ድለ

የመን፥ ሰላም ኣብ ግብሪ ክትርጐም ዘይክእል ትምንቲ ዝኾነላ ሃገር የመን፥ ሰላም ኣብ ግብሪ ክትርጐም ዘይክእል ትምንቲ ዝኾነላ ሃገር 

የመን፥ ሰላም ኣብ ግብሪ ክትርጐም ዘይክእል ትምንቲ ዝኾነላ ሃገር

ውግእ ይቕጽል ኣብ ዘለሉ እዋን እዚ ውግእ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ ድኻታት ሃገራት ዘስዕቦ ቅልውላው ፍታሕ ንምርካብ ጽዑቕ ናይ ውዕላት ንጥፈታት ይግበር ኣሎ

ኣብ የመን ኣብዚ ቀረባ ሰዓታት በቲ ኣብ መንጐ ዓለወይናታት ሁቲ ከምኡ እውን ንመንግስቲ ዝድግፉ ወተሃደራት ዝተኻየደ ውግእ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣንን ብዙሓት ሰባት ከምእተቐትሉን ኣብ ዞባ ኣል ባይዳ ዝተፈጥረ ግጭት ክኸውን እንከሎ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም እታ ኣዚዩ ከቢድ ዝኾነ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝረኣየላ ምዃኑ ሕዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘጋጥሞ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ የመን ዞባ ኣል ባይዳ ብዘጋጠመ ግጭት እንተ ወሓደ 50 ዓለወይናታት ሁቲ ከምኡ እውን ንመንግስቲ ዝድግፉ ወተሃደራትን ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ከምእተቐትሉ ወተሃደራት ምንጭታት የመን ይሕብሩ። ሓደ ናይ መግንስቲ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን፥ “ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ምስቶም ኣብ ዞባ ኣል ባይዳ ዝነብሩ ዓለወይናታት ሁቲ ኣብ እተገብረ ወግእ ሓደ ኮረነለን 19 ንመንግስቲ እሙናት ዝኾኑ ሰባት ከምእተቐትሉ ይሕብሩ።

ከተማ ማሪብ

ናይ ኢራን ፖለቲካ ዝኽተሉ ዓለወይናታት ኣብዚ ቐረባ ሰሙን ኣብ ኣውራጃ ኣል ባይዳ ዘካይድዎ ብዘለዉ እውግእ ንቕድሚት ይስጉሙ ከምዘለዉን ከተማ ማሪብ ንምቁጽጻር እውን ብርቱዕ ቃልሲ የካይዱ ምህላዎም ይንገር። ዕጡቓት ሓይሊ ዓሌትሁቲ ብኢራን ክድገፉ ከለዉ እቶም ኣብ ዝስደት ዘለዉ እሙናት ንመንግስቲ ዝኾኑ ብሱዕዲ ዓረብ ዝድገፉ ከምዝኾኑን ኣብ ለካቲት እቶም ተቓወምቲ ነታ ኣብ ከባቢ ሰሜን እትርከብ ናይ መወዳእታ ዕርዲ መንግስቲ ገይርካ ክትርአ እትኽል ከተማ ማሪብ ንምሓዝ ብርቱዕ ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎምን ነቲ ብማዕድን ነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ዞባ ምቝጽጻር ነቲ ሁቲ ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ንዝገብሮ ውዕላት ዘደልድሎ ምዃኑ ይንገር።

ኣብተን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ

ውግእ ይቕጽል ኣብ ዘለሉ እዋን እዚ ውግእ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ ድኻታት ሃገራት ዘስዕቦ ቅልውላው ፍታሕ ንምርካብ ጽዑቕ ናይ ውዕላት ንጥፈታት ይግበር ኣሎ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጐ እቶም ካብ ኣባይቶም እተመዛበሉ ማሕበረሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ከምዘድልዮም እንክሕብር ካብ መባእታ 2021 ዓ.ም. ብሓፈሻ ልዕሊ 24 ሲሕ ዝኾኑ ሰባት ካብቲ ኣብ ዞባ ማሪብ እተግብረ ጽዑቕ ውግእ ክሃድሙ ከምእተገዱን እዚ ግጭት እዚ ድሮ ርብዒ ናይቶም ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝዀኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር እተመዛበሉ ሰባት ሓንጎፋይ ቢሉ ዝተቐበሎ ዞባ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ኣብ ዚቕጽል መዓልታት እቲ ናብ የመን እተላእከ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ወኪል ሃንስ ግሩንድበርግ ኣብ የመን ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ርእሰ ብሔር ባድ ራቦ ማንሱር ሃዲን ምስ ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ምስ ዓልወይንታት ዓሌት ሁቲ ከምኡ እውን ምስ ወከልቲ እተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ምብጻሕ ካካይዱ እዮም።

18 September 2021, 09:38