ድለ

ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ 

ልኡካን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያንም ኣብ ሃገር ቫቲካን

ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምድንፋዕ ዝሃቀነ እሞ ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ኢስጣምቡል ዝበዓል ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ሓላዊ ቅዱስ ሓዋርያ እንድሪያስ በዓል ምኽንያት እውን ልኡካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ በዓል ከም ዝሓብሩን በዚ ባህላዊ ልኡካን ናይ ምልውዋጥ ልምዲ

ብምኽንያት ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክስዕ ዕለት 30 ሰነ ዝቕጽል ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዕለት 28 ሰነ ሃገረ ቫቲካን ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ እተላእኩ ተወከልቲ ካብ ዕለት 28 – 30 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ምብጻሕ ንኸካይዱ ብምኽንያት  ዕለት 29 ሰነ ዝበዓል ዓመታዊ ንግሰ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ሮማ ከም ዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምድንፋዕ ዝሃቀነ እሞ ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ኢስጣምቡል ዝበዓል ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ሓላዊ ቅዱስ ሓዋርያ እንድሪያስ በዓል ምኽንያት እውን ልኡካን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ በዓል ከም ዝሓብሩን በዚ ባህላዊ ልኡካን ናይ ምልውዋጥ ልምዲ መሰርት እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 29 ሰነ ኣብ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቍስጥንጥና ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ብምክያድ ኣብቲ በዓል ከም ዝሓብሩ የዘኻኽር።

ነቶም ተወከልቲ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ልኡካን ዝመርሑ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ወኪል ፓትሪያርክ ዘቍስጥንጥንያ ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ኣህጉራዊ ድርገት ቲዮሎጊያ ካልኣይ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ተለሚሶስ ጆብ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ብናይ ኣሊቻርናሶስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣድሪያኖስን ብዲያቆን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ባርናባስ ግሪጎሪያዲስ ከም እተሰነዩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ረብዕ ዕለት 29 ሰነ እዞም ተወከልቲ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉን ምስቲ ሓድነት ክርስቲያን ንምጽንፋዕ ዝጽዕር ናይ ውስጠ ኣቢያ ክስትያን ሓባራዊ ዘተ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ኣባላትን ክራኸቡን ዕለት 30 ሰነ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

28 June 2022, 15:50