ድለ

ፓሮሊን፥ ዕቝባ ነቶም ብሓድሽ ድኽነት ንዝተጠቕዑን ንስደተይናታትን ግዳም ሓደርን ፓሮሊን፥ ዕቝባ ነቶም ብሓድሽ ድኽነት ንዝተጠቕዑን ንስደተይናታትን ግዳም ሓደርን 

ፓሮሊን፥ ዕቝባ ነቶም ብሓድሽ ድኽነት ንዝተጠቕዑን ንስደተይናታትን ግዳም ሓደርን

. . . ናይ ሓቂ እቲ ዝዓበየ ስልጣን ኣብ ኣገልግሎት እዩ - ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ነቶም ሓገግቲ ሕግታትን ኣመሓደርቲ ሕግን ተባሂሎም ንዝጽውዑ መርገጽን ከምኡ እውን ነቶም ተመራመርትን ሊቃውንቲ ሕግን ናይ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ቅዉም ሓሳብ ክኸውን ኣለዎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብቲ ናብ መበል 70 ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካውያን ደያኑ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ንድኻታትን ጽጉማትን ብሕጊ ዑቝባ ምርግጋጽ” ዝብል ናይቲ ባይቶ መጽናዕቲ መርሕ ቃል ጠቒሶም፥ ሕጊ ሰብኣውነት ዘማእከለ ምስ ዝኸውን መጋብርያ ሰላም ይኸውን” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ዕለት 10 ታሕሳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም ተጋባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ ጸገም ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝስርዑን ዘኽታማት ቈልዑ ካብቲ ኣብ መንጐ ኣቦን ኣደን ዘሎ ባህርያውን ርጉእን ቤት ወጻኢ ንኽነብሩ ዝተገዱ ወይ ከኣ ብዘይ ወለዲ ኣብ ዓለም ዘኽታማት ዝኾኑ ግዳም ሓደርን ንዅሎም እቶም ድኹማትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ኵሎም ሕጊ  ዕቝባ ክኾኖምን ውሕስነት ክህቦም ይግባእ። ብመሰረት ብሉይ ኪዳን “ከም ዜጋታት ኪርኣዩ መሰል ዘለዎም” ሓደስቲ “መጻእተይናታት - ወጻእተይናታት” እያቶም እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም “ብመሰረታዊ ስርዓት እዅል መሰል” ክወሃቦም ኣለዎ።

ብምስማዐ ርእየት እተመሓላለፈ መልእኽቲ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናብቲ ካብ ዕለት 9 – 11 ታሕሳስ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣጐስቲኒያኑም ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ዘጽንዕ መንበረ ጥበብን ኣብ ሉምሳ መንበረ ጥበብ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 70 ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማሕበር ካቶሊካውያን ደያኑ “ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ - ድኹማት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዕቝባ” ዘርእስቱ ዓውደ መጽናዕቲ ንቐብሪ ነፍሰ ሄር ሊቀ ጳጳሳት ብጹእ ኣቡነ ኣልዶ ጆርዳኖ ዝዓርግ ናይ ፍትሓት ጸሎት ንኽሰርዑ ኣብ ከተማ ኵንዮ ስለ ዝርከቡ በዚ ምኽንያት ክርከቡ ስለ ዘይከኣሉ መደረኦም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝዓበየ ስልጣን ኣብ ኣገልግሎት እዩ ብፍላይ ነቶም ድዅማት ኣብ ምግልጋል!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንናይ ኢጣሊያ ኣባላት ማሕበር ካቶሊካውያን ደያኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥

. . . ናይ ሓቂ እቲ ዝዓበየ ስልጣን ኣብ ኣገልግሎት እዩ - ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ነቶም ሓገግቲ ሕግታትን ኣመሓደርቲ ሕግን ተባሂሎም ንዝጽውዑ መርገጽን ከምኡ እውን ነቶም ተመራመርትን ሊቃውንቲ ሕግን ናይ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ቅዉም ሓሳብ ክኸውን ኣለዎ

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት ቅርበት ነቶም እተጠንጠኑ!

ብመንጽር ስልጣናዊ ትምህርትን ሕልምታትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ይብሉ ብጹዕነቶም “ናብቶም ዝተጠንጠኑ እተረስዑ ዝቖሰሉን ኣብ ጭንቀት መከራን ሕሰምን ንዝርከቡ ብዝያዳ ቀረባ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እፈቱ፡ ብዘለዋ ናይ ኣደነት ወጅሂ ኣቢላ እተሰንይን እትርዳእን እትሓልይ ሕጒስቲ ቤተ ክርስትያን ክርእይ እደሊ” እዚ እዚ መግለጺ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ካቶሊካውያን ደያኑን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን ደረጃ ለውጢ ንምምጻእ ዝሃቦ መሰረታዊ ኣበርክቶ ንኢዶም እዚ ዝኾነ ሳላ እቲ ኣብ  ባህሊ ኣይሁድን ግሪኽን ሮማን ዝበቖለ ብክርስቲያናዊ ኣተሓሳስባ እተመሓየሸ ጥንታዊ ሰረተ ባህርያዊ ሕጊ ነቲ ሰረተ እወታዊ ሕጊ ዝጻረር እዩ።

ሰረተ ባህርያዊ ሕጊ

ናይቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ድኹማት ዝተጠንጠኑን ምስቲ ኵሉ ሰብ ኣብ መሰረታዊ መሰልን ክብርን ማዕረ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሰረተ ባህርያዊ ሕጊ ዝጸንዐ እዩ። ዝደኸሙ ምዕቛብ ከም መጋበርያ ፍትሒ እምበር ሕጊ  መርኣያ ሓይሊ ወይ መጋበርያ ሓይሊ ከም ዘይኮነ የመላኽት። ሕጊ ፍትሒ እምበር ሕነ ንምፍዳይ ዝሕንጸጽ ኣይኮነን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ማሕበራዊ ፍትሕን ምትሕብባርን

መሰረታዊ ስርዓታት ማሕብራዊ ፍትሕን ምትሕብባርን ሰረት ቅዋም ኢጣሊያ ምዃኑ ኣብሪሆም “ነቶም ዝደኸሙ ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ንምዕቋብ እወታዊ ሕጊ ከምዘድሊ” ኣጒልሖም እዚ ድማ “ንዅሉ እቲ ዝያዳ ሕሱም ድኽነት ንዝወርዶምዝፍጸም ኣድልዎ ዝመልኦ ዕንቅፋታት” ብምውጋድ ቅዋማዊ መሰላቶም ብውጽኢታዊ መገዲ ንኸስተማቕሩ ዝሕግዝ እዩ።

ስደተይናትትን ቈልዑን ምክልኻል

ብጹዕነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ ካብቶም ሎሚ ሕጋዊ ዕቝባ ዘድልዮም ኣዝዮም ንሕደጋ እተቓልዑ ስደተይናታት ጥራሕ ዘይኰኑስ ብእተፈላለየ ምኽንያት ንዝኽትምና ዝዳረጉ ካብ ኣባይቶም ዝፍለዩ ቘልዑ ምዃኖም ገሊጾም ንተጋባእያን ሰናይ መበል 70 ዓውደ ጉባኤ ተመንዮም ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

12 December 2021, 17:08