ድለ

2022.11.27 Angelus 2022.11.27 Angelus  (Vatican Media)

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ከም ኣጽዋር ውግእ ዝጥቀሙሉን ዝውቱርን ጒዳይ ኮኑ ኣሎ! ር.ሊ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 27 ሕዳር 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ኣባላት ናይቲ ነዚ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ንምቛዋም ብኤምባሲ ዓዲ እንግሊዝ ንቅድስት መንበር ዝተሰናደወ ሰልፊ ዝገበሩ ሰላምታ ኣቅሪቦም። እዚ ዓመጽ እዚ ከም መጋበሪ ውግእ ኮይኑ ከምዘሎ ምስ ገለጹ ቅድሚ ሠለስተ መዓልቲ ካብቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብሩ ግዳም ሓደ ቡርክሃርድ ሸፍለር ዝበሃል ብቁሩ ሙማቱ ከምዘሕዘኖምን ስለኡ ከምዝጽልዩን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ምናዳኻ ቅትለት ዝተሓወሶ ኣብ ገሊአን ሃገራት ዝግበር ቅጥዒ ዝሰኣነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዳርጋ ከም ኣጽዋር ውግእ ብብዙሓት ዝዝውተር ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ሰላማዊ ሰለፊ ተጻይ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ብኤምባሲ ዓዲእንግሊዝ ንቅድስት መንበር ዝተሰናደወን ምረሻኡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበረን ኣብላት ሰላምታ ኣቅሪቦም።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ዝርከብ ዓለምሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ድሮ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤኡ ዝተበገሰን ኣትለቲክስ ከተማ ቫቲካን ዝተቀበሎን ኮይኑ ብኤምባሲ ዓዲ እንግሊዝ ንቅድስት መንበር ‘ነዚ ዓውለማዊ ግድል ኮይኑ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ከም ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም ንኩሉ ንክበርህ’ ብማለት ዝተገብረ ሰልፊ ኮይኑ ተሳተፍቲ ናይቲ ሰልፊ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በጺሖም ኣብ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ተሳቲፎም። ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳተፍቲ ብዙሓት ኣብ ርእሲ ምንባሮም በብጒጅለ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ሮማ ነቂሎም ገሊኦም ንሰዓታት ከምዝተጓዕዙ እውን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ዝሓለፈ ዕለት 25 ሕዳር ተዘኪሩ ንዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቅዱስነቶም  ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ደረጃ ሰብኣውነትና በቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘሎና ናይ ኣተሓሕዛ ኣገባብ ዝዕቀን ምዃኑ ከም ዘዘኻውሩን ኣብ ናይ ዕለቱ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ትዊተር እውን፥“ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝቐንዔ ተግባራት ዓመጽን ምዝመዛን ቀሊል ገበን ኣይኮነን። ነቲ እግዚኣብሔር ንዓለም ክህቦ ዝደለየ ስኒትን ምግጥጣም ጽባቔን ዘጥፍእ ዓቢይ ገበን እውን እዩ!“ ቢሎም ከምዝነበሩን ይዝከር።

ኣብ ፍጻሜ ቅዱስነቶም ዝዘከርዎ እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝነብር ዝነበረ ቤት ኣልቦ ቡርኻርድ ሸፍለር ዝበሃል ጀርመናዊ ዘኪሮም ከምዚ ቢሎም።

ነቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኣዕኑድ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሰንኪ ቊሪ ዝሞተ ቡርኻርድ ሸፍለር እውን እዝክር ኢሎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
28 November 2022, 16:32