ድለ

ጋላገር፥ ጸኣት ስደተይናታትን ዓለም ለኻዊ ቅልውላውን ሓድነት ፖለቲካዊ ድሌት ይጠልብ! ጋላገር፥ ጸኣት ስደተይናታትን ዓለም ለኻዊ ቅልውላውን ሓድነት ፖለቲካዊ ድሌት ይጠልብ!  (AFP or licensors)

ጋላገር፥ ጸኣት ስደተይናታትን ዓለም ለኻዊ ቅልውላውን ሓድነት ፖለቲካዊ ድሌት ይጠልብ!

“ምስ ስደተይናታት ኣብ መስቀላዊ መገዲ ታሪኽ” ምዃን ክበሃል እንከሎ፡ ካብቲ ህጹጽ ኵነታት ምውጻእን ንስደተይናታት እተወደበ ምላሽ ምሃብን ማለት እዩ። እንተዀነ ግን ኣብታ ንደሞክራስን ንሰብ ክብርን ከም እምኒ ማእዝን እትርአ ኤውሮጳ ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ውግእ ዝሃድሙ እውን ከይተረፈ ዝፍጸም ኣድልዎ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ኣሎ

ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ንምስጋር ነቲ ናይ ማሕበረሰብና “ሓላፍነት ናይ ምስካም ስምዒት” ሓድሽ ድራኸ ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ዕለት 14 ሰነ ኣብቲ ኣብ ሮማ “ምስ ስደተይናታት ኣብ መስቀላዊ መገዲ ታሪኽ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጒባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብድምር ቍጽሪ እቶም ካብ ውግእ ዚሃድሙ ስደተይናታት ካብ ሚእቲ ሚሊዮን ንላዕሊ ክኸውን ገይርዎ እዩ። እንተ ዀነ ግን ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣባይቶምን ፍቱዋቶምን መሬቶምን ጠንጢኖም ንኽስደዱ ዘገድዶም ግጭት ጥራይ ኣይኰነን። መራሕቲ ሃገራት ብውህደትን ብመንፈስ ምትሕግጋዝን ንኽዋስኡ ዝሓትቶም ምዝባዕ ኵነታት ኣየር ጥሜት ዓለም ለኻዊ ቍጠባዊ ቅልውላውን እውን ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣድልዎን እንግዶትን

“ምስ ስደተይናታት ኣብ መስቀላዊ መገዲ ታሪኽ” ምዃን ክበሃል እንከሎ፡ ካብቲ ህጹጽ ኵነታት ምውጻእን ንስደተይናታት እተወደበ ምላሽ ምሃብን ማለት እዩ። እንተዀነ ግን ኣብታ ንደሞክራስን ንሰብ ክብርን ከም እምኒ ማእዝን እትርአ ኤውሮጳ ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ውግእ ዝሃድሙ እውን ከይተረፈ ዝፍጸም ኣድልዎ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ኣሎ እንክብሉ ብጹዕነቶም ገሊጾም፥ ስደተይናታት ንምቁጽጻር ዝሕንጸጽን ዝጸድቁቕን ሕጊ ኣብ መሰልን ክብረት ሰብን ዝተማእከለ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ስለዚህ ኣብ ኣሃዛት ዘይኮነስ ናይ ስደትን ደቅሰብን ሕቶ ምዃኑ ካብ ምፍላጥ ክንጅምር ኣሎና” ምስ በሉ - ኣብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ “ነዚ ጒዳይ እዚ ንምግጣምን ንምፍታሕን ነንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ ንዓቢ ናይ ሓላፍነት መንፈስ” ሓድሽ ድርኺት ምሃብ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም መወዳእታ ኵናት ጥራይ ማለት ኣይኰነን

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ምድላይ መንፈሳዊ ምድላውን ኣእምሮኣዊ ቅንዕናን ዝሓትት ነዊሕን ከቢድን ጒዕዞ እዩ ዝበልዎ ጠቒሶም፥ እንተዀነ ግን ነቲ ውግእ ዘለዓዕሎ ቀነዲ ጠንቂ ዝዀነ ዘይማዕርነት ኣንጻር ፍጥረት ዝፍጸም ገበን ናይ መግቢ ሻቕሎት ዝኣመሰሉ ነገራት ስጒምቲ እንተ ዘይወሲድናሉ ውግእ ደው ምባል ንበይኑ ጥራይ እዅል ኣይኮነን፡ ቢሎም ኣተሓሒዞም፥ ሰላም ውህበት ስለ ዝኾነ ድማ ነዚ ህያብ እዚ ክንቅበሎ ከም ዘሎና ምፍላጥ የድሊ። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝርአ ዘሎ ኵነታት ነቲ ካልእ ብዅሉ ብዙሕነቱ ናይ ምቕባል ዓቕምን ናይ ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራን ባህሊ ንኽንሕድስ ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መገዲ እዚ ጥራይ እዩ ነቲ ባዕሎም “ፍጹም ህቦብላ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ብወገን መራሕቲ ኣህዛብ ነቶም ኣዚዮም ንሕደጋ ዝተቓልዑን ከይሓደግካ ኵለ መዳያዊ ስጒምቲ ክውሰድ ዝከኣል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 June 2022, 15:42