ድለ

2021.12.23 ንሲኖዳውነት ለውጢ ኵርያ ሮማና ኣብ ጐደና ሰብኣውነት 2021.12.23 ንሲኖዳውነት ለውጢ ኵርያ ሮማና ኣብ ጐደና ሰብኣውነት  ርእሰ ዓንቀጽ

ንሲኖዳውነት ለውጢ ኵርያ ሮማና ኣብ ጐደና ሰብኣውነት

ብላዕለ ላዕሉ ክትራዮ እንኰለኻ እቲ ብባህሪኡ ጉባእያዊ ዝኾነ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሓይለ ስልጣን ዘይኰነስ ነቲ ናይ ሮማ ኣቡን ኵላዊ ተልእኾ ኣብ ምግልጋል ሓዋርያዊ ተልእኾ ዘለዎ ኵርያ ሮማና - ቅዱሳት ማሕበራትን ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያውያን መናብርት ሲኖዶውነት ለውጢ የድልዩ ክትብል ግርምቢጥ ክመስል ከምዝኽእል ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመት ቅድሚ በዓለ ልደት ጳጳስ ዘሮሜ ምስ ናይ ኵርያ ሮማና ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያውያን ኣበ መናብርትን ህየንተን ተራኺቦም ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት ከምዝለዋወጡ ዝፍለጥ ኮይኑ ዕለት 23 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ተቐቢሎምን ሰናይ በዓለ ልደት ተመንዮም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኵርያ ሮማና ንሲኖዳውነት ለውጢ ኣብ ጐዳና ሰብኣውነት  ብዝብል ኣርእስስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብላዕለ ላዕሉ ክትራዮ እንኰለኻ እቲ ብባህሪኡ ጉባእያዊ ዝኾነ ብናይ ገዛእ ርእሳ ሓይለ ስልጣን ዘይኰነስ ነቲ ናይ ሮማ ኣቡን ኵላዊ ተልእኾ ኣብ ምግልጋል ሓዋርያዊ ተልእኾ ዘለዎ ኵርያ ሮማና - ቅዱሳት ማሕበራትን ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያውያን መናብርት ሲኖዶውነት ለውጢ የድልዩ ክትብል ግርምቢጥ ክመስል ከምዝኽእል ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ርሑስ ምንዮት ንምልውዋጥ ኣብ ዝተካየደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ “ሲኖዳውነት ንሕና ኣብዚ ዘሎና ቀዳምነት ክንህበሎ ዘለዎ ኣገባብ ኢዩ ከመይሲ ኵርያ ሮማና ንድልየት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘገልግል ሞያዊ ኣባይቲ ጽሕፈት ወይ ናይ ቤተ ጽሕፈት ዕዮ ዝሳለጠሉ ጥራሕ ዘይኮነ ብቐዳምነት ምስክርነት ንኽህብ ዝተጸውዐ ኣካል እዩ” ከምዝበሉ ትርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ነቲ ዕለት 22 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ምስጢረ ልደት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ “ትሕትና” ብዝብል ቃል ከም ዝገለጽዎን ነዚ ሓሳብ እዚ ምልስ ቢሎም ልደት ኽንርድኦ እንኽእል መሰልን ማዕርግን ስልጣንናትና ክንቅንጥጥ ፍቓደይናታት ምስ እንኸውን ማለት ገዛእ ርእስኻ ካብቶም ቅድመና ዝነበሩን ዝሓለፉን ዝሓሽና ወይ ዝበለጽና ጌርና ምርኣይ ምስ እንሓድግ ጥራሕ እዩ። ነዚ ክንርድኦ እንኽእል ነቲ ሓዋርያዊ ምስፍሕፋሕ ዝብል መደብ ሕልምታትና  እንተድኣ ነጺግና ነቲ “እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ” ዝሕብር ምስቲ ጭቡጥ ኵነት ናይቶም ዝሳቐዩ ሰባት ምርኻብ ዝብል መገዲ ምስ እንስዕብ ጥራሕ እዩ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ብእጽንዖት ይሕብሩ።

ጳጳስ ዘሮሜ - ር.ሊ.ጳ. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ግደን መዓርጋትን ኣልባሳትና ምስ እነልግስ “ኵላትና ምሕዋይ ዜድልየና ለምጻማት ምዃና ንርዳእ” እንክብሉ ብጭቡጥ ክርስቲያናዊ ኣርኣእያ የዘኻኽሩ። ኵሉ ሰብ ካብ ላዕለዋይ ክሳብ ታሕታይ ኣርካን ዘሎ ምሕዋይ ዜድልዮ እዩ። ዝለዓለ ቤት ጽሕፈታዊ ሓላፍነት ዘለዎም እውን እንተዀንና። ካብዚ ንገዛእ ርእሱ ውህበት ዝኾነ እጹብ ኣረኣእያ እዚ ጥራሕ ኢና ነቲ ቅዱስነቶም ከም ዝበልዎ ነቲ ከሕውየና ዝኽእል ብሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ክርእዮን ከነስተውዕለሉን እንኽእል። ካብዚ ምስትውዓል እዚ ጥራሕ እዩ ናብ ሲኖዳውነት ምልዋጥ ከም ግደታን ብደጋዊ ኣገባብ ዚፍጸም ዕማም ቤት ጽሕፈታዊ ጒዳያት ዘይኮነስ ናይ ምትሕብባርን ገዛእ ርእስና ኣብ ሕቶን ዘተን ብምእታውን ንኻልእ ናይ ምስማን ጽን ናይ ምባልን ኣገባብ ማለት ምዃኑ እንርዳእ። መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ዘይሓሰብናዮ ዝድርኸናን ሓሳብ ንሕሳብ ንኽንለዋወጥን ካብ ቤት ጽሕፈታዊ ርክባትና ክንየው ሱታፍያውነት ከነደንፍዕን ርክባትና ክንሓንጽን ኣስተንፍሶ ክንብረልና ንፍቀደሉ። በዚ መገዲ እዚ ጥራሕ እዩ ኵርያ ሮማና ብትሕትናን ብመልክዕ ሲኖዳውነት ዝመላለስ ማሕበረሰብ ዝኸውንን ተተሓሒዙ እውን ሓጥኣንን ተኣፋፍያን ኣሰብኡትን ኣንስትን ዝሓቍፍ ማዕረጋትን ዘለዎም ግደ ከም መኸወሊ ዘይጥቀሙ ኵላቶም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ምሕረትን ድሕነትን ፈውስን ከም ዘድልዮም  የስተውዕሉ” ብዝብል ሓሳብ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

24 December 2021, 10:52