ር. ሊ. ጳ.፦ ነቲ ኣብነት ጽድቅን እምነትን ዝኾነ ቅዱስ ዮሴፍ ንስዓቦ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ኣብነት ጽድቂ ቅዱስ ዮሴፍ ኣስተንተኑ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ከኣ፣ ነዚ ሓያል ቅዱስ ከም ኣርኣያ ትውክልትን ግሉጽነትን ፍቕርን ገይሮም ክስዕብዎ ዓደምዎም ።
ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈጻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ 29 ጥሪ 2025

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፣ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዝሓዞ መደባት ብኸመይ ከም እንኣምኖን እንቕበሎን ኣብነት ዝኾነና ትሑትን ቅዱስን ምሳሌ ኢዩ ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብዚ ዘሎናዮ ዓመተ ኢዮቤል ዘካይድዎ ዘለዉ “ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና ኢዩ!” ዘርእሱ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ብዛዕባ ኣብነት ቅዱስ ዮሴፍ ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ዮሴፍ ነቲ ኣምላኽ ንዓና ንምድሓን ዘውጸኦ መደብ ኣብ ምፍጻም ንዝነበሮ ግደ፣ ብኸመይ ብሕልሚ ከም ዝተረድኣን፣ ኣብ ፈለማ ጥርጣረታት እኳ እንተ ነበሮ፣ ንማርያም ከም ሕጽይቱ ናብ ቤቱ ብምውሳድን፣ ነቲ ስጋ ዝለበሰ ወዲ ኣምላኽ መንበሪ ብምሃቡን እንታይ ምላሽ ከም ዝሃበ ኣስተምሃሩ ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ከርስቶስ ነቕርበልኩም

 

3. "ኢየሱስ ኢልካ ውን ክትሰምዮ ኢኻ" (ማቴ 1፡21)።

ንቅዱስ ዮሴፍ ዝተነግሮ ብሥራት

 

ናይ ዕለቱ ንባብ፦ ማቴ 1 18-21

 

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ሎሚ ካብቲ ንግዜ ሕጻንነት ኢየሱስ ዘዘንትወልና ክፍሊ ወንጌል፣ ብዛዕባ እቲ ተስፋና ዝኾነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ምስጢረ ወለዶኡ ከነስተንትን ኢና።

ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ኣብ ኣረኣእያ እታ ኣዲኡ ዝኾነት ድንግል ማርያም ተመርኲሱ፡ ነዚ ከነስተንትን  ክድግፈና እንከሎ፣ ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ድማ ካብ ኣረኣእያ እቲ ሕጋዊ ኣቦ ኢየሱስ ዝዀነ ቅዱስ ዮሴፍ ተበጊሱ፣ ንኢየሱስ ኣብ ዘርኢ እሴይ ብምእታው ምስቲ ንዳዊት እተነግሮ ተስፋ ከተሓሕዞ ይርከብ።

እወ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንዳዊት ብተስፋ ዝተነግሮ ዘርኢ ኮይኑ (2 ሳሙ 7፡12፣ 1ቆሮ. 17፡11)፣ ንቤቱ 'ንዘለኣለም በረኸት ዝኸውን' (2 ሳሙ . 7፡29)፣ እቲ ካብ ጉንዲ እሴይ (Is 11፡1) ዚወጽአ ጠጥዒ ብምዃን፣ ንሱ "እቲ ንጉስ ብጥበብ ክገዝእ፣ ቅንዕና ክገብር ኣብታ ሃገር ከኣ ፍትሒ ከውጽእ ኢዩ" (ኤር 23፡5፣ 33፡15)።

ቅዱስ ዮሴፍ ንድንግል ማርያም ኣብ ዝተሓጽየሉ እዋን፣ ናብቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዚርከብ ፍጻመ ኣተወ። ንእብራውያን፡ ሕጸ ምሉእ ብምሉእ ሕጋዊ ማእሰር እዩ ዝነበረ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዚግበር ጽምብል መርዓ መሰናደዊ እዩ ዝነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኢያ እታ መርዓት፣ ካብ መዝነት ኣቡኣ ወጺኣ፣ ናብ ሓላፍነት ሰብኣያ እትሓልፍን ናብ ቤቱ ብምውሳድ ንህያብ ኣደነት ፍቓደይና እትኸውን ።

ብልክዕ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ፣ ቅዱስ ዮሴፍ፡ ንማርያም ጠኒሳ ዝረኸባ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ፍቕሩ ብኸቢድ ዝተፈተነ። ብተመሳሳሊ ድማ ነቲ ዝኣተውዎ ሕጸ ክሳብ ምቁራጽ ምስ ዘብጽሕ ኩነት እተጋጠመ፣ እቲ ሕጊ ድማ ክልተ ተኽእሎታት መፍሒ የቕርበሉ ነበረ፣ ወይ ብሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ነታ ሰበይቲ ናብ ፍርዲ ከቕርባ፣ ወይ ድማ ግላዊ ውሳኔ ብምውሳድ፣ ናይ መፍትሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ከፋንዋ ይኽል ነበረ።

ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ንዮሴፍ "ጻድቕ" ስለ ዝነበረ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ፣ እዚ ሰብኣይ ከም ሕጊ ጐይታ ዝነብር ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ህይወቱ ድማ፣  በዚ መንፈስ ኣምላኽ ኢዩ ዝምራሕ ዝነብረ። ስለዚ ቅዱስ ዮሴፍ ንቃል ኣምላኽ ሰሚዑ ብርቱዕ ውሳኔ ገበረ፣ ብባህርያዊ ስምዒታቱ ተደሪኹ ንማርያም ናብ ቤቱ ክወስዳ ፈርሐ፣ ብመለኮታዊ ጥበብ ኪምራሕ ውን መረጸ። ንማርያም ብስቕታ፣ ማለት ብሕቡእ ክሓድጋ ደለየ (ማቴ 1፡19)። እዚ ጥበብ እዚ ጌጋታት ንኸይገብርን፣ ንድምጺ ናይቲ ኣብ ሕልሙ እተዛረቦ ጐይታ ድማ ክፉትን ልኡምን ንክኸውን ኣኽኣሎ።

በዚ ኸምዚ ቅዱስ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፣ ነቲ ካልኣይ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ፣ እቲ "ጐይታ ሕልሚ" (ዘፍ 37፡19) ዝተሰምየ ክንዝክሮ ይገብረና፣ እዚ ዮሴፍ እዚ ብኣቦኡ ኣዝዩ ዚፍቶን፣ በቶም ኣሕዋቱ ዝተሸጠ፣ ጐይታ ግና ብመንገዲ ሕልሚ ልዕል ብምባል ኣብ መንበረ ፍርዲ ፈርዖን ዘቐመጦ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት ግና እንታይ ሕልሙ እዩ ዝሓለመ? ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ድንግል ማርያም ዝፈጸሞ ተኣምር፣ ከምኡውን ነቲ ኣብ ህይወቱ ዝገብሮ ተኣምር፣ ማለት ነቲ ስጋውን መንፈሳውን ውርሻ ናይ ምሕላውን ናይ ምዕቋብን ናይ ምምሕልላፍን ዘለዎ ናይ ኣቦነት ተልእኾኡ ኢዩ ዝሓለመ። እታ መርዓቱ ድማ ንተስፋ ኣምላኽ ጸኒሳ ነበረት፣ እዚ ተስፋ እዚ ኸኣ ንዅሎም ደቂ ሰባት ዜተኣማምን፣ ድሕነት ዝረኽቡሉ ስም ዝሓዘ እዩ ዝነበረ (ግ.ሓዋ 4፡12)፦ ስሙ ድማ ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ ኮነ።

ዮሴፍ ኣብ ድቃሱ እንከሎ "ዮሴፍ ወዲ ዳዊት ንማርያም ሕጽይትኻ ናብ ቤትካ ኽትወስዳ ኣይትፍራህ። ከመይሲ እቲ ካብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እያ ዝጸነሰቶ። ወዲ ኽትወልድ እያ፣ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ኢልካ ክትሰምዮ ኢኻ" (ማቴ 1፡20-21)። ዮሴፍ ነዚ ራእይ እዚ ምስ ረኣየ፣ ተወሳኺ መርትዖ ኺሓትት ኣይደለየን፣ ኣሚኑ፣ ኣብ ኣምላኽ ብምካል፣ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወቱን ብዛዕባ ሓጢኣቱን ዘለዎ ፍቓድ ድማ ተቐበለ። በዚ ኸምዚ ፣ ብጸጋ፡ ከም ሓደ ንመለኮታዊ መብጽዓ ብእምነትን ብተስፋን ብፍቕርን ብኸመይ ከም ዝፍጽሞ ዝፈልጥ ሰብ ኮነ።

ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረበን፣ የግዳስ ይኣምንን ተስፋ ይገብርን የፍቅርን ነበረ። ሓሳባቱ ብጭቡጥ ተግባራት ደኣ እምበር "ብቓላት" ይገልጽ ኣይነበረን። በዚ ኸምዚ ድማ ንሱ ኣብ መስመር እቶም ገበረቲ ቃል (cf. ያእቆብ 1 22) ተባሂሎም ዝጸውዑ ሰባት ኮነ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም "ነቲ ቃል ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ"፣ ነዚ ቃል እዚ ድማ ናብ ግብሪ ዝትርጉምዎ፣ ሥጋ ዘልብስዎ፣ ህይወት ውን ዝህብዎ ኢያቶም። ዮሴፍ ኣብ ኣምላኽ ይውከልን ይእዘዝን ነበረ፣ "ውሽጣዊ ምስትውዓሉ ድማ ንኣምላኽ ... ብስቕታን ብወዝብን ናብ ምእዛዙ መርሖ" (Benedict XVI, The Infancy Narratives, Milan-Vatican City 2012, 57)።

ንሕና ውን ካብቲ እንዛረቦ ንላዕሊ ንኽሰምዕ፣ ንሕልምታት ኣምላኽ ውን ንኽንሓልም፣ ከምኡውን ነቲ ካብ ግዜ ጥምቀትና ኣትሒዙ ኣብ ህይወትና ህያው ኮይኑ ንዝነብርን ዝዓቢን ክርስቶስ ብሓላፍነት ንኽቕበሎ ንጐይታና ጸጋ ንለምኖ ። ተባረኹ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)
29 Jan 2025, 12:56