ድለ

2022.06.23 Lettera di un universitario di "origine israelita" da un campo di concentramento in Spagna (1942, Archivio Storico della Segreteria di Stato) 2022.06.23 Lettera di un universitario di "origine israelita" da un campo di concentramento in Spagna (1942, Archivio Storico della Segreteria di Stato) 

ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ንኣይሁድ ዝምልከት ታሪኻዊ ሰነዳት ኣብ መርበባቱ ዘርጊሑ!

ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ናዝን ፋሽሽትን ተጻይ ኣይሁድ ስደትን ጽንተትን ምስ ኣወጁ ካብ ኩሉ ኲርናዓት ኤውሮጳ ናብ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ናይ ርድኡና መል እኽትታት ውሒዙ ነበረ፤ ኣብ 170 መዛግብቲ ዝተታሕዘ ልዕሊ 40,000 ዝግመት ፋይላት ተታሒዙ ይርከብ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዝኣዘዝዎ መሠረት ኩሉ ሰብ ከንብቦ ካብቲ ብምሥጢር ተታሒዙሉ ዝነበረ መዛግብቲ ወጺኡ ብመርበብ ቅድስት መንበር ከምዝተዘርገሐ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና እንከመልክት ንግዜ 70% ዝኸውን ክቀርብ ድሒሩ ከኣ ኩሉ ክወጽእ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ብኣሽሓት ዝቁጸር ተስፋ ቊርጸት ብዝመልኦ ቃና ‘ሎሚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካብ ዘሎኹምዎ ርሑቅ ቦታ ዝብርበኩም ገርኩም ክትረድኡኒ ደልየ እየ፤ እንትርፊ ናይ ወጻኢ ደገፍ ሓንቲ ክግበር ኣይከልን’ እናበሉ ካብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ህልቂት ዝጽሓፍ ዝነበረ መልእኽታት እዩ። ንኣብነት ሓደ ወዲ 23 ዓመት ኣብ ጀርመን ተመሃራይ ዪኒቨርሲቲ ዝነበረ ብትውልዱ ኣሰር ናይ እስራኤላውያን ኣሎካ ተበሃሉ ኣብ መዳጎኒ ሚራንዳ ደ ኤብሮ ዝበሃል ኣብ ሃገረ እስፐይን ዝነበረን ካባኡ ብብርቱዕ ቃልሲ ተላቂቁ ናብታ ኣቀዲማ ናብ ኣመሪካ ሃዲማ ዝነበረት ኣዲኡ ዝተጸንበረን ንረክብ፤ እዚ መንእሰይ እዚ ኣብ ሊዝቦና ሃገረ ፖርቱጋል በጺሑ ካባኡ ንክወጽእ ኩሉ ሰሊጥዎ እንከብዕ ካብ ወጻኢ ዝዛረበሉ ዝምስክረሉ ሰብ ስኢኑ ኣብ ጭንቀት ስለዝርከብ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ክሕግዝዎ ይሓትት። ናብ ሓደ ናይ ቀደም ዓርኩ ኢጣልያዊ ብምጽሓፍ ከኣ እቲ ዘድልዮ ሓገዝ ንር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ከይዱ ክነግሮ እዚ ከኣ ኣብ ማድሪድ ሃገረ እስፐይን ንዝርከብ ሓዋርያዊ ኑንስዮ ክትሓባበሮ ሓደራ ይብል፤ ምኽንያቱ ከኣ ድሮ ብምትሕብባር ናይዚ ሰብ እዚ ብዙሓት ካብ መዳጎኒ መዓስከራት ከምዝደሓኑ ይገልጸሉ።

ምስዚ ሰነድ እዚ ዝተታሓሐዘ ድሕሪ ቁሩብ ዕለታት ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ኣብ ማድሪድ ናብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ኑንስዮ ነዚ ጉዳይ እዚ ክከታተል መምርሒ ይህብ፤ ብድሕሪኡ ግን እንታይ ከምዝሰዓበ ኣየመልክትን ከመይ ንብዙሕ ጉዳያት እውን በዚ ኣገባብ እዚ ይገብሩ ነበሩ፤ እዚ ሰብ እዚ ቨርነር ባራሽ ይበሃል፣ ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ሓራ ወጺኡ ናብ ኣዲኡ ክበጽሕ ክኢሉ።

እቲ ዘገርም እዚ ሰብ እዚ ብኢንተርነት ተደልዩ ብ2001 ተረኺቡስ ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ቤተመዘክር ህልቂት ኣይሁድ ብዛዕባ ዝወረዶ ኣደራዕ ኣብ ቤተማእሰርቲ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ኩሉ ነዊሕ ናይ ቪድዮ ቃለ መሕትት ኣሎ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 82 ዓመት ሽማግለ ምዃኑ እውን ይገልጽ።ካብዚ ቃለ መሕትት ክንርድኦ ከምዝኸኣልና ናብ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 መል እኽቲ ምስ ጸሓፈ ኣብ ዝሰዓበ ዓመት ብ1945 ሓራ ከምዝወጸን ናብ ኣመሪካ ናብ ኣዲኡ ከይዱ ኣብ ዪኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ትምህርቱ ቀጺሉ ብከሚስትሪ ተመሪቁ ኣብ ካሊፎርንያ ከምዝሰርሔን ይገልጽ።

እቲ ሰነዳት!

ንስነዳ ክጥዕም ብማለት ኣብቲ ግዜቲ ዕብራውያን ዝብል ስም ተዋሂብዎ ነበረ ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ መርበብ ብቋንቋ ጣልያን ኤብረይ ዝብል ስም ተዋሂብዎ ንኣይሁድ ዝምልከት ኩሉ ይርከቦ፤ ንኩሎም ኣይሁድ ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ዝምልከት ኰይኑ ብቀንዱ ድሕሪ ስደት ናዝን ፋሽሽትን ናብ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ዝተጻሕፉ ርድኡና ዝብል መልእኽታት የጠቃልል።

ኣብቲ ዘመን እቲ ነዚ ጉዳያት ትከታተል ማሕበር ወይውን ኮንግረገይሽን ንፍሉይ ጉዳያት ቤተክርስትያን እትከታተል ቅድስት ማሕበር ትበሃል ነበረት፤ እዚ ከኣ ብናይ ሎሚ ቋንቋ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ማለት እዩ።

እዛ ኤብረይ እትብል ክፍሊ ኣብ ውሽጣ 170 መዛግብቲ ሒዛ ንነፍስወከፍ ጉዳይ ፍሉይ ቊጽሪ ብምሃብ እቲ ጉዳይ ምስ ተፈጸመ ኣብዚ ምሥጢራዊ መዛግብቲ ይስነድ ነበረ። 2,700 ጉዳያት ሓገዝ ንስድራቤት ወይውን ንጉጅለታት ዝሓትት ነበረ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቅድስት መንበር ብም እታው በዚ ዝስ ዕብ ይድረስታ ኢንተርነት ክብጻሕ ይከኣል።

https://www.vatican.va/roman_curia/secretariat_state/sezione—rapporti—stati/archivio—storico/serie—ebrei/serie—ebrei_it.html

ብድምጺ ንምክትታል!
25 June 2022, 13:09