኣይኮነን ዝመጽእ እንታይ ደኣ ኣብታ ዕለት ዕለት እንገብራ ዝኾነ ሥራሕ ይግለጽ። ኣብቲ ዕለት ዕለት እንገብሮ ስራሕስ ይኹን ርክባት ኣብ ገጽታ ሓደ ጽጉም ሓው ዋላውን ኣብታ ኩሉ ዝሕርብተና ደንበረ ዝኾነ ዕለታት ጐይታ ወትሩ ኣባኡ ኣሎ! ይጽውዓና! ይዛረበና! ንተግባራትና ሕይወት ይህብ። እንተደኣ ንክንነብር ኢልና ጥራይ ንቃለስ ኮና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን! እንተደኣ ተጠንቂቅናን ነቂሕናን ንጽበዮ ኣሊና ግን ክንሰምዖን ክንርእዮን ኢና ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ናብታ ንጐይታስ ከመይ ቢልና ኢና ነለልዮ ከመይ ጌርናኸ ኢና እንቅበሎ እትብል ሕቶ ስግር ይብሉ እሞ ኣብዚ እውን ካብ ድቃስ ክንነቅሕ ብጥንቃቄ እንሕሉን እንጽበን ክንከውን የድሊ። ከመይ ኢየሱስ ንሱ ከምዝመጸ ከየስተውዓልካ ከይተሰናዶኻ ናይ ምጽናሕ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጹልና እዩ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ጐይታ ብጥቃይ ኪሓልፍ እንከሎ ከየለለኽዎ ከይሓልፍ እፈርህ ይብል ነበረ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኢየሱስ ነቶም ናይ ዘመነ ኖህን ማይ ኣይህን ከም ኣብነት ዝህበና። ኣብ ዘመነ ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ንምድሓን ኖህ መርከብ ክሰርሕ እንከሎን ተሰናደው ክብሎም እንከሎን ዘላግጹሉን ዋጋ ዘይህብዎን ዝነበሩ ብሃንደበት ማይ ኣይሂ ምስ ወረደ ኩሎም ጥሓሉ። ኢየሱስ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ እውን ኣብ ግራት ካብ ዝሰርሑ ክልተ ሰብኡት ነቲ ሓደ ክወስዱ ነቲ ሓደ ኪሓድጉ ምዃኖም ዝገልጾ ነዚ ሃንደበታዊ ምምጻእ ጐይታ ንምስትምሃርን ተሰናዲና ንክንጽበን እዩ።

“ኣየናይ እዩ እቲ ፍልልይ እንተበልና! ብቀሊሉ እቲ ሓደ ተጠንቂቁ ነቂሑ ዝጸበ እንተኾይኑ ጐይታ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ከምዘሎ ክግንዘብ ይኽእል! እንተ እቲ ዘንጊዑ ነዛ ንክነብር ጥራይ ዚሓስብ ግን ብዛዕባ ምንም ኣይግንዘብን ስለዚ ነዚኤን ሕቶ ንሕተት።”

ሕያው ከምዝኾንኩስ ይስቈረንዶ! ንቊሕ ድየኸ! ስለዚ እዚ ሓሳብ እዚ ከነቃንቀና ነፍቅድ እሞ ካብ ድቃስና ንበራበር፣ ብድሕሪኡ ሕያው ከምዝኾንኩ ከምዝነብር ይርደኣንዶ! ጥንቁቅ ድየ! ነቂሐዶ ኣሎኹ ብማለት ንጐይታ ስንድዋት ክንከውን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ኣብቲ ዕለት ዕለት ዘጋጥመኒ ነገራትን መነባብሮይን ህላዌ ጐይታ እርእዶ ወይስ ብካልእ ጉዳያት ተዋሒጠ እህመል! ሎሚ ብዛዕባ ምጽኣቱ እንተዘይተረዲኡና ኣብ መወዳእታ ዓለም ክመጽእ እንከሎ እውን ከይተሰናዶና ክንጸንሖ ኢና። ስለዚ ንቚሓት ንኹን! ንጠንቀቅ ኢሎም።”

ነዚ ኩሉ ኣብነት ትኾነና እግዚእትነ ማርያም ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ ብቀንዱ እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ብጥቃኣ ዚሓልፍ ዝነበረ ትሑትን ኣብ ናዝሬት ተሓቢኡ ዝነብርን ዝነበረ እግዚአብሔር ክተለልዮን ኣብ ማሕጸና ክትቅበሎን ዝኸኣለት ናይ ትጽቢት መምህር ንዓናውን ኣብዚ ናይ ትጽቢትን ንቅሓትን ጒዕዞ ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕሪጎም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
28 November 2022, 16:16

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >