ድለ

ው. ሕ. መንግስታት ዓለም ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዘስግእ ጒዳይ ኣብ ዘማእከለ ዓውደ ኣኼባ ው. ሕ. መንግስታት ዓለም ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዘስግእ ጒዳይ ኣብ ዘማእከለ ዓውደ ኣኼባ 

ው. ሕ. መንግስታት ዓለም ብዛዕባ እቲ ንዓለም ዘስግእ ጒዳይ ኣብ ዘማእከለ ዓውደ ኣኼባ

ናይ ሕዝባዊት ቻይና ርእሰ ብሔር ሺ ጂን ፒንግ እውን ብዛዕባ እቲ ብዝሓ ጐናውነትን ርክባትን ኣማእኪሎም መደረ ከምዘስምዑ

ኣብ መኽፈቲ መበል 76 ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይቲ ውድብ ጠቕላሊዋና ጸሓፊ ካብ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ክሳዕ እቲ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ቻይናን እተገብረ ወልታዊ - ክልተ እተፈላለየ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖሊቲካን ዘጠቓልል ንዓለም ዘስግእ ነገራት ኵሉ ኣማእኪሎም መደረ ከምዘስምዑን ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን ዘተ ዝብል ምርጫ ዘማእከለ ፖለቲካ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽትን ከምኡ እውን ናይ ቻይና ርእሰ ብሔር ሺ ጂን ፒንግ ብዝሕ ጐናውነት ዝብል ኣሰራርሐ ወሳኒ ምዃኑ ብኣጽንዖት ዘብርህ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጆ ባይደን ካብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራቶም ምስ ኣውጽኡ ኣብ ዓለም “ሓድሽ ዘየቋርጽ ስነ ሜላዊ ርክብ” ከምኡ እውን ናይ “ሰላም” መገዲ ንምርሃው ኣብ ዝብል ድላይ ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ምስ ቻይና “ሓድሽ መዋእል ዝሑል ውግእ” ከምዘይደልዩ እዚ ናይ መንግስቶም ድላይ ምዃኑ ዝገልጽ መደረ ዕለት 21 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ድሕሪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዘስምዑን ናይ ኢራን ርእሰ ብሔር ኤብራሂም ራኢሲ እውን ንመጀመሪያ ግዜ ከምእተሳተፉን፡ ናይ ሕዝባዊት ቻይና ርእሰ ብሔር ሺ ጂን ፒንግ እውን ብዛዕባ እቲ ብዝሓ ጐናውነትን ርክባትን ኣማእኪሎም መደረ ከምዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጒተረዝ ኣብ ዓለም ዘዘንብይ ዘሎ ዓበይቲ ስግኣት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዝርዝር ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።

ድሕረ ባይታ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ቅልውላው

ብዛባ ኣፍጋኒስታን እቶም ጣሊባን ነቲ ወሃቢ ቃል ናይቲ ጒድለ ዝኾኑ ሱሄል ሻሂን ናይ ኣፍጋኒስታ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ዶሓ እንክብል ከምዝሰመይዎምን ርእሰ ብሔር ኢራን ኣብቲ ክሳብ ዕለት 27 መስከረም ዝቕጽል ዋዕላ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “እቲ ኣብ ካፒቶል ሂል እተፈጸመ ጠጥቃዕቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እታ ሃገር ተኣማንነት ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ከም ዘብቅዕ ዝሕብር ምልክታ እዩ ቢሎም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታ ብድላያ ዘይኮነስ ተሰጒጋ እያ ዝወጸት” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ክልተ እተፈላለየ ራእያትን ጻውዒት ጒተረዝን

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባይደን ንኣገዳስነት ኪዳን ብምጒላሕ፥ ካብ መሰረታዊ ኪዳንን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዝብል ቃል ኪዳናዊ ጥምረት ጠቒሶም፡ ውድድር እምበር ግጭት ዘይኮነ ኣገባብ ዝኽተል ጥምረት ምዃኑ ገሊጾም ኣተሓሒዞም እውን ጽኑዕ ምክልኻል ንስርዓት ደሞክራሲ የቃልሑ፣ ናይ ቻይና ርእሰ ብሔር ሺ ጂን ፒንግ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሃገሮም ኣብ ዓለም ሰላም እትሃንጽን ንዓለማዊ ምዕባለ ኣበርክቶ ዘለዋን ንዓለም ሓቆፍ ስርዓት ተጣባቒትን ከምኡ እውን ንሕዝቢ ጥቕሚ ዝምልከት ምህርቲ ኣብ ምቕራብ እትዋሳእ እያ ከምዝበሉ ገሊጹ። ቻይባ ብብዙሕ ወገን ሰላምን ዓለም ለኻዊ ምዕባለን ክትስዕብ ዝሓለነት እያ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ፍልልያት ኣብ ሓባራዊ ኣኽብሮትን - ምክብባርን ኣብ ምልክት ማዕርነትን ክጋጠም ከምዝኽእል ገሊጾም፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከብ ኣሳልጦ ምስ ውድቀት ካልእ ሃገር ኪተሓሓዝ የብሉን ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፥ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለምን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዘሎ ውጥረትን ናዕብን ዘርዚሮም ኣብ ህልው ኩነታት ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ምጥርጣርን ኢሓበረታውን ጉዳያት ኣማእኪሎም ሎሚ ካብ ቀደም እንነብረሉ ዓለም ኣዚዩ ኣብ ስግኣት ወዲቑ ከምዘሎ ዘመላኽት ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሓቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

23 September 2021, 09:09