ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ - ዑር ምስ ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ዕለት 6 መጋቢት 2021 ዓ.ም.  ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ - ዑር ምስ ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ዕለት 6 መጋቢት 2021 ዓ.ም.  

ትእምርቲ ዘተ ኣብ መንጐ ደቂ ኣብርሃም

ኣብ ዑር ኣብታ መሬት ኣርሃም ምስ ኣባላት ሃይማኖት ኣይሁድን ክርስትናን ምስልምናን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብሓባር ናይ ሰብእዊ ሕውነት ክቡራት ዋጋታት ንምንቕቓሕ ዘካየድዎ ርክብ

ሰብኣዊ ሕውነት ሓልዮ ላዕለዋይ ሽማግለ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መደብ መሰረት ኣብ ዑርን ናጃፍን ዝፈጸመዎ ምብጻሕ ድሕሪ ናይ ኣቡ ዳቢ ውሳኔ፡ ምስ ምስልምና ዓለም ዝግበር ዘተ ንቕድሚት ምስጓሙ ዝምክስር እዩ እንክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብንጽር ንዓለም ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዝብል ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ውሳኔ ሰነድ ብዘነቓቅሖ ክቡራት ዋጋታት መንጽር ክትምልከቶ  ኣገዳሲ ከምዝኾነን እዚ ኸኣ ንዒራቕ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ታሪኻዊ ኵነት እዩ፡ ኣብ ኣፈት ምዝዛም ታሪኻዊ ምብጽሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዒራቕ፡ ነቲ ሓዋርያዊ መገሻ ብምድናቅ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ዓል-ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል እርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ኣባላት ዝሓቁፍ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ባቕዳድን ናጃፍን ዔርቢልን ሞስዑልን ከተማታት ዝፈጸምዎ ምብጻሕ ዝጠቐሰ እቲ ሰብእዊ  ሕውነት ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ሽማግለ ካብ ኤሚራት ዓረብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ  ኣብ ዝገበሮ መግለጺ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኣብ ዑር ኣብታ መሬት ኣርሃም ምስ ኣባላት ሃይማኖት ኣይሁድን ክርስትናን ምስልምናን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ብሓባር ናይ ሰብእዊ ሕውነት ክቡራት ዋጋታት ንምንቕቓሕ ዘካየድዎ ርክብ ጠቒሱን፡ ብፍላይ ኣብ መፈጸምታ እቲ ርክብ ናይ ደቂ ኣብርሃም ጸሎት ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ናይ ሓባር ጸሎት ቅድም ክብል ቅዱስነቶም ኣብታ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ቅድስቲ ከተማ ተባሂሉ ዝንገረላ ናጃፍ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ዓቢይ ኣያቶላሕ ሳይድ ዓሊ ዓል-ሲስታኒ ኣብ መንበሮም ብምኻድ ዘካየድዎ ርክብ ኣገዳስን ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ዝገብሮ እዩ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ዒራቓውያን ሺዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ማሕህበረሰብ ዘተ ምብጋስ ማለት እቲ ፍራንቸስኮ ምስ ዓቢይ ሱናዊ ናይ ኣል ኣዝሓር መምህር ኣሕማድ ኣል ጣይብ ንዘበገስዎ ናይ ሓባር ዘተ ብሓፈሻኡ ምስ ምስልምና ዓለም ዝግበር ዘተ ንቕድምቲ ዘሰጉም ምዃኑ እት ላዕለዋይ ሽማግለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዘመላኽተ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካርዲናል ኣዩሶ ጉይክሶት፥ ንሓደ ሓቋፊ ባህሊ 

ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ፥ “ባህላውን ናይ ሓባር ረቛሕን ሓቘፍን ባህሊ” የነቓቕሑ፡ እዚ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ካበይን መንን ኣንታይ ሃይማኖቱን ባህሉን ዓሌቱን ብዘየገድስ ኣብ ሕይውቱ ሰላም ከስተማቕርን ክነብርን መታን ዝብል እውን እዩ፡ እንክብሉ ንቕዱስነቶም ኣብ ናይ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻኦም ካብ ዘሰነይዎም ሓደ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ኣቦ መንበርን ኣብቲ ሽማግለ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድምጺ ዝወክሉ ኮምቦናዊ ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንግለ ጉይክሶት የመላኽቱ።

ናይቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዳይናን ናይ ዓል-ጣይብ ናይ ቀረባ ተሓባበርን ሞሓመድ ዓብደልሳላም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ብዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣቢሎም፥ ሃይማኖታውን ባህላውን ብዙሕነት ዒራቕን ናይቲ ዞባን ክጐልሕ ገይሮምን እዚ ብዙሕነት እዚ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ሰላምን ስኒትን ክሰፍን ዝሕግዝ ከምዝኸውን ገሊጾም፡ ብኻልእ መዳይ እውን መላእ ዓለም ኣደዳ ውግእን ዓመጽ ዝኾኑ ክድግፉ ዘመሓላለፍዎ ብርቱዕ መልእኽቲ እውን ዓቢይ ጽልዋ ዝህልዎ ከምዝኸውን ሓቢሮም፡ ኣብ መወዳእታ ይብሉ፥ እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ  ሕውነት፥ ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘማእከለ ፍሉይ ዓውደ መጽናዕቲ ከካይድ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ ዒራቕ ብዝያዳ ናይቲ ምብጻሕ እትረብሓሉ መደባት ንምስላጥ ዝምድጋፍ እውን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበር ጥበብ ኣቦ መንበርን ናይቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ኣባልን ፕሮፈሰር ሞሓመድ ዓል-ማሕራም፡ እቲ ናይ ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነታ ብናይ ነዊሕ ዓመታት ውግእን ዓመጽን ንዝቖሰለት ዒራቕ ዝፍውስን እቲ ደጋጊሞም ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ዜግነታዊ ማዕርነትን ናይ ሓባራዊ ናብራን ኣብ ዝብል መትካል ጥምረት ክህሉ ዘቕርብዎ ምሕጽንታ ነቶም ንሞትን ብሚሊዮናት ንዝቑጸሩ ንስደት ዝዳረገ ጽልእን ኣኽራርነት ልዑል ግብረ መልሲ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መልእኽቲ ጽልእን ዓመጽን ንምብዳህ

ኣብ መወዳእታ ኤሚራታዊ ናይቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ኣባል ናይ ኣቡ ዳቢ ናይ ባህልን መስህብን ጉዳይ ኣቦ መንበር ሞሓመድ ካሊፋ ኣል ሙባረክ እውን ብወገኖም፥ ብምኽንያት ጸጥታን ደሕንነትን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ - 19 ብዝፈጥሮ ፍርሒ ነቲ ናብ ዒራቕ ከካይድዎ ዝሓሰብዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ይጽንሓልኩምን ይሰጋገርን ሓሳብ ከይተቐበሉ ኣብቲ ብርቱዕ ድላዮም ጸኒዕም ክፍጽምዎ ምርኣይ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት ብዕለት ንምንባር ዝድግፍ ዓቢይ ኣብነት እዩ፥ እቲ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድ እውን ንገዛእ ርእሱ ሰብኣዊ ሕውነት ንናይ ምግምማዕን ጽልእን ኣኽራርነትን ንምብዳህ ዝድርኽ ዘቕርቦ ሓሳብ ብጭቡጥ ዝትርጉም ምብጻሕ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ኤሚራት ሃገራት ዓረብ ወራሲ መስፍን ሞሓመድ ቢን ዛየድ እውን ብወገኖም በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት “ሓድነትን ምሕዝነትን ዘደልድልን ኣብ ዒራቕ ሓድሽ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈኖ መዋል ዘርህው ክኸውን ተስፋና እዩ” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት። 

10 March 2021, 15:52