ድለ

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ግዳያት ርእደ መሬት ኣብ ጃቫን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለምን ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ግዳያት ርእደ መሬት ኣብ ጃቫን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለምን  (AFP or licensors)

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ግዳያት ርእደ መሬት ኣብ ጃቫን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለምን

ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክወርድ እቲ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዘሎ ግጥም እግሪ ኩዕሶ ጽዋዕ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስኒትን ሕውነትን ዘስፍሕ ክኸውን ብተወሳኺ እውን ኣብ ኡጋንዳ ብውሳኔ ቅዱስነቶም ብጽዕና ዝተኣወጅሎም ኮምቦናዊ ልኡከ ወንጌልን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማያት ባሕርን ከም ዝዘከሩን ኣብቲ ናይ ትማሊ ናይ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት መልእኽቶም፥“ዝሓለፈ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሕዳር በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ኣብ ህልው ኩነታትን ፍጻሜታትን ዓለም ኣማእኪሎም፡ ሓሙሽተ መልእክቲ ጸሎት ከም ዝፈነው ክዝከር እንከሎ፥ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክወርድ እቲ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዘሎ ግጥም እግሪ ኩዕሶ ጽዋዕ ኣብ መንጎ ህዝብታት ስኒትን ሕውነትን ዘስፍሕ ክኸውን ብተወሳኺ እውን ኣብ ኡጋንዳ ብውሳኔ ቅዱስነቶም ብጽዕና ዝተኣወጅሎም ኮምቦናዊ ልኡከ ወንጌልን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማያት ባሕርን ከም ዝዘከሩን ኣብቲ ናይ ትማሊ ናይ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት መልእኽቶም፥“ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኡጋንዳ ኣባ ጁዘፐ ኣምብሮሶሊ ኮምቦናዊ ካህንን ሓኪምን ነቶም ኣብ ወጅህታቶም ክርስቶስ ዘለልዩሎም ህሙማን ህይወቶም ዘወፈዩ ብጽዕና ከም እተኣጀሎምን ምስክርነቶም ንጽጉማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍቕሪ ከነገልግሎም ይሕግዘና” ዝብል ቀዳማይን፡“መንፈሳዊ ምጽንናዕ ኣብ ኩሉ ነገር ህላወ ኣምላኽ ክትርኢ ዘኽእለካ ናይ ውሽጣዊ ሓጐስ ተመክሮ እዩ። እምነት ተስፋን ሰናይ ናይ ምግባር ዓቕምን የደልድል። ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጸገማት ተስፋ ከምዘይቆርጽ የረጋግጽ፡ ምኽንያቱ ካብ ፈተና ዝሓየለ ሰላም ስለ ዝህብ!” ዝብል ካልኣይን፥ “ኣብዘን ዝሓለፋ ሰዓታት ደሴት ጃቫን ኢንዶነዢያን ብሓያል ርእደ መሬት ከም እተሃስያን ምስቲ ክቡር ህዝቢ ዘለኒ ቅርበት እገልጽ ንዝሞቱን ዝተገኡድኡን ድማ እጽሊ!” ዝብል ሳልሳይን፥ “ኣብ ቃጣር ዝካየድ ዘሎ ናይ ዓለም እግሪ ኵዕሶ ግጥም ተጻወትን ደገፍን ተዓዘብትን ኩሎም እሓስብ እዚ መደብ ስፖርት እዚ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሕውነትን ሰላምን ምርኻብን ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ዕድል ይዅን!”  ኣብ መወዳእታ፥ “ንሕዝቢ ዩክረይን ብፍሉይ እሓስብ፡ ምእንቲ ሰላም ሓቢርና ንጸሊ፥ ሎሚ ቀዳማይ ዝኽሪ ዘስካሕክሕ ምጽናት ዓሌት ሆሎዶሞር እዩ። ነቶም ሎሚ ብሰማእትነት ዓመጽ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንጸሊ!” ዝብል ሓምሻይ መልእኽቲ ከም ዝፈነዉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብ መዛዘሚ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ (ዕለት 23 ሕዳር 2022 ዓ.ም.) ሓሳባቶምን ጸሎቶምን ናብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ኣቕኒዖም፥

ጸሎት ምእንቲ ግዳያት ርእደ መሬት ኣብ ጃቫ

ቅዱስነቶም ፈለማ ምስቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዘጋጠመ ሓያል ርእደ መሬት ዝተሃስየት ደሴት ጃቫ ኢንዶኖዥያ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት እውን ማህሰይቲ ከም ዝወረዶምን ምስ ሰምዑ፡ ቅርበቶምን ጸሎትም ኣረጋጊጾም፣ ነቶም ናይ ሓደጋ ምክልኻል ሰራሕተይናታት እውን ዘኪሮም ናይ ህጹጽ ህይወት ኣድሕን ጻዕርታት ኣብ ዘቕርብሉ ዘለዉ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ኣስታት 13 ሺሕ ሰባት ከም እተመዛበሉ እንክሕበር ቅዱስነቶም፥ “ነቲ ክቡር ህዝቢ ዘሎኒ ቅርበት እገልጽ ንዝሞቱን ንዝተጎድኡን ድማ እጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ዓለም ግጥም ኲዕሶ እግሪ ኣብ ቀጣር

ቀጺሎም ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዘሎ ናይ ዓለም ግጥም እግሪ ኲዕሶ ዘኪሮም፥ እቲ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዘሎ ግጥም ጽዋዕ ኲዕሶ እግሪ፥ ተሳተፍቲ ስፖርተይናታትን ደገፍትን ተዓዘብትን ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም፥ “እዚ ኣገዳሲ ፍጻሜ ኣዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ርክብን ስኒትን ዝፈጥር ኣብ መንጎ ህዝብታት ሕውነትን ሰላምን ዘደንፍዕ ኣጋጣሚ ይኹን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰላም ኣብ ዩክሬይንን ዓለምን

ቅዱስነቶም ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ክህሉን ኩሉ ግጭታት ከብቅዕን ኵሉ ክጽሊ ሓቲቶም። ብፍላይ “ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስቓይ ክቡርን ስዉእን ህዝቢ ዩክሬይን” ጠቒሶም፡ ነቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 1932 – 1933 ዓ.ም. ስርዓት ስታሊን ኣብ ልዕሊ ሆሎዶሞር ብዘውረዶ ሰብ ሰርሖ ስእነት መግብን ጥምየትን ዘስዓቦ ምጽናት ዓሌት ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ “ንግዳያት ናይቲ ምጽናት ዓሌት ንጸሊ፡ ንዅሎም ዩክረይናውያን ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዕሸላት ሎሚ ብሰማዕትነት ዓመጽ ዝሳቐዩ ንዘለዉ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብጽዕና ኮምቦናዊ ካህን ኣባ ጁዜፐ ኣምብሮሶሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 20 ሕዳር ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካሎንጎ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትሉ ተወላዲ ኢጣሊያ ሰበኻ ኮሞ ኮምቦናዊ ልኡከ ወንጌል ካህንን ሓኪምን ኣብ 1987 ዓ.ም. ህይወቶም ነቶም ህያው ወጅሂ ክርስቶስ ንዝኾኑ ህሙማን ኩሎም ዘወፈዩ፥ “እቲ ዘደንቕ ምስክርነት ብጹዕ ኣምብሮዞሊ ንነፈሲ ወከፍና ንቤተ ክርስቲያን ዝበቕዑ ንኽንከውን ንጽጉማት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍቕሪ ከነገልግሎም ክሕግዘና ይኽእል” ቢሎም ከም ቤተ ክርስቲያን ንዝተዓደልናዮ ሓድሽ ብጹዕ ሓጐስና ብጣቕዒት ንግለጽ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሳ

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ፥ ዕለት 21 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዓሳ ዝዝኸረሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ዘየጽነት ንዘላቕነት ዝኣመተ ኣገባብ ምግፋፍ ዓሳ ክህሉ ዝጽውዕን ምህርቲ ዓሳ ንምዕባይ ዝዓለመ መዓልቲ እዩ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር፥ “ብምኽባር መሰል ብሃብቲ ዓሳ ዝመሓደሩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብዕዮታቶም ኣብ ውሕስነት መግቢ ኣመጋግባና ኣብ ምንካይ ድኽነትን ዓለምና ኣበርክቶ ዝገብሩ እያቶም” እንክብሉ ገሊጾም፥ በዚ ቃል እዚ ንዅሎም ተመሓደርቲ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 November 2022, 16:10