ድለ

2022.06.16 Messa del Corpus Domini 2022.06.16 Messa del Corpus Domini  (Vatican Media)

ከም ኢየሱስ ክብሪ ዓለም ከይደለና ንኣገልግሎት ካልኦት ትሕት ንበል! ካርዲ. ጋምበቲ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓሙስ ዕለት 16 ሰነ 2022 ዓም በዓለ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ እንክተብዕል ቅዱስነቶም ብጸገም ሕማም ብርኪ ነቲ ሥርዓት ክመርሑ ስለዘይከኣሉ ከክንዳኦም ናይ መንበረ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናትን ህየንተኦምን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ጋምበቲ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ቀዲሶም ዑደት መሪሖም ‘ሕይወት ኢየሱስ ንምኽታል ክንክተላ ዘላ እንኮ መንገዲ መንገዲ ትሕትና እያ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ንዘጋጥሙና ብድሆታትን ስቃይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዘይረኣናን ከምዘይሰማዕናን ኰና ንክንሓልፍ ቈጺርካ ዘይውዳእ ምኽኒት እናኣምጻእና ምገበርናዮ ግን ከምዝን ከምዝን ኰይኑ ናይ ምባል ፈተና ከምዘጋጥም ዝገለጹ ብፁዕነቶም፣ እቲ ዝገደደ ከኣ ነቲ ባዕልና ዘይገበርናዮ ከም ናይ ሓባር ዕዮ ገዛ ገቢርና ዝጭመጡን ዘይጭበጡን ናይ ሓባር መደባት እናሓንጸጽካ ከም ናይ ሸቀጥ መዋዕውዒ ንጥቅመሉ ኢሎም። እዚ ንርኡይ ጸገም ኣሕዋትን ኣሓትን ባዕልኻ ክንዲ ገለ ነገር ምግባር ከምዚ እንተዝግበር ከምዚባ እንተዝኸውን እናበልካ ምንስፍላል ኣብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ጐሊሑ ከምዝረኤ ገሊጾም።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ዝምልከት ኰይኑ ሓዋርያት ነቶም ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ሕዝቢ ኣብ ጸምጸም በረኻ ጸሓይ ኪዓርብ ምዃኑ ምስ ተዓዘቡ ‘ብእዋኑ ድራሮም ክምእርሩ ግዳ ቀልጢፍካ ኣሰናብቶም` ዚዓይነቱ ርእይቶ ናብቲ ዝምህር ዝነበረ ኢየሱስ ኣቅሪቦም። እዚ ከኣ ኣብዚ በረኻ ዝብላዕ የለን ምድሪ ምስ ጸልመተ ናብ ዘብልዎ የብሎምን ስለዚ ኣደዳ ጥሜት ንከይኮኑስ ብእዋኑ ምስንባቶም ዝሓሸ ፍታሕ እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቀለ ነበረ።  እዚ ኣገባብ እዚ ከምቲ ንሕና ብዙሕ ግዜ ካብ ሓገዝ ክንሃድም እነቅርቦ ዓይነት ብቊዕ ምኽንያት እዩ። ንኩሎም ዚኣክል መግቢ ስለዘየሎ ብእዋኑ ኣሰናብቶም ከኣ ይብልዎ። እንተኾነ ምስ ኢየሱስ ኣብ ጒዕዞ ጐዳና ሕይወት እንክትርከብ ክንደይ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ገና ኣይተሰቆሮምን።

ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ምስ ኢየሱስ!

ብፅዕነቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ’ ንዝበሎ ጠቂሶም ጐይታ ነዚ ንምፍጻም ከኣ ትሕትና ለቢሱ ሰብ ከማና ኰይኑ ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ መግብና ክኸውን ሥጋኡ ሃበና።  ንተኸተልቱ እውን ክስዕቦ ዝደሊ መስቀሉ ክስከም ትሕትና  ክለብሱ ግድን ከምዝኾነ ነገሮም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ምንም ምኽንያት ብቀጥታ ክትሕት ከምዝተረኽቦ ተከተልቱ እውን ምክኒት ሓዲጎም ፍጹም ትሕትና ክንለብስ ዘዘኻኸሩ ብፁዕነቶም ነዚ ከኣ በይንና ከምዘኮንና እንታይ ደኣ ጐይታ ብኢድና ሒዙ ከምዘሰንየና ገሊጾም። ኣብቲ ፍጻሜ ተኣምር እንጌራን ዓሳን ኢየሱስ ንሓዋርያት ንዘለዓለም ዝኸውን ትምህርቲ ከምዝመሃሮም እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ድራር ፋሲካ ዝገበሮ ዝመርሕ ኰይኑ ንሕና እውን ተሳተፍቲ ናይዚ ናይ መወዳእታ ድራር ኰና እዚ ሎሚ ንዝኽሩ እነዕርጎ መሥዋዕቲ ቅዱስ ቊርባን ወትሩ ኣብ ማእከልና ከምዘሎ የረጋግጸልና ኢሎም።

እግዚአብሔር እንታይ ክንገብር ይደልየና!

ብፁዕነቶም ስብከቶም ብምቅጻል ሎሚ ከም ሎሚ ኢየሱስ ካባና እንታይ ይደሊ! እግዚአብሔር እንታይ ክነገብር ይደልየና! ክብሉ ይሓቱ እሞ ‘ነቲ ብምኽኒት ወዲ ምኽኒት ሠናይ ካብ ምግባር ዓጊቱና ንዘሎ ክንቋወሞ እዚ ከኣ ብኣካል ክንገብሮ ንዘሎና ሠናይ ነገርስ ይኹን ጁባና ሃሰስ ቢልና ክንምጽውቶ ንዘሎና ጉዳያት ዓንቂጹ ሒዙና ንዘሎ ምኽኒታት ክንኣሊ እሞ ነቲ ጐይታ ንሓዋርያት ‘ኣቱም ሰብ ውሑድ እምነት’ ቢሉ ዝገንሖም ከይገንሓና ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም። ሓዋርያት ንኢየሱስ ዳርጋ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ኣይከኣልን እዩ ትጋገ ኣሎኻ እምበርዶ ትብሎ ትፈልጥ ኢኻ ዝብሉ ይመስሉ ነሮም። እዚ ንዓና እውን ኣብቲ ዕለት ዕለት እንገብሮ ፍርድታትስ ይኹን ምስ ሰባት እንገብሮ ርክብ ዘጋጥም እዩ። ምስ ሰበ ሥልጣንስ ይኹን ምስ ኣመሓደርቲ ምስ ኣቡናትስ ይኹን ምስ ር.ሊ.ጳ ምስ እግዚአብሔር ከይተረፈ እውን ክነመኽኒ ሒዂ ስለእንብል ዝኾነ ጉዳይ እንከጋጥመና ኣብዛ እዋን እግዚአብሔር እንታይ ክገብር ይደልየኒ ኣሎ ኢልና ንኣኡ ክንእዘዝ የድሊ። ሓዋርያት ተመሊሶም ዝገበርዋ እውን እዚኣ እያ። በብሓምሳ ኰፍ ኣብልዎም ምስ በሎም ተኣዘዙ፣ ሽዑ እቲ ዘይከኣል ዝመስሎም ዝጸንሔ ተኣምር ኮነ። በዓለ ቅዱስ ሥጋኡ ወክቡር ደሙኸስ ነዚ እዩ ዝምህረና ኢሎም።

በዓለ ጥቀ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ዝምህረና!

ጐይታ ‘እዚ ንዓኹም ዝውፈ ሥጋይ እዩ! እዚ ምእንታኻትኩም ዝፈስስ ደመይ እዩ` ክብለና እንከሎ ካብዚ ዚዓቢ ዜና ፍቅሪ የልቦን። ነዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ኣነ ዘመሓላለፍኩልኩም እቲ ካብ ጐይታ ዝተቀበልክዎ እዩ’ ብማለት ነተን ጐይታ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ዝበለን ብምድጋም ዕብየት ጥቀ ቊርባን ብምግላጽ ንሕና እውን ብግደና ክፍሊ ቅዱስ ቊርባን ኰንና ንካልኦት ብኩለንትናን ክንውፈ ይምዕደና።

በዓለ ጥቀ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ዝምህረናኸስ ‘ኢየሱስ ብኢድና ሒዙ ናብዚ ምልኣት ፍቅሩ ይጽንብረና እሞ፣ ኣጆኻ/ኺ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ/ኺ ኣይትጨነቅ ብዛዕባ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሕሰብ ምሳኻ ናብ መኣዲ ቅዱስ ቊርባን ጸንብሮም ንስኻ እውን ብግደኻ ገዛእ ርእስኻ ብምውፋይ ክፍሊ ቅዱስ ቊርባን ኩን ይብለና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 June 2022, 16:21