ድለ

ፓሮሊን ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ፓሮሊን ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን 

ፓሮሊን ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን

እቲ መግለጺ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ካብ ዕለት 1 – 8 ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብተን ክልተ ሃገራት ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝኾኑን። እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምብጻሕ እዚ ምስቲ መበል 37 መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም ናብተን ክልተ ሃገራት ዚመሳሰል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሓምለ ቀዳመይቲ ሰሙን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱን ነዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ምስንዳዋት እውን ክግበር ከም ዝጸንሐን ብመሰረት ሕቶ ሓኻይም ናብ ካልእ ግዜ ከመሓላልፍዎ ከም እተገዱ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ካብ ዕለት 1 – 8 ሓምለ ኣብ ክንድኦም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብተን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱን ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከረጋግጹ ብቕዱስነቶም ክልኣኹ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ምብጻሕ ከካይዱ እዮም። ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 2 – 7 ሓምለ ኣብተን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ከካይድዎ ዝነበሮም ሓዋርያዊ ምገሻ ድሕሪ ምድንጓዩ ክሳዕ ሽዑ ምስቶም ፍቑራት ኮንጐኣውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎም ንምርግጋጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ኪንሻሳን ጁባን ክልእዅ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ መግለጺ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ካብ ዕለት 1 – 8 ሓምለ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብተን ክልተ ሃገራት ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝኾኑን። እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምብጻሕ እዚ ምስቲ መበል 37 መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም ናብተን ክልተ ሃገራት ዚመሳሰል እዩ። ቅዱስ ኣቦና እቲ ሓኻይሞም ዘቕረቡሎም ሕቶ ተቐቢሎም እቲ ኣብተን ክልተ ሃገራት ክገብርዎ ተወሲኑ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻ ብምስግጋሩ ከም ዘይተሓጐሱን ናይ ህዝቢ ኣፍሪቃ ትጽቢታት እውን ከይዓብር ድማ ዕለት 3 ሓምለ ከምቲ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መሰረት ኣብ ኪንሻሳ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒ ብዝነበሮም መደብ ብተሰሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሮማ ማሕበረሰብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ባዕሎም ዕለት 13 ሰነ ኣብ ቀለመንጦስን ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ኣብ ሓፈሻዊ ጒባኤ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ንኣፍሪቃ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

29 June 2022, 16:20